Tuesday , May 21 2024

ዜና መጽሄት

ክኢላ ፖለቲካዊ ስነፍልጠት፡ “ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደን ዝዓበየ ተዓዋታይ ኮይኑ’ሎ”

ሰልፊታት ሞደራትና፡ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲን ሊበራልን ምስ ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደን ብቐረባ ብምዃን፡ ጽንክር ዝበለ ፖሊሲ ስደተኛታትን ሕጊን ስርዓትን ዝስዕብ መንግስቲ ከቑሙ ምዃኖም ብ ኡልፍ ክሪስተርሰን ዝተዋህበ መግለጺ፡ ን መራሒ ሰልፊ ደሞክራሲ ሽወደን ጅሚ ኤከርሰን ዓብዪ ዓወት ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ። እዚ እናኾነ፡ ኣብ ሸነኻት ሕጊ ስርዓትን ምውህሃድን ሰልፊ ሊበራል ምስ ሓድሽ ኲነታት ባይቶ ክሰማምዑ ከም ዝቕሰቡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊን ክኢላ ፖለቲካዊ ስነፍልጠት …

Read More »

ሓድሽ ጥሙር መንግስቲ ጽንክር ዝበለ ፖሊሲ ስደተኛታትን ምቚራጽ ረድኤትን ከተግብር ከም ዝኽእል ተገሊጹ።

ኣርባዕቲአን የማናይ ቀጽሪ ዘቑማ ሰልፊታት ዝፈጥራኦ ጥሙር መንግስቲ፡ ኣብ ጒዳይ ስደተኛታት ጽንክር ዝበለ ፖሊሲ ክኽተል ከም ዝኽእል ተገሊጹ። እዚ እናኾነ፡ ሃገራዊ ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደን፡ ኣካል እዚ ዝቐውም ዘሎ መንግስቲ እኳ  እንተዘይኮነ ወሰንቲ ፖሊሲታቱ ናብዚ ሓድሽ መንግስቲ ክኣትዉ ከም ዝገብር ይግለጽ ኣሎ። ገለ ካብ እማመታቱ፡ ሽወደን እትወስዶም ሓተትቲ ዕቚባ ምስ ናይ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝተሓተ መጠን ከም ዝስተኻኸል ምግባር፡ ንወጻኢ ዝግበር ሓገዝ …

Read More »

ኣብ ዝቕጽል ዓመት፡ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት 40,000 ስደተኛታት ክቕበላ ለበዋ ቀሪቡ።

ቊጽሪ ናይተን ብላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ዝወጽእ ብጽሒት ስደተኛታት ዝቕበላ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት እናንቈልቈል ምምጽኡ ተገሊጹ። ኣብዚ ዓመት፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ልዕሊ 23,000 ብጽሒት ስደተኛታት ክቕበል ምዃኑ ቃል ኣትዩ እኳ እንተነበረ፡ ክሳብ መወዳእታ ዝሓለፈ ነሓሰ 7,800 ስደተኛታት ጥራይ (ኣስታት ሲሶ ናይዚ ዝተኣትወ ቃል) ናብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ምእታዎም፡ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።

Read More »

ኣብ ስቶክሆልም ዋዕላ ሰብኣዊ መሰላት ይካየድ ኣሎ።

ኣብዚ ሰሙን፡ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ዋዕላ ነጠፍቲ ሰብኣዊ መሰላት ይካየድ ምህላዉ ተገሊጹ። እዚ ዋዕላ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ተሳተፍቲ፡ ምስ ካልኦት ኣብዚ ዓውዲ ዝነጥፉ ሰባት ብ መርበብ ክራኸቡ ዕድል ዝፈጥር እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ‘ዲፈንደርስ ዴይ” ዝተሰየመ ዋዕላ፡ ኣብ ከክልተ ዓመት ሓደ ግዜ ብ ሽወደናዊ ውድብ “ሲቪል ዲፈንደርስ” ከም ዝካየድን፡ ናይ ሎሚ ዓመት ዋዕላ ካብ 50 ሃገራት እተዋጽኡ ኣስታት 200 ተሳተፍቲ …

Read More »

ትካል ሽርሻሮ ክዳውንቲ H&M ናይ ጎደና ሰራሕተኛታቱ ክንኪ እዩ።

ገዚፍ ትካል ሽርሻሮ ክዳውንቲ H&M፡ ኣስታት 400 ናይ ዶገና ሰራሕተኛታቱ ኣብ መላእ እታ ሃገር ናብ ዝርከቡ ጨንፈራት ክዝርግሑ ምዃኖም ኣፍሊጡ’ሎ ክትብል፡ ሬድዮ ሽወደን ን ማሕበር ወነንቲ ዱካን ሃንደልስ ብምጥቃስ ጸብጺባ’ላ። እዚ ንለበዳ፡ ዝቕባበን ሸመታ ኦንላይንን ሓዊስካ ብብዙሓት ረቛሒታት ይኽሰት ምህላዉ፡ ኣብ መዓልታዊ ጋዜጣ “ዳገንስ ኢንዱስትሪ” ሪፖርተር ጁልያ ፎስበርግ ጸብጺባ’ላ። ትካል H&M ኣብዚ ዓመት ክሳብ 2 ቢልዮን ክሮና ዝበጽሕ ዕቋር ክህልዎ …

Read More »

ሽወደን፡ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ካብ ትጽቢት ዝልዕል ዝቕባበ ከም እተኸስተ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፡ መጠን ዝቕባበ 9.7% ምንባሩ፡ እዚ ድማ ካብታ ቅድሜኣ ዝነበረት ወርሒ ከም ዝልዕልን ብሓፈሻ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ተንተንቲ ወጻኢ ምዃኑ፡ ካብ ትካል ስታቲስቲክስ ሽወደን እተረኽቡ ኣሃዛት ኣመልኪቶም። ምኽንያት ናይዚ ዝቕባበ ወሰኽ ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክን ነዳዲን ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ትካል፡ ዋጋታት መግቢ፡ ክዳውንቲን ጫማታትን እውን ንሂሩ ምህላዉ ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ መጠን ዝቕባበ፡ ንብዙሓት ስድራቤታት መነባብሮአን ዝጸንከረ ክኸውን ዝገብር ክስተት …

Read More »

ፊንላንድን ሽወደንን ኣባላት ኔቶ ንምዃን ብሓባር ድፊኢተን የሐይላ ምህላወን ተፈሊጡ። 

ፊንላንድን ሽወደንን ኣባላት ኔቶ ንምዃን ጻዕረን ክደፍኣሉ ምዃነን ሚኒስተር ምክልኻል ፊንላንድ ኣንቲ ካይኮነን ገሊጹ።  “ኣብ ፕሮጀክት ኔቶ ምስ መሻርኽትና ሽወደን ብሓባር ንደፍእ ኣሎና። ከምቲ ናይ ፈለማ ውጥንና ነዚ ፕሮጀክት ምውዳእ እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ ኣማራጺ የብልናን” ክብል ን YLE ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ’ሎ።  እዘን ክልተ ሃገራት፡ ኣባላት ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ–ኔቶ–ምዃነን ብዓይኒ ምክልኻል ኣገዳሲ እዩ ዝበለ ካይኮነን፡ ካብ 30 ኣባል ሃገራት እተን …

Read More »

ኒኒስትሮ–“ኲናት ዩክሬይን ብኸመይን መኣስን ከም ዝውዳእ ምትንባይ ኣሸጋሪ እዩ”። 

ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ሓድሽ መድረኽ ኣብ ዝኣትወሉ ዘሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ “እዚ ኲናት ብኸመይን መኣስን ከም ዝውዳእ ምትንባይ ኣሸጋሪ እዩ” ክብል ፕረሲደንት ፊንላንድ ሳውሊ ኒኒስትሮ ኣተሓሳሲቡ።  ሩስያ ኣብዚ ሰሙን ንርሑቕ ዝውንጨፉን ከበድቲን ሚሳይላት ክትጥቀም ምጅማራን፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያንን ትሐተ ቅርጺን ዩክሬይን ከኣ ዝኸበደ ዕንወት ይወርድ ምህላዉ ኒኒስትሮ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጥራይ፡ 80 ሚሳይላትን 20 ነፍሰቕለት …

Read More »

ሽቕለት ኣልቦነት የንቈልቊል ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ሽወደን ቊጽሪ ምዝጒባት ስራሕ ኣልቦ ሰባት 333 000 ከም ዝነበረ፡ እንተኾነ ግና እዚ ኣሃዝ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብ 55 ሽሕ ጎዲሉ ምህላዉ፡ ኣገልግሎት ህዝባዊ ሽቕለት ሽወደን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ኣብ ሽወደን ካብ ዘሎ ጠቕላላ ናይ ሽቕለት ሓይሊ ትሕቲ 65 ዝዕድሜኦም ሰባት እቶም 6.6 % ሽቕለት ኣልቦ ምዃኖም እቲ ትካል ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ትሽዓተ ዝዕድሜኣ ህጻን ንምድፋርን ንምቕታልን ዝፈተነ ኮተቴ ንፍርዲ ቀሪቡ።

ኣብዚ ሳመር ኣብ “ስከለፍቲ” ንጓል 9 ዓመት ህጻን ክደፍርን ክቐትልን ብምፍታኑ እተኸሰሰ ወዲ 15 ዓመት ኮተቴ፡ መስርሕ ፍርዱ ከም ዝጀመረ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ኣብዚ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ዝነበረ ስምዕታ ፖሊስ፡ እቲ ኮተቴ ክፋል እዚ ገበን ምፍጻሙ ከም እተኣመነ፡ እንተኾነ ግና ጾታዊ ምድፋርን ቅትለትን ምፍጻሙ ክሒዱ ምህላዉ ንጠበቓኡ ብምጥቃስ ገሊጾም ኣለዉ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com