Tuesday , April 30 2024

ዜና መጽሄት

ጒዳይ መሬት ኣብ ሕቶ ክሊማ ዕንቅፋት ይኸውን ምህላዉ ተሓቢሩ።

ብርክት ዝበላ ምምሕዳራት ከተማ፡ ከም ብርቱዕ ዝናብ ንዝመሰሉ ጽንኲር ክሊማዊ ለውጢታት ንምልምማድ ዘኽእል ስራሕ ይዓማ ምህላወን፡ እንተኾነ ግና እዘን ምምሕዳራት ነዚ መምርሒታት ኣብ ካልኦት ምምሕዳራት ከተማ ኮነ ወነንቲ መሬት ከተግብራ ዘይፍቀደለን ምዃኑ ብድሆ ፈጢሩ ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። እዚ ዕማም፡ ፍሉጥ ዶብ ምምሕዳራት ከተማ ሰጊሩ ንስፍሕ ዝበለ ከባቢን ወንነቲ መሬትን ዝዝርጋሕ ምስ ዝኸውን፡ ሽግራት የጋጥሞ ኣሎ ክትብል፡ ኣብ ኤጀንሲ ክሊማ …

Read More »

ኣብ ወፍሪ ምረጹኒ ማሕበራዊ ሚድያ ነቲ ያታዊ ኣገባብ ይትክኦ ኣሎ ተባሂሉ።

ተወዳደርቲ ሰልፊታት ሽወደን፡ ምስ ምቕራብ ናይቲ ኣብ 11 መስከረም ዝካየድ ምርጫ ሽወደን ናይ ምረጹኒ ወፍረን ዘካይዳሉ ኣገባብ ኣቓልቦ ይስሕብ ምህላዉ፡ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። እዘን ሰልፊታት ብኸመይ እየን ፖሊሲታተን ምስ ህዝቢ ዘፋልጣ ዘለዋ ዝብል ሕቶ ንምፍታሽ፡ እታ ሬድዮ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሉንድ መምህር ስትራቴጅያዊ ርክባት ከምኡ’ውን ተመራማሪ ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ምስ ዝኾነ ኒልስ ጉስታፍሰን ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መሕትት፡ ሰልፊታት ፖለቲካ ንማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ይጥቀማ …

Read More »

ኖርወይ፡ 12% ካብ ደቀንስትዮ ተመሃሮ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ጾታዊ ርክብ ክፍጽማ ጸቕጢ ከም ዝግበረለን ተፈሊጡ።

ኣብ ኖርወይ 12% ካብ ደቀንስትዮ ተመሃሮ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ፡ ጾታዊ ርክብ ክፍጽማ ጸቕጢ ከም ዝግበረለን ሓደ ሓድሽ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። ብተወሳኺ 3% ደቂተባዕትዮ፡ ን መጽናዕቲ ዳህሳስ መንእሰያት ከምዚ ዝበለ ዘሕዝን ተመኲሮ ከም ዘሕለፉ ምግላጾም “ሴክስ ኦግ ፖሊቲክ” እተባህለ ማሕበር ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ’ሎ። 20% ደቀንስትዮን 8% ደቂ-ተባዕትዮን ብዘይድሌቶም ጾታዊ ምትንዃይ ከም እተፈጸሞም፡ እቲ ጸብጻብ ኣቐሚጡ’ሎ። “ብደረጃ ሃገር 9.4% ካብ ደቀንስትዮ፡ …

Read More »

ኖርወይ፡ ምምሕዳር ጽርግያታት 14 ናይ ዕንጸይቲ ድልድላት ክዓጹ እዩ።

ምምሕዳር ህዝባዊ ጎደናታት ኖርወይ፡ 14 ናይ ዕንጸይቲ ድልድላት ክዓጹ ወሲኑ’ሎ። እዚ እናኾነ፡ ምኽንያት ምፍራስ ናይቲ ኣብ ትረተን ጥቓ ጎደና 254 ዝነበረ ናይ ዕንጸይቲ ድልድል ኣብ ምጽናዕ ከም ዝርከብ ገሊጹ’ሎ። “ዛጊት ምኽንያት ምፍራስ እዚ ድልድል ኣይተፈልጠን ኣሎ። ሎሚ ነቲ ኲነታት ድሕሪ ምምርማር፡ ምኽንያት እዚ ምፍራስ ክሳብ እነረጋግጽ ካልኦት 14 ናይ ዕንጸይቲ ድልድላት ክንዓጹ ወሲንና ኣሎና” ክትብል ኢንግሪድ ዳል ሆውላንድ ገሊጻ’ላ። እዚ …

Read More »

ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ ደቡብ ሽወደን ትማሊ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ምንባሩ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝነበረ ዝለዓለ ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ 4.7 ክሮና ን 1 ኪሎዋት ኣወር ኮይኑ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ግና ካብዚ ዝልዕል ዋጋታት ከም እተመዝገበ ተገሊጹ። በዚ ዘሎ ፍጥነት እንተቐጺሉ ካብ ትማሊ ዋጋ ጸዓት ናብ 7.68 ክሮና ን 1 ኪሎዋት ኣወር ክበጽሕ ተኽእሎ ምህላዉ፡ ጸብጻብ ተሌቪዥን ሽወደን ኣመልኪቱ። ኣብ ኣውሮጳ እተኸስተ ልዑል ዋጋ ጋዝ ፡ ከምኡ’ውን ብምኽንያት ድኹም ንፋሳት ትሑት ተሓዳሲ …

Read More »

ኣኒ ሉፍ፡ “ዝመጽእ መንግስቲ ኣብ ምቛም ወሳኒ ረቛሒ ኢና”

ክሊማዊ ለውጢ ምብዳህ ኣዝዩ ኣገዳሲ መንግስታዊ ዕማም ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ሽወደን ድሕሪ ምርጫ ጽኑዕን ርጉእን መንግስቲ ንኽህልዋ ወሳኒ ረቛሒ እዩ፡ ክትብል መራሒት ማእከላይ ሰልፊ ኣኒ ሉፍ ገሊጻ። ሬድዮ ሽወደን ሓደ ወርሒ ተሪፍዎ ዘሎ ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን ምኽንያት ብምግባር፡ ምስ ሸሞንቲአን ሰልፊታት ባይቶ ቃለመሕትት ክትገብር ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብቲ ቃለመሕትት ሉፍ “ ንሕና ኣብ ወሰን ዘሎና ሰልፊ ኣይኮንናን፡ ኣብ ማእከል ኢና …

Read More »

ኖርወይ፡ ሓድሽ ነዊሕ መንገዲ E39 ካብ ዝመጽእ ሕዳር ጀሚሩ ክፉት ክኸውን እዩ

ኣብ መንጎ ክርስትያንሳንድን ማንዳልን ዝርከብ ሓድሽ ነዊሕ መንገዲ E39፡ ካብ ዝመጽእ ሕዳር ጀሚሩ ክፉት ክኸውን እዩ ክብል ኒ ቪዬር ትማል ሰሉስ ኣፍሊጡ ክትብል ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ። እዚ ሓድሽ መንገዲ፡ ነቲ ብብዝሒ ሓደጋ ትራፊክ ዝረኣየሉ ዝነበረን ኣብ ኣድጋር ዝርከብን መላግቦ ማንዳልን ክርስትያንዳንስን ክትክእ እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ መንገዲ ኣብ ዝሓለፋ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ህንጸት ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ሕዳር ክኽፈት …

Read More »

ኣኒ ሉፍ ብ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ኣብ ዝምራሕ መንግስቲ መንበር ንምውሳድ ተዳልያ ምህላዋ ገሊጻ።

ማእከላይ ሰልፊ ብ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ኣብ ዝምራሕ መንግስቲ መንበር ንምውሳድ ድሉው ምህላዉ፡ መራሒት እቲ ሰልፊ ኣኒ ሉፍ ን ጋዜጣ ዳገንስ ኒሂተር ኣብ ሃበቶ ሓበሬታ ኣረዲኣ። እንተኾነ ግና፡ ማእከላይ ሰልፊ ን ጸጋማይ ሰልፊ ዝሕውስ ወይ ን ሰልፊ ዴሞክራትና ጽልዋ ኣብ ዝህብ መንግስቲ ከም ዘይሰማማዕ ገሊጻ’ላ። ሉፍ ሰልፋ ምስ መንግስቲ ኣብ ንጽል ጒዳያት ክላዘብ ቅሬታ የብላን፡ እንተኾነ ግና ጒዳይ ባጀት ኣብ ልዝብ …

Read More »

ኣንደርሾን፡ “ሽወደን ን ቱርክ ዝኣተወላ መብጽዓ ክትትግበር እያ”።

ሽወደን ንሕቶ ኣባልነት ኔቶ ኣመልኪታ ን ቱርክ ዝኣተወላ መብጽዓ ክትትግበር ምዃና ቀዳመይቲ ሚኒስተር ማግዳሌና ኣንደርሾን ገሊጻ። ኣንደርሾን ምስ ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሹልዝ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ቱርክ ኣሕሊፋ ዝሃበቶ ሰብ ምስ “ኣህጒራዊን ናይ ሽወደንን” ሕጊታት ብዝቃዶ ኣገባብ ምዃኑ ገሊጻ’ላ። ሾልዝ ኣቐድም ኣቢሉ ምስ ኣንደርሾን ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝገበሮ ልዝብ ንቱርክ ሓዊስካ ሸብዓተ ሃገራት ን ሕቶ ኣባልነት ሽወደንን …

Read More »

ኤባ ቡሽ፡ “ንሽወደን እንተኣማመነላ ዓዲ ክንገብራ ኢና ንደሊ”

ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ሽወደን ዘለዎም ተኣማንነት ዳግማይ ከም ዝበራበር ንምግባር ኢና ንሰርሕ ዘሎና ክትብል ሓላፊት ክርስትያናዊ ዴሞክራስያዊ ሰልፊ ኤባ ቡሽ ገሊጻ። ሬድዮ ሽወደን፡ ምስ ምቕራብ ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን፡ ምስ ሸሞንቲአን ሰልፊታት ባይቶ ቃለመሕትት ትገብር ምህላዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኤባ ቡሽ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝነበራ ጻንሒት “ንሽወደን እንተኣማመነላ ዓዲ ክንገብራ ኢና ንደሊ” ምባላ እታ ሬድዮ ገሊጻ’ላ። ገበን ብምጒዳል፡ ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com