Wednesday , May 15 2024
60-plus people in Greece are being fined if they don't get vaccinated. (AP Photo/Thanassis Stavrakis) XTS102

ግሪኽ . . . ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ዘይተኸትቡ ሰባት፡ ክቕጽዑ እዩም

ካብ ሎሚ ጀሚሮም፡ ኩሎም ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ክኽተቡ ክግደዱ ምዃኖም፡ ግሪኽ፡ ኣዊጃ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት እሞ ድማ ዘይተኸትቡ እንተድኣ ኮይኖም፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ክሳብ 50 ፖውንድ መቕጻዕቲ ክውሰነሎም ምዃኑን፡ ብድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ግዜ ድማ ክሳብ 100 ፓውንድ ክቕጽዑ እዮም። እቲ ናይ መቕጻዕቲ ገንዘብ፡ ብመንገዲ በዓል መዚ ግብሪ ዝእከብ ኮይኑ፡ ናይ ሆስፒታላት ወጻኢታት ኣብ ምሽፋን ክውዕል እዩ።

ኣስታት ክልተ ሲሶ ካብ ነበርቲ ሃገረ ግሪኽ፡ ምሉእ ክታበት ዝወሰዱ እኳ እንተኾኑ፡ ኣብ መንጎ ሽማግለታት ዘሎ መጠን ክታበት ግን ዝወሓደ እዩ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ኩሎም ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝሰርሑ ሰባት፡ ክታበት ከም ረቛሒ ከምዝኸውን ተሓቢሮም ምንባሮም ይዝከር። ካብ ዕለት 1 የካቲት ጀሚሩ፡ ኩሎም ልዕሊ ሸውዓተ ኣዋርሕ ዝገበረ ናይ ክታበት ምስክር ወረቐት ዘለዎም ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት እንተዘይወሲዶም፡ ዕድመ ናይቲ ወረቐት፡ ውዱቕ ከምዝኸውን ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com