Tuesday , April 30 2024

ዜና መጽሄት

ኣብ ሽወደን ፈላማይ ምድማጽ ተጀሚሩ።

ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን ክካየድ 17 መዓልታት ተሪፍዎ እኳ እንተሃለወ፡ ትማል ረቡዕ ፈላማይ ምድማጽ ከም እተጀመረ ተገሊጹ። ኣብ 2018 ዳርጋ ፍርቆም (ማለት 45%) ካብ ዝተዋህቡ ድምጺታት፡ ኣቐድም ኣቢሎም ከም እተዋህቡ ዝገለጸት ሬድዮ ሽወደን፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ቊጽሪ ካብዚ ዝለዓለ ክኸውን ከም ዝኽእል ወሲኻ ተነብያ’ላ። ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን ኣብ 11 መስከረም ክካየድ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።

Read More »

ኣብ ቱርክ መጥባሕቲ ፕላስቲክ እናገበረት ህይወታ ዝሓለፈት ሃና መዘራረቢት ትኸውን ኣላ።

ኣብ ቱርኪ መብጣሕቲ ፕላስቲክ ድሕሪ ምክያዳ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታ ዝሞተት ሽወድናዊት ኣና ቫለንቲን መዘራረቢት ኣርእስቲ ኮይና ምህላዋ ሬድዮ ሽውደን ገሊጻ። ስድራቤት መዋቲት፡ ብዛዕባ ምኽንያት ሞት ኣና ኣብ ዘቕረብዎ ሕቶ፡ እቶም ቱርካውያን ክኢላኣት መርመራ መድሃኒት ኣና ብሰንኪ ምትሕልላኽ ሕማም ሳንቡእ ምሟታ እኳ እንተገለጹ፡ ክኢላታት ሽወደን ነዚ ዝጻረር ግብረመልሲ ምሃቦም እታ ሬድዮ ሓቢራ። “ኣና ሕማም ሳንቡእ ኔርዋ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ እንተኾነ …

Read More »

ግጒይ ሕክምናዊ ውጽኢት እተነግሮም ተመሃሮ ፍሉይ ትምህርቲ ይወስዱ ኣለዉ።

ኣብ ምዮልቢ ደቡብ ሽወደን፡ ብውሕዱ ሽዱሽተ ተመሃሮ ብ ክኢላታት ስነኣእምሮ ግጒይ ሕክምናዊ ውጽኢት ተነጊርዎም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንዝሓለፋ ሽዱሽተ ዓመታት ናይ ፍሉይ ጠለባት ትምህርቲ ክወስዱ ምጽንሖም ምምሕዳር ከተማ ገሊጹ። ነዚ ዳህሳስ ስዒቡ፡ ምምሕዳር ከተማ ነቶም ሽዑ መርመራ እተገብረሎም ንዓሰርተ ተመሃሮ ኣመልኪቱ፡ ሓድሽ ገምጋም ኣውጺኡ ምህላዉ ተፈሊጡ። ከምዚ ዘበሉ ጒዳያት ናይ ምኽሳት ዕድሎም ዝነኣሰ እዩ ክብል ኣብ ውሽጣዊ ቆንስል ሓላፊ ትምህርቲ ክሪስተን …

Read More »

ኦስሎ፡ ፋስ ሒዙ ዝንቀሳቐስ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

ኣብ ኦሶሎ ቶርሾቭፓርከን፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሓለዋ ብምኽታል ፖሊስ ዳህሳስ ድሕሪ ምክያድ፡ ፋስ ሒዙ ይንቀሳቐስ ንዝነበረ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ። ኣብቲ ኣጸድ ዝዘናግዑ ዝነበሩ ሰባት ፋስ ሒዙ ዝንቀሳቐስ ሰብ ብምርኣዮም ስግኣት ከም ዝሓዞም ፖሊስ ኣብ ናይ ትዊተር ገጾም ጽሒፎም ኣለዉ። ፖሊስ ነቲ ሰብኣይ ክቈጻጸርዎ ምስ ፈተኑ ብብሽክለታ ክሃድም እኳ እንተፈተነ ተታሒዙ ናብ ቤት ማሕቡስ ከም እተላእከ ኖርወይ ቱደይ …

Read More »

ኣብዚ ሳመር ካብ ዝቦቚሉ መርዛማት ቃንጥሻ ክጥንቀቑ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ።

እዚ ወቕቲ ኣብ ሽወደን ቃንጥሻ ዝቦቚለሉን ሰባት ክንዲ ዝደልዩዎ ቃንጥሻ ካብ ጫካ ዝምእርሩሉ ግዜ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሰባት ካብ መርዛማት ቃንጥሻ ክጥንቀቑ ጻውዒት ቀሪቡ። ዓመት መጸ ካብ 1000-2000 ዝኣኽሉ ሰባት፡ መርዛማት ቃንጥሻ ብምብላዕ ከም ዝሓሙ ማእከል ሓበሬታ መርዚታት ሽወደን ይሕብር። ሰባት ጥዑያት እናመሰሎም ነቶም መርዛማት ቃንጥሻ ከይበልዑ ክጥንቀቑ ከም ዝግባእ፡ ኣብቲ ማእከል ክኢላ ስነ-መድሃኒት ፒተር ሁልተን ወሲኹ ኣጠንቂቑ’ሎ።  

Read More »

ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ ምውሳኽ ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን፡ ማእከላይ ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ ትማል ሰኑይ 5 ክሮናን 77 ሳንቲምን ን ኪሎዋት ኣወር ምንባሩ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። እዚ መጠን ዋጋ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝነበረ ብምሕላፍ ዝለዓለ ተባሂሉ ተመዝጊቡ’ሎ። ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ዝጸንሐ ውሱን ናይ ምትሕልላፍ ዓቕሚ፡ ትሑት መፍረ ጸዓት፡ ከምኡውን ልዑል ዋጋ ጸዓት ኣውሮጳ ናይዚ ክስተት ምኽንያታት እዮም ክብል፡ ኣብ ትካል ምምኻር ጸዓት “መርሊን ኤንድ …

Read More »

ኖርወይ፡ ወራሲት ዓራት ልእልቲ ሜት-ማሪት ብ ኮሮና ተታሒዛ።

ወራሲት ዓራት ኖርወይ ማቴ-ማሪት ብኮሮና ከም እተለኽፈት ቤተ ንጉስ ብቀዳም ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። እታ ልእልቲ ቀሊል ምልክታት እቲ ሕማም ተርኢ ምህላዋ እቲ ቤተ ንጒስ ሓቢሩ’ሎ። ወራሲት ዓራት ማቴ-ማሪት ኣብ ጥቅምቲ 2018 ሕዱር ሕማም ሳንቡእ ከም ዘለዋ ገሊጻ ምንባራ ዝዝከር ኮይኑ ሕማም ኮሮና ነዚ ዝጸንሓ ሰንኮፍ ጥዕና ከጋድዶ ከም ዝኽእል ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ’ላ። በዓልቤታ ወራስ ዓራት ልኡል ሃኮን ኣብ …

Read More »

ኣብዚ ሳመር ኣብ ሆስፒታላት ሽግራት ዓቕሚ ሰብ ጎሊሑ ተራእዩ።

ምስ ዝሓለፈ ሳመር ብምውድዳር፡ ኣብዛ ሳመር ኣብ ዓበይቲ ሆስፒታላት ዝርከቡ ዝበዝሑ ዓራውቲ ብተሓከምቲ ስለ እተታሕዙ ሕጽረት ዓቕሚ ሰብ ጎሊሑ ከም እተራእየ፡ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዘካየደቶ ዳህሳስ ኣመልኪታ። ቅድሚ ሳመር ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ናይ ዓቕሚ ሰብ ጒዳይ ምፍታሕ ኣሸጋሪ ስለ ዝኸውን ዝበዝሓ ዞባታት ነቶም ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ዝወዘፉ ሓካይም ተወሳኺ ካሕሳ ክህባ ምውሳነን ገሊጸን ኣለዋ። ሒደት ሓካይም ጥራይ ዕረፍቲ ሳመር ይወስዱ …

Read More »

ኣብ ኖርወይ ዕቚር ሃብቲ ጸዓት ጸሓይ ምህላዉ ተፈሊጡ።

ኣብ ኖርወይ፡ ካብ ጸሓይ ዝርከብ ናይ ኣስታት 200 ቴራዋት ዕቚር ተኽእሎ ፍርያት ጸዓት ምህላዉ ማልታይኮንሳልት ገሊጹ። እዚ መጠን ዕጽፊ ናይቲ እታ ሃገር ካብ ማይን ንፋስን እትረኽቦ ጠቕላላ ፍርያት ጸዓት እዩ። ኣብ ኖርወይ ገና ዘይተዳህሰሰ ገዚፍ ዕቚር ጸሓያዊ ጸዓት ምህላዉ፡ ኣብ ክላስተር ጸዓት ጸሓይ ካርታ ኣብ ምድላው ዝሰርሕ ብሾርን ቶሩድ ን መደበር ዜና ኖርወይ (NRK) ሓቢሩ’ሎ። ኣብ ኖርወይ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል …

Read More »

ወሰኽ ዋጋ ጸዓት ሻቕላ ከም ዝፈጠረሎም ኣፍረይቲ መግቢ ገሊጾም።

ቅድሚ ኣየትን ዊንተርን ተኸሲቱ ዘሎ ልዑል ወሰኽ ጸዓት ኤለትሪክ ን ኣፍረይቲ መግቢ ከም ዘሻቐሎም ን ፈደረሽን መግቢ ሸወደን ብምጥቃስ ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ ኣብ ዝሓለፈ ኣየት ሓሙሽተ ዕጽፊ ምውሳኹ፡ ንመኽሰብ ኲባንያኦም ኣዝዩ ጸልዩዎ ምህላዉ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኲባንያ ምስንካት ሕብስቲ ፓገን ኣንደርሽ ካርልሰን የርንዳል ገሊጹ’ሎ። መንግስቲ ነተን ልዑል ወጻኢ ጸዓት ዘለወን ስድራቤታትን ኲባንያታትን ክዓድየን ሰልፊታት ፖለቲካ ሽወደን እማመ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com