Tuesday , May 14 2024
WHO Europe Director Hans Kluge believes that the pandemic may be ebbing in Europe.(AP Photo/Gregorio Borgia, FILE) WRC110

ፍርቂ ካብ ህዝቢ ኣውሮጳ፡ ብኦሚክሮን ክልከፍ ተኽእሎታት ኣሎ ተባሂሉ

ኣብ ዝቕጽል ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ሸሞንተ ሳምንታት ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ፍርቂ ካብ ህዝቢ ኣውሮጳ፡ ብ ጅር ቫይረስ ኦሚክሮን ክልከፍ ከም ዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም–WHO ኣተሓሳሲቡ።

ጅር ኦሚክሮን፡ ካብ ጫፍ ምዕራብ ክሳብ ጫፍ ምብራቕ እታ ኣህጒር ብናህሪ ይላባዕ ምህላዉ፡ ዶክተር ሃንስ ክሉግ፡ ገሊጹ’ሎ። ንሱ ኣብ ስያትል ንዝመደብሩ ማእከል ገምጋም ጥዕና መወከሲ ብምግባር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣብ ዝቕጽል ሽዱሽተ ክሳብ ሸሞንተ ሳምንታት፡ ልዕሊ 50% ካብ ህዝቢ ኣውሮጳ፡ ብቫይረስ ኦሚክሮን ክልከፍ እዩ” ኢሉ’ሎ።

እቲ ቫይረስ ካብ ምዕራብ ኣውሮጳ ናብ ሓውሲ ደሴት ባልካን ብፍጥነት ይላባዕ ምህላዉ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ጅር ደልታ እውን ብሰፊሑ ኣብ ዝላብዓሉ ዘሎ እዋን እዩ።

እዚ ትንበያ ዝመጸ ኣብ ፈለማ ሰሙን ሓድሽ ዓመት 2022 ጥራይ ሚልዮናት ሓደስቲ ሕሙማት ድሕሪ ምምዝጋቦም እዩ። በዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሳምንታት ጥራይ፡ ቊጽሪ ሕሙማት፡ ልዕሊ ዕጽፊ ምዕባዩ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኦሚክሮም ምስ ካልኦት ጅራት ኮሮና ብምውድዳር፡ ልዝብ ዝበለ እኳ እንተኾነ፡ ንዝተኸትቡ ሰባት እውን ከይተረፈ ናይ ምትሓዝ ዓቕሚ ዘለዎ ኣዝዩ ተላባዒ ቫይረስ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com