Wednesday , May 22 2024

ዜና መጽሄት

ሓድሽ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ “ንዩክሬይ ንምሕጋዝ ኲሉ ዝከኣለና ክንገብር ኣሎና”

ኣባል ሰልፊ ሞደራትና ዝኾነ ቶቢያስ ቤልስትሮም ሓድሽ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኮይኑ ተሸይሙ’ሎ። ኣብ ክብሶ ደረቱ ናይ ሽወደንን ዩክሬይንን ባንዴራታት ብ መርፍእ ዘንጠልጠለ ቢልስትሮም፡ ጒዳይ ዩክሬይን ኣጸቢቑ ክሰርሓሉ ከም ዝደሊ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ’ሎ። ምስ ናይ ዝሓለፈ መንግስቲ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ብምውድዳር፡ እዚ ሓድሽ ካብ ሰልፊ የማናይ ክንፊ ዝቖመ መንግስቲ፡ ኣብ ርክባት ኣህጒር ኣውሮጳ፡ ኖርዲክ፡ ባልቲክን ስግር ኣትላንቲክን …

Read More »

ኡልፍ ክሪስተርሰን ሽመት ሚኒስተራት ሂቡ።

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሰ፡ ኣብቲ ጥሙር ናይ ሰለስተ ሕዳጣን ሰልፊታት መንግስቱ ብሚኒስተርነት ዘገልግሉ ሰባት ረቚሑ’ሎ። ንሱ ን ባይቶ እታ ሃገር መግለጺ ፖሊሲ መንግስቲ ድሕሪ ምንባብ እዩ ነዚ ሽመት ዓዲሉ ዘሎ። ብመሰረት እዚ ዕደላ ፖለቲከኛታት ሞደራትና ዝኾኑ ኤልሳቤጥ ስቫንቴሰን ን ቶቢያስ ቢልስትሮምን ብተኸታታሊ ሚኒስተራት ፋይናንስን ጒዳያት ወጻኢን፡ መራሒ ሰልፊ ሊበራል ዮሃን ፐርሾን ሚኒስተር ምውህሃድን ዕዳጋ ሽቕለትን፡ መራሒት ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ …

Read More »

ብምኽንያት መስርሕ ምልመላ ተመረቕቲ ንዓውዲ ምህንድስና ይገድፉ።

ዝተሓላላኹን ኣድከምቲን ኣገባብ ምልመላ፡ ንሓደስቲ ምሩቓት መሃንድሳት ካብ ሞያኦም የህድምዎም ምህላዎም ማሕበር ተመረቕቲ መሃንድሳት ሽወደን ኣጠንቂቑ። ተመሃራይ ምህንድስና ዝኾነ ማሕሙድ ብዘይካቲ ዲግሪኡ ንምውዳእ ዝገብሮ ጻዕሪ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርሕ ምልመላ ካብ 20-30 ሰዓታት የህልኽ ምህላዉ ብኣብነት ብምጥቃስ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ንሓደስቲ ተመረቕቲ “እዚ ኣገባብ ኣዝዩ ኣህላኺን ብኣግኡ ካልእ ሞያ ንኽእሹን ዝቕስብ ይኸውን ኣሎ” ክብል ማሕሙድ ቅሬታኡ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

መራሒ ሰልፊ ሊበራል ንውዕል መንግስቲ ኣመልኪቱ ንዝቐረበ ነቐፌታ ምላሽ ሂቡ።

ብሰልፊታት ሞደራትና፡ ዴሞክራሲ ሽወደን፡ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲን ሰልፊ ሊበራልን መንግስቲ ንምቛም ዝተኣትወ ውዕል ብሰልፊ ሊበራል ውሽጣዊ ነቐፌታ የስዕብ ምህላዉ ተገሊጹ። ምንጪ እዚ ኣብ ሰልፊ ሊበራል ተኸሲቱ ዘሎ ነቐፌታ ኣብ ኣመና ብዙሕ ነጥብታት ሕድገት ምግባሩ እዩ ተባሂሉ’ሎ። እንተኾነ ግና መራሒ ሰልፊ ሊበራል ዮሃን ፐርሾን ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ነዚ ውዕል ዝቐርቡ ዝበዝሑ ነቐፌታታት ኣብ ጒዳያት ስደተኛታት፡ ክንክን ጥዕናን ትምህርቲን ምስ ሰልፊ …

Read More »

መንእሰያት ሽወደን ምልከት እንግሊዝኛኦም ይመሓየሽ ኣሎ ተባሂሉ።

መንእሰያት ሽወደን ብቛንቋ እንግሊዝኛ ናይ ምጽሓፍ ክእለቶም እናመሓየሹ ምምጽኦም ዩኒቨርሲቲ ኣፕሳላ ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ መንእሰያት ሽወደን ምስ ቋንቋ እንግሊዝ ዘለዎም ርክብ እናበዝሐ ይመጽእ ብምህላዉ እዩ ክትብል ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ መምህር ቋንቋ እንግሊዝ ክሪስቲን ዮሃንሰን ገሊጻ’ላ። ኣብ ክኒቭስታ “ኣዶልፍስበርግስኮላን” ተመሃራይ ሻብዓይ ክፍሊ ቪክቶር ወሊን፡ ንእሽቶ ሓብቱ ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ኣብ ቀረባ እዋን እኳ እንተጀመረት፡ ሳላ “ዩትዩብ” ን ‘ቪድዮ ጌምን” …

Read More »

ሓድሽ ካቢነ ክሪስተርሰን መን ክኸውን እዩ?

ኡልፍ ክሪስተርሰን ቀዳማይ ሚኒሰተር ክኸውን ተመሪጹ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ካቢነ ሚኒስተራቱ ጽባሕ ሰሉስ ክርቊሑ ምዃኖም ይግለጽ ኣሎ። ኣብ የማናይ ቀጽሪ ካብ ዘለዉ ፖለቲከኛታት ነዚ መዝነት ዝሕረዩ መን ምዃኖም ንጹር እዩ፡ ክብል ተንታኒ ፖለቲካዊ ዜናታት ሬድዮ ሽወደን ቶማስ ራምበር ገሊጹ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣፈኛ ፖሊሲ ቊጠባ ሰልፊ ሞደራትና ብምዃን እትዓዪ ዘላ ኤልሳቤጥ ስቫንቴሰን ዋና ሕጽይቲ መዝነት ሚኒስትሪ ፋይናንስ ክትከውን እያ–ብመሰረት ራምበር። …

Read More »

ኡልፍ ክሪስተርስን ሓድሽ ቀ/ሚ ሽወደን ክኸውን ተመሪጹ።

መራሒ ሰልፊ ሞደራትና ኡልፍ ክሪስተርሰን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኮይኑ ተመሪጹ። ኣብ ባይቶ ሽወደን ድሕሪ ዝተገብረ ድምጺ፡ 173 ተቓውሞን ብ 176 ደገፍን ብጸቢብ ተዓዊቱ–ቀ/ሚ ክኸውን ክኢሉ’ሎ። እዚ ሓድሽ ብ ኡልፍ ክሪስተርሰን ዝቐውም መንግስቲ፡ ን ሰልፊታት ሞደራትና፡ ክርስያናዊ ዴሞክራሲን ሊበራልን ዘካትት ኮይኑ፥ ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደን ኣብዚ መንግስቲ ዘይሕወስ እኳ እንተኾነ ነዚ ሓድሽ መንግስቲ ደገፍ ክህቦ እዩ ተባሂሉ’ሎ።  

Read More »

ሩስያ ኣብ ከተማ ኪቭ ደብዳብ ድሮን ኣካዪዳ። 

ኣብ ርእሰ ከተማ ዩክሬይን–ኪቭ–ብውሕዱ ሰለስተ ደብዳባት ከም እተኸስቱ ተገሊጹ። በዚ መጥቃዕቲ ኣብ ማእከላይ ሸቭቸንኪቭስኪ ዝርከብ መንበሪ ህንጻታት ከም ዝዓነወ፡ ከንቲባ እታ ከተማ ቪኣሊ ክሊችኮ ሓቢሩ’ሎ። እዞም መጥቃዕቲታት ብ ነፍሰ ቕትለት ዝገብራ ድሮናት ሩስያ እተፈጸመ እዩ–ብመሰረት ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ኣንድሪ የርማክ። እዚ ደብዳባት ድሮን ሎሚ ሰኑይ ኣብ ከባቢ ሰዓት 7 ንግሆ ከም እተኸስተ ቢቢሲ ጸብጺባ’ላ። እዚ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ኣብ ዝሓለፈ …

Read More »

ፊንላንድ ኣብ “ኣል-ሖል” ምግሃስ መሰል ህጻናት ፈጺማ ተባሂሉ

ፊንላንድ፡ ኣብ ሶርያ ዝርከቡ ህጻናት ካብ መዓስከራት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዘይምግባራ፡ ምስ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝጽብጸብ ኮሚተ መሰል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚተ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ህጻናት ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከእቱ ኣብ ዝኽእል ኣብ ከምዚ ዝበለ መዓስከራት ምንባር ክቕጽሉ ምግባር፡ መሰሎም ዝግህስ እዩ ኢሉ’ሎ። እዚ ውሳነ ን ህይወት ሽዱሽተ ህጻናት መዓስከር “ኣል-ሖል” ብፍሉይ ድሕሪ ምጽናዕ …

Read More »

ተቓወምቲ ሰልፊታት ን ውዕል የማናይ ቀጽሪ ነቒፈን።

ተቓወምቲ ሰልፊታት ነቲ ብ ሞደራትና፡ ክርስትያናዊ ደሞክራሲ፡ ሊበራልን ሰልፊ ደሞክራሲ ሽወደንን ዝተኣትወ ውዕል ጥሙር መንግስቲ ነቐፊታአን የቕርባ ኣለዋ። እዚ ውዕል የማናይ ቀጽሪ ኣብ መንጎ ክፋላት ሕብረተሰብ ዘሎ ቊጠባዊን ማሕበራዊን ጋግ መሊሱ ከም ዝሰፍሕ ክገብር ይኽእል እዩ ክትብል፡ ተሰናባቲት ቀ/ሚ ከምኡ’ውን ሓላፊት ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ ዝኾነት ማግዳሌና ኣንደርሾን ኣተሓሳሲባ’ላ። እዚ እናኾነ ኣፈኛ ሓምላይ ሰልፊ ማርታ ስቲቭኒ “ከምዚ ዝበለ ኣዝዩ ዓቃባዊ፡ ጸቢብን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com