Tuesday , May 21 2024

ዜና መጽሄት

ኖርወይ፡ ሓደ ዕሽሪት ተመሃሮ ሕማም ዝተዛብዐ ኣመጋግባ ከም ዘማዕበሉ ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።

ኣብ ኖርወይ፡ ካብ ዓሰርተ ተመሃሮ እቲ ሓደ ብ ዝንቡዕ ልማድ ኣመጋግባ ከም ዝሳቐ፡ ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ብዘይካዚ፡ 16–19 ካብ ዝዕድሜአን ተመሃሮ፡ እተን ሓደ ሲሶ ምስ መግቢን ኣመጋግባን እተተሓሓዘ ዓበይቲ ሽግራት ከም ዘለወን፡ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ንንባብ ኣብቂዓ’ላ። “ምዝባዕ ኣመጋግባ ከም ሽግር ተተኣታዩ ምህላዉ መጽናዕቲና ኣመልኪቱ’ሎ። ግደ ሓቂ እቶ ነዚ ዘመልክቱ ኣሃዛት ዘሰንብዱ እዮም” ክትብል ኣብ ክፍሊ መጽናዕቲ ምዝባዕ ኣመጋግባ ዞባታት እትሰርሕ ገዲም …

Read More »

ክሊማ ሕጂ’ውን ኣቓልቦ ክወሃቦ ዝግባእ ኣገዳሲ ጒዳይ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ ሽወደን እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጒዳይ፡ ቀጻልነት ዘለዎ ሕብረተሰብ ምህናጽን ሸቶታት ክሊማ ምዕዋትን እዩ፡ ክብል ኣባል ሓምላይ ሰልፊ ፐር ቦሉንድ ኣተሓሳሲቡ። ንሱ ነዚ ዝበለ፡ ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን ክካየድ ሓደ ወርሒ ጥራይ ተሪፍዎ ምህላዉ ምኽንያት ብምግባር፡ ሬድዮ ሽወደን ንሰልፊታት ባይቶ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት እዩ። “ዘይምዕዳል ኮይኑ፡ ብዘይካ ሓምላይ ካልኦት ሰልፊታት ኣብ ምውሳኽ በካሊ ጋዛት ግዲ ይገብራ የለዋን፡ ዝበለ ቦሉንድ፡ “በዚ ድማ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ንነግራማት ዓማዊል ዝእግድ ሕጊ ክጠናኸር ጻውዒት ቀሪቡ።

ናይ ንግድ መስርሕ ዝዘርጒ ነግራማት ዓማዊል ንምእጋድ ዝውዕል ሕጊ፡ ሳሕቲ ጥራይ ኣብ ግብሪ ይውዕል ምህላዉ፡ ሓደ ናይ ሽርሻሮ ጒጅለ ኣተሓሳሲቡ። ብነግራማት ዓማዊል ዝተኻየዱ ንግድ ናይ ምዝራግ ኣጋጣሚታት ተኣኪቦም ናብ ሕጊ እንተዝቐርቡ፡ ትርር ዝበለ ሕጋዊ እገዳ ንኽግበረሎም ኣብ ውሳነ ምብጻሕ ምተኻእለ ኔሩ፡ ክብል ኣብ ፈደረሽን ንግድ ሽወደን ሓላፊ ፖሊሲ ቊጠባ ማት ሀደንስትሮም ገሊጹ’ሎ። እዚ ሕጊ ተግባራዊ ምዃኑ ድሕሪ ምእዋጁ፡ 500 ጥርዓናት …

Read More »

ኖርወይ፡ ዋጋታት ኤለትሪክ ዩኒቨርሲታት ሰማይ ዓሪጉ።

ኣብ ደቡባዊ ኖርወይ ዝርከባ ዩኒቨርሲታት፡ ክሳብ ናይ 200 ሚልዮን ክሮና ኖርወይ ተወሳኪ ወጻኢ ጸዓት ኤለትሪክ ምግባሮም ተፈሊጡ። “በዚ ኣገባብ ምቕጻል ዝከኣል ኣይኮነን” ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ በርገን፡ ዳይረክተር ፋይናንስ ስቲነር ሱንድበርግ ኣተሓሳሲቡ’ሎ። “እዚ ተፈጡሩ ዘሎ ናብ ዕብዳን ገጹ ዝጽጋዕ ወሰኽ ዋጋ፡ ኲሉ ይርእዮ’ሎ። እዚ ገንዘብ ኣብ ክንዲ ኣብ ጸዓት፡ ኣብ ካልእ መዓላታት ክፈስስ ምኸኣለ ኔሩ” ክብል ሱድበርግ ን ኾርኖ ገሊጹ’ሎ። “ኣብ …

Read More »

ኖርወይ፡ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ንምዕጋስ ከኒናታት ዝወስዱ ሰባት ቊጽሮም ይዛይድ።

ኣብ ኖርወይ፡ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ንምዕጋስ ከኒናታት ዝወስዱ ሰባት፡ ቊጽሮም እናወሰኸ ይመጽእ ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 124,000 ኖርዌጃውያን ኣንቲሳይኮቲክ ምውሳዶም፡ እዚ ድማ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ምስ ዝጸንሐ ኣሃዝ እንክወዳደር ናይ 20,000 ወሰኽ ጌሩ ምህላዉ፡ ኖርወይ ቱደይ ገሊጻ’ላ። ኣስታት 400,000 ኖርዌጃውያን ንምዝንባል ኣእምሮ ዝኸውን መድሃኒት ከም ዝወስዱ ዝገለጸት እታ ማዕከን ዜና፡ እቶም ኣዝዮም ዝበዝሑ (315,000) ከኒና ጸረ-ጭንቀት፡ ካልኦት ኣዝዮም ብርክት ዝበሉ …

Read More »

ኣብ ምዕራብ ሽወደን ዝተኸስተ ባርዕ ዕንወት ኣውሪዱ።

ካብ ዮተበሪ ንደቡብ ዝርከብ E6 ሞቶርወይ፡ ትማል ሰሉስ ዳግማይ ተኸፊቱ’ሎ። እቲ ሞተርወይ፡ ብሰንኪ ኣብ ቀረባ ርሕቀት ኣብ ዝርከብ ኢንዱስትርያዊ ከባቢ ብሰኑይ ንብርክት ዝበላ ሰዓታት እተኸስተ ባርዕ፡ ተዓጽዩ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ሓላፊ ማሕበር ምክልኻል ባርዕ ሽወደን ቶማስ ናታኔልሰን፡ ኣብቲ ቦታ ምንባሩን 100 ሚልዮን ክሮና ሽወደን ዝግመት ንብረት ዓንዩ ክኸውን ከም ዝኽእልን ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ። እቲ ባርዕ እናቐጸለ፡ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ …

Read More »

ኖርወይ፡ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ ን ኤለትሪክ ኣመልኪቶም እተወስዱ ስጒምቲታት ኣዝዮም ድኹማት እዮም ብምባል ነቒፉ።

መራሒት ሰልፊ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ ኦላግ ቦለስታድ፡ ንጸዓት ኤለትሪክ ኣመልኪቱ ዝተወስደ ስጒምቲታት ኣዕጋቢ ኣይኮነን ክትብል፡ ንመንግስቲ ነቒፋ። ብዘይካዚ፡ ንቢዝነሳት ዝኸውን ተወሳኺ ውሳነታት ጸዓት ኤለትሪክ ክግበር ጸዊዓ። “እዚ መንግስቲ ኣውጺእዎ ዘሎ እማመ ጸዓት ኤለትሪክ፡ ምንም ትሕዝቶ የብሉን፡ ባምባ እዩ። ሰልፊና፡ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ  ዋጋ እንተበዝሐ 50 øre ክኸውን፡ ልዕሊ ዝኾነ ኸኣ 100% ሸፈነ ክህልዎ ኢና ንደሊ” ክትብል፡ ቦልስታድ ን ማዕከን ዜና NTB ገሊጻ’ላ። …

Read More »

እዛ ወቕቲ ንትካላት ክንክን ኣዴታት ዝተዛነየት ምንባራ ተገሊጹ።

ኣብ ሽወደን፡ ብተዛማዲ ዝወሓደ ናይ ወሊድ ኣጋጣሚታት ብምኽሳቱ፡ እዛ ሳመር ንትካላት ክንክን ጥዕና ኣዴታት ዝተዛነየት ወቕቲ ምንባራ፡ ሬድዮ ሽወደን ናብ ዝተፈላለያ ዞባታት ሽወደን ናይ ዳህሳስ ሕቶ ድሕሪ ምክያድ ኣጣሊላ። ምስ ተመሳሳሊ ወቕቲ ናይ ዓሚ ብምውድዳር፡ ኣብዚ ሳመር ኣብ ዞባ ስቶክሆልም ካብቲ ንቡር ብ 7% ዝውሕዱ ቆልዑ ከም እተወልዱ፡  ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ኡልፍ ክሪስተርሰን፡ “ጸገም ገበን ንምፍታሕ ናይ ዴንማርክ ሞዴል ክንጥቀም ኣሎና”።

ሽወደን ሓፈሻዊ ምርጫ ከተካይድ ሓደ ወርሒ ጥራይ ተሪፉዋ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ጒዳይ ገበን ኣቓልቦ ክወሃቦ ዝግባእ ኣገዳሲ ብድሆ ምዃኑ፡ መራሒ ሰልፊ ሞደራትና ኡልፍ ክሪስተርሰን ኣተሓሳሲቡ። ዝዓበየ ተወዳዳሪ መንግስቲ ምዃኑ ዝንገረሉ ሰልፊ ዓቃባዊ-ሞደራትና፡ ገበን ንምክልኻል ጽንክር ዝበሉ ዝተዋደዱ ስጒምቲታት ክውሰዱ ከም ዘለዎም ገሊጹ’ሎ። ሓደ ካብዚ ክሪስተርሰን ዘቕረቦ ስጒምቲታት፡ ንውሕ ዝበለ ማእሰርቲ ፈጸምቲ ገበን እዩ። “ኣብ ሽወደን ዘሎ ጸገም ገበን ንምፍታሕ፡ ናይ …

Read More »

ፊንላንድ ንሩስያውያን ዝወሃብ ቪዛ ደረት ክትገብረሉ እያ።

ፊንላንድ ንሩስያውያን ዝወሃቡ ቪዛታት ደረት ክትገብረሎም ከም እትኽእል፡ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ፊንላንድ ፔካ ሃቪስቶ ገሊጹ። ንሱ ዝሓለፈ ሓሙስ ን “ሀልሲንጊን ሳኖማት” ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሚኒስትሪኡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ካብ ሩስያውያን ንዝመጽእ ብዝሒ ዘለዎ ጠለባት ቪዛ፡ ንምዕጋት ሕጋውን ስሉጥን ኣማራጺታት ክፍትሽ ምጽንሑ ገሊጹ’ሎ።. ሓደ ኣማራጺ፡ ንገለ ቪዛ ካብቲ ካልእ ሓለፋ ምሃብ፡ ከምኡውን ንቱሪስት ቪዛ ዝወሃብ ናይ ግዜ ሰሌዳ ምጽባብ እዩ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com