Tuesday , May 14 2024
Foto: Christine Olsson/TT / kod 10430

ዳምቤሪ፡ ጭካነ ዝመለኦ ተግባር እዩ ክብል ንፍጻሜ ቶኽሲ ኮኒንዎ

እቲ ብቀዳም ምሸት፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሁዲንየ፡ ከባቢ ፍለሚንስቤሪ፡ ዘጋጠመ ገበናዊ ፍጻሜ ቶኽሲ፡ ኣብቲ ንጹሃን ህጻናት ዝጻወትሉን ዝንቀሳቐስሉን ኣከባቢ ብምፍጻሙ፡ ዘይሓላፍነታውን ጨካንን ተግባር እዩ ክብል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሚኪኤል ዳምቤሪ፡ ድሕሪ’ቲ ሓደ ኣብ መዋእለ ህጻናትን ሓደ ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ዝመሃሩ ክልተ ናእሽቱ ህጻናት፡ ግዳይ ዝኾንዎ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ፍጻሜ፡ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ነይሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ሓሳባትናን ጸሎትናን ነቶም ግዳያት ዝኾኑ ህጻናትን ስድራቤቶምን እዩ ክብል፡ ዳምቤሪ፡ ገሊጹ።

እቲ ዘጋጠመ ፍጻሜ፡ ብጣዕሚ ዘቖጥዕን ዘሰቅቕን ዘጉህን እዩ ክብል ዳምቤር ገሊጽዎ። ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ፡ ትሻዓተ ሰባት፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ፡ ነቲ ሚኒስተር፡ ሓበሬታ በጺሕዎ ኣሎ።

ፖሊስ’ቲ ከባቢ፡ ነቲ ጉዳይ ብዝግባእ ይከታተሎ ከምዘሎን፡ ዝኣክል መርትዖታትን ጭብጥታትን ከምዘለዎ፡ ዳምቤሪ፡ ሓቢሩ።

እዞም ነዚ ገበን ዝፈጸሙ ሰባት፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም፡ ዝግባእ መቕጻዕቲ ክወስዱ ከምዝግባእ ዝሓበረ፡ ዳምቤሪ፡ ህጻናትና ኣብ መንጎ ሕብረተሰብና፡ ብናጽነተን ብዘይስግኣትን ክንቀሳቐሱን ክነብሩን ይግባእ ክብል ዘረብኡ ዛዚሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com