Tuesday , May 14 2024
About 3,000 police officers were out of work on Wednesday because they were sick or quarantined. Foto: Anders Wiklund / TT / kod 10040

3 ሽሕ ዝኾኑ ኣባላት ፖሊስ፡ ካብ ስርሖም ቦኺሮም 

ፖሊስ ሽወደን፡ ብሰንኪ’ቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ መልከፍቲ ኦሚክሮን ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝወደቑ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ከም ጸብጻብ ሽወደናዊ ሬድዮ ኢኮት፡ እንተኾይኑ  ብሮቡዕ ጥራይ፡ ካብቲ ሓፈሻዊ ቁጽሪ ናይ ሽወደን ክስላዕ ከሎ ናብ 10% ዝጽጋዕ ኣሃዝ ዝግመት ኣስታት 3 ሽሕ ኣባላት ፖሊስ፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ ወይ ድማ ብሰንኪ ውሸባ ኣብ ገዝኦም ከምዝተረፉ ተሓቢሩ’ሎ።
እዚ ማለት፡ ነቶም ኣብ ስርሖም ዝተረኽቡ ኣባላት ፖሊስ፡ ናይ ስራሕ ምድርራብ ከም ዘጋጠሞም እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ።
ኣብ ሓደ ሓደ ናይ ስራሕ ቦታታት፡ ከቢድ ኩነታት እዩ ተፈጢሩ ዘሎ፡ ብዙሓት ሰባት ብዘለዎም ኩሉ ዓቕሞም ይሰርሑ ኣለው። ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታ’ውን ነቲ ስራሕ ንምሽፋን ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ዝበጽሐሉ ኩነታት እዩ ዘሎ” ክብል ፓትሪክ ዳኒኤልሰን ኣብ ፌደሬሽን ፖሊስ፡ ሓላፊ ናይ ድሕንነት በዓል መዚ ንራድዮ ስቫሪየ ሓቢሩ።
ናይ ብዙሓት ኣባላት ፖሊድ ካብ ናይ ስራሕ ቦትኦም ብምብኳሮም ምኽንያት፡ ኣብ ነኣሽቱ ከተማታት ዝርከባ ናይ ፖሊስ ቤት ጽሕፈታት ነቲ ሓፋሽ ዝህበኦ ዝነበራ ኣገልግሎት ከቋርጻ ከምዝተገደዳ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ኣድላይ እንድሕር ኮይኑ’ውን፡ ፖሊስ፡ ነቶም ዝህቦም ኣገልግሎታት ብዝምልከት ኣገደስቲ ንዝብሎም ጉዳያት ጥራሕ ንግዜኡ ብቕደም ስዓብ ንምስራሕ ውጥን ብምሓዝ ክንቃሳቐስ ከምዝኽእል እዩ ተሓቢሩ።
ሃገራዊ ኣዛዚ ኦፊሰር ዝኾነ ፒየር ኤንግስትረም ከምዝበሎ፡ እዚ ውጥን ክሳብ 20% ዝበጽሕ ኣሃዝ ዘለዎ ናይ ሰብ ሓይሊ ካብ ስርሑ ምስ ዝቦክር እዩ ተግባራዊ ክኸውን ዝኽእል ዝብል ግምገማ ከምዘሎ ይሕበር።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com