Wednesday , May 15 2024
Foto: Fredrik Sandberg / TT / kod 10080

ንገበነኛታት ዝምልከት ሓድሽ እማመ ቀሪቡ

ኣብ ሃገረ ሽወደን፡ ብሕጋዊ ይኹን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ፡ ኣብዚ ሃገር ዝነብሩ ወጻእተኛታት ዝፍጽምዎ ገበናዊ ንጥፈታት፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳዓበየ ብምምጽኡ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ሃዋህዉ ሽወደን፡ ኣካታዒ ሕቶ ብምዃን ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ነቲ ብሽወደናዉያን ዜጋታት ዘይኮኑ ሰባት ዝካየድ ገበናዊ ንጥፈታት ንምዉጋድ፡ ብደረጃ መስርሕ ሕጊ፡ ንገበናዊ ንጥፈታት፡ ከም መምርሒ ሂወት ዝገበሩ ሰባት፡ ብናይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ጥራይ፡ ካብ ሃገር ክጥረዙ ዘኽእል ስልጣን፡ ኣብ ልሙድ ሕጊ ክታኣታቶ ብዝተፈላለዩ ወገናት ክቐርብ ዝጸንሐ ናይ ሕጊ እማመ፡ ተቐባልነት ረኺቡ፡ ናብ ጣዉላ መንግስቲ ቀሪቡ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን፡ ኣቶ ሞርጋን ዮሃንሶን፡ ነቲ እማመ ብኣወንታ ከምዝረኣዮን ኣብ ተግባር ንምዉዓሉ ከምዝሰርሕን ኣረዲኡ።

ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ዓመት፡ ክሳብ 200 ዝኾኑ ጉዳያት ገበን፡ ብወጻእተኛታት ወይዉን ወጻእተኛ መበቆል ብዘሎዎም ሰባት፡ ከምዝካየድ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣተኲሩ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዘመልክት ኣገልግሎት ዜና ተተ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com