Tuesday , April 30 2024

ዜና መጽሄት

ንግስቲ ደንማርክ ይቕረታ ሓቲታ።

ንግስቲ ደንማርክ ማርጋሬት፡ ንኣባላት ንጒሳዊ ቤተሰብ ዘቘጥዕ ተግባር ብምፍጻማ ይቕረታ ሓቲታ። ንሳ ኣርባዕተ ደቂደቃ ካብ ንጒሳዊ ማዕርጎም ምቕንጣጣ ቊጥዐ ምልዕዓሉ ይቕረታ እኳ እንተሓተተት፡ ውሳነኣ ከም ዘይትቕይር ኣፍሊጣ’ላ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣርባዕተ ደቂ ሕሳስ ልደ ወዲ ማርጋሬት ልኡል ዮኣቂም፡ ልኡል ወይ ልእልቲ ዝብል መጸውዒኦም ክቕንጠጥን ብ “ካውንት” ሞንፐዛት ዝብል መዓርግ ክጽውዑን ካብ ቤተመንግስቲ ውሳነ ምትሕልላፉ ዝዝከር እዩ። 53 ዝዕድሜኡ ልኡል ዮኣቂም፡ …

Read More »

ሰብመዚ ሽወደን ገበናዊ መርመራ ንምክያድ ን “ኖርድ ስትሪም” ዓጽዮም።

ኣኽበርቲ ሕጊ ሽወደን፡ ነቲ ኣብ “ኖርድ ስትሪም” ዝርከብ ምፍንጃር ትሕተ ማያዊ መትረብ ጋዝ እተፈጽመሉ ኣከባቢ ክዕሸግ ምውሳኖም ተገሊጹ። እዚ ዝገበሩሉ ምኽንያት፡ ኣብቲ ከባቢ ተፈጺሙ ክኸውን ዝኽእል ሽርሒ ንምምርማር እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ቦታ ደጊም ከም ገበን እተፈጸመሉ ቦታ እዩ ዝረአ ዘሎ። በዚ ድማ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝግበር ናይ ጥልቀት ምሕንባስ (“ዳይቪንግ”) ኮነ ብጀላቡን መራኽብን ዝግበር ምዝንጋዕ፡ ብመሰረት ውሳነ ኣኽበሪ ሕጊ ደው ክብል …

Read More »

ኣብ ስቶክሆልም ቦርኪትካ ዝወሓደ ቊጽሪ ኣድመጽቲ ከም እተመዝገበ ተገሊጹ።

ኣብ ሽወደን፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ እተገብረ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ምርጫ፡ ዝወሓደ ቊጽሪ መረጽቲ ከም እተራእየ ተገሊጹ። ኣብ 2018 ምስ ዝተገብረን 87% ካብ ህዝቢ ድምጾም ዝሃብሉን ምርጫ እንክወዳደር፡ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ብ 84% ቊጽሪ መረጽቲ ዝወሓደ እዩ ኔሩ ተባሂሉ’ሎ። ሓንቲ ካብዞም ዝወሓዱ ቊጽሪ ኣድመጽቲ ዝተራእየሎም ምምሕዳራት ከተማ፡ ቦትኪርካ ደቡባዊ ስቶክሆልም ኮይና፡ ምስ ናይ ዝሓለፈ ምርጫ 78% እንክወዳደር ብ 7% ብምጒዳል፡ 71% …

Read More »

ኣብ ክስተት “ኳንታ” ምርምር ዘካየዱ ተመራመርቲ ፊዚክስ ተዓወትቲ ሸልማት ኖቤል ኮይኖም።

ሰለስተ ተመራመርቲ ዓውዲ “ፊዚክስ”፡ ብሓባር ተዓወትቲ ሽልማት ኖቤል እዚ ዓመት ኮይኖም ኣለዉ። እዞም ተመራመርቲ ኣብቲ “ዝተጠናነገ ኲነታት ኳንተም” እናተባህለ ዝጽዋዕ ባህርያዊ ክስተት ብዝገበርዎ ኣበርክቶ እዮም ነዚ ሽልማት በቒዖም ዘለዉ። እዞም ተዓወትቲ ፈረንሳዊ ኣሌይን ኣስፐክት፡ ኣመሪካዊ ጆን ኤፍ ክሎስተር፡ ከምኡ’ውን ኣንቷን ዘይሊንገር ካብ ሃገረ ኦስትርያ ኮይኖም፡ ብጠቕላላ 10 ሚልዮን ክሮና ኖርወይ (ኣስታት 957 ሽሕ ዶላር) ክሽለሙ እዮም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቴክኖሎጂ መምህር …

Read More »

ሓደ ሰብኣይ ወዲ ሓብቱ እናተሃርመ ዘርኢ ቪድዮ ብምዝርግሑ ተኸሲሱ።

ሓደ ሰብኣይ ወዲ ሓብቱ ጎነጽ እናወረዶ ዘርኢ ቪድዮ ብምዝርግሑ ተኸሲሱ። እዚ እናኾነ ብዙሓት ሰባት ናይ ጎነጽ ቪድዮታት ምዝርጋሕ ገበን ምዃኑ ከም ዘይፈልጡ ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ። “እዚ ዓንቀጽ 267a ገበናዊ ሕጊ ዝግህስ ተግባር ብምዃኑ፡ ኣብ ትሕቲ መርመራ እዩ ዝርከብ ዘሎ” ክብል ጠበቓ ፖሊስ ወረዳ ደቡባዊ ምዕራብ ኖርወይ ሲልየ ጉድመስታድ ጃሰን፡ ን ጋዜጣ ስታቫንገር ኣፍቶንብላዴት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ ዓንቀጽ ገበናዊ …

Read More »

ኣብዚ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ሶደርታልየ ክልተ ሰባት ብጥይት ተቐቲሎም።

ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት፡ ኣብ ሶደርታልየ ክልተ ሰባት ብጥይት ከም እተቐትሉ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ብዓርቢ ወዲ 19 ዓመት ኮተቴ ክቕተል እንከሎ፡ ድሕሪኡ 24 ሰዓታት ጸኒሑ ወዲ 40 ዓመት ሰብኣይ ተቐቲሉ ከም እተረኽበ ዝገለጸት እታ ሬድዮ፡ ምስቲ ብዓርቢ እተፈጸመ ቅትለት ብእተተሓሓዘ ኣርባዕተ ሰባት ተታሒዞም ምህላዎም ወሲኻ ኣመልኪታ። ነዞም ክልተ ግዳያት መጥቃዕቲ ሓዊስካ፡ ኣብ ሶደርታልየ ኣብዚ ዓመት ጥራይ 50 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።

Read More »

ፓቦ ኣብ ስነፍልቀት ወዲሰብ ብዝገብሮ ሳየንሳዊ ኣበርክቶ ተሸላሚ ኖቢል ኮይኑ።

ሽወደናዊ ሳየንሰኛ ስቫንት ፓቦ፡ ናይዚ ዓመት ተሸላሚ ኖቤል ዓውዲ ፊዝዮሎጂ ወይ መዲሲን ምዃኑ ተፈሊጡ።. 67 ዝዕድሜኡ ተቐማጢ ስቶክሆልም ፓቦ፡ "ን ሕነተ-ሰረት (“ጂኖም”) ጻንታ ዓሌተ ሰብእ ከምኡ’ውን ዘገምታዊ ፍልቀት ወዲሰብ ኣመልኪቱ ብዝገበሮ ኣገዳሲ ሳየንሳዊ ኣበርክቶ እዩ ነዚ ሽልማት በቒዑ ዘሎ። ንሱ ብፍላይ ኣብ ጻንታ ዓሌት ወዲሰብ ዝኾነ “ኒያንደርታል” ምሉእ መሳርዕ “ጂኖም” ኣብ ልዕሊ ምክያዱ፡ ደኒሶቫንስ ዝተባህለ ዝጸነተ ዓሌት ሰብእ እውን ምድህሳሱ …

Read More »

ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት፡ ልዕሊ 20% ክፍሊት መልዕሎ ብጌጋ ምፍጻሙ ተገሊጹ።

ልዕሊ 20% ካብቲ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ድሕነት ዝፈጸሞ ናይ መልዕሎ ክፍሊታት ብጌጋ ዝተገብረ ምኹኑ ተገሊጹ። ዝበዝሐ እዋን ሰራሕተኛ እዚ ትካል ግጒይ ሓበሬታ ብምትሕልላፍ ናይ ዝንቀሳቐስ ወይ ለውጢ ኣታዊ ንዝገበረ ሰብ መሰል መልዕሎ ክጽሎ ከም ዝገብር እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። “ነፍስ ወከፍ እንፍጽሞ ጌጋታት፡ ንውልቀ-ሰብን ሃገርን ጸገም የስዕብ ምህላዉ ንግንዘብ ኢና” ክብል ኣብቲ ኤጀንሲ ሓላፊ ስርሒታት ፍረደሪክ ፋልክ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ምፍንጃር “ኖርድ ስትሪም” ኣገደስቲ ገመዳት ኤለትሪክ ኣዕንዩ ክኸውን ከም ዝኽእል ተገሊጹ።

ኣብ ምጅማር ናይዚ ሰሙን፡ ኣብ “ኖርድ ስትሪም” ብሰንኪ እተኸስተ ምፍንጃር መትረብ ጋዝ፡ ኣስታት 500 ሜትሮ ዝንውሓቱ ገመድ ኤለትሪክ ዓንዩ ክኸውን ከም ዝኽእል፡ መፍረ ጸዓት ሽወደን ዝቈጻጸር በዓልመዚ “ስቨንስካ ክራፍትናት” ንህዝባዊ ኣገልግሎት TV ስቨሪገስ ኣፍሊጡ። “ስቨንስካ ክራፍትናት” ከምኡ’ውን ፖላንዳዊ መዘናኡን ነቲ “መራኸቢ ስወፖል” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ገመድ ኤለትሪክ ዕንወት በጺሕዎ ኣሎዶ ንምርግጋጽ ክኢላታት ጸዊዖም ኣለዉ። እዚ መራኸቢ ገመድ፡ ኤለትሪክ ንምስዳድን ንምሽማትን ዝውዕል …

Read More »

ሓሙሽተ ሰልፊታት ባይቶ፡ ሽወደን ንበጻሕቲ ሩስያ ዶባታ ክትዓጹ ከም ዝደልዩ ተፈሊጡ።

ካብተን ሸሞንተ ሰልፊታት ባይቶ እተን ሓሙሽተ፡ ሽወደን ኣብነት ፊንላንድ ብምስዓብ ንበጻሕቲ ሩስያ ዶባታ ክትዓጹ TV4 ዘካየዶ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። እንተኾነ ግና፡ ብዕቤቶም ኣብ ቀዳማይን ሳልሳይን ዝስርዓ ሰልፊታት ማሕበራዊ ዴሞክራሲን ሞደራትናን ነዚ ሓሳባት ተቓዊሞሞ ኣለዉ። ሰልፊታት ሊበራል፡ ሓምላይ ከምኡውን ጸጋማይ ብወገኖም ሽወደን ን በጻሕቲ ሩስያ ዶባታ ክትዓጹ ዝብል ሓሳብ ዝሰማምዕሉ እኳ እንተኾኑ፡ ንመንግቲ ሩስያ ዝቃወሙን ነታ ሃገር ክገድፉ ዝደልዩን ባእታታት ኲነታት ክመቻችኣሎም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com