Sunday , May 12 2024

ዜና መጽሄት

ኣብ ሓባራዊ ድሉውነት ቅልውላው ኖርዲክ ብርክት ዝበለ ጒድለታት ምህላዉ ተገሊጹ።

ኣብ ሓባራዊ ድሉውነት ቅልውላው ኖርዲክ ብርክት ዝበለ ጒድለታት ከም ዘለለየ ትካል ጒዳያት ወጻኢ ፊንላንድ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ገሊጹ። እቲ ጸብጻብ ኣብ ድሕነት ኣገደስቲ ትሕተ-ቕርጺ ዘሎ ምድላው እዂል ዘይምዃኑ ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ ኣብ ሃገራት ኖርዲክ  ወሳኒ ትሕተ ቅርጺ ንዝውንናን ኲባንያታት ዝመልከት እዩ። ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ዝሳለጥ ኣኼባ ቆንስል ሃገራት ኖርዲክ ነዚ ቅልውላው ምድላው ኣመልኪቱ ክዝቲ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

Read More »

ኣባላት ምንቅስቓስ ክሊማ ኣብ ጽርግያ ኮፍ ብምባል ብዘካየድዎ ሰልፊ ተኾኒኖም።

12 ኣባላት ምንቅስቓስ ክሊማ ሕጊታት ፖሊስ ሸለል ብምባሎምን ተኾኒኖም። እዞም ኣባላት ምንቅስቓስ ኣብዚ ሳመር ካብ ስቶክሆልም ብሸነኽ ሰሜን ኣብ ዝርከብ ጽርግያ ተሽከርከርቲ E4 ኮፍ ብምባል ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምክያዶም ዝፍለጥ እዩ። ዕላማ ናይዚ ሰልፊ ብዛዕባ ህሉው ቅልውላው ክሊማ ኣቓልቦ ንምስሓብ ምዃኑ ብምጥቃስ ምንም ኣበሳ ከም ዘይፈጸሙ እዞም ኣባላት ምንቅስቓስ ገሊጾም ኣለዉ። እቲ ሰልፊ ኣብ ግዜኡ ብዙሕ ኣቓልቦ እኳ እንተሰሓበ ናብ …

Read More »

ፊንላንድ፡ ቀ/ሚ ነበር ስታብ ብዛዕብ ሩስያ ጌጋታት ምፍጻሙ ተኣሚኑ።

ሩስያ ከም ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ዴሞክራስያዊት ክትከውን እያ ዝብል ተስፋ ምሕዳሩ ግጒይ ምንባሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ፊንላንድ ነበር ኣሌክሳንደር ስታብ ተኣሚኑ። ንሱ ዝሓለፈ ረቡዕ ናብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝፈነዎ ቪድዮ ሩስያ ዴሞክራስያዊት ሃገር ክትከውን እያ ዝብል ተስፋ ምሕዳሩ ግጒይ ምንባሩ ገሊጹ። “ቊጠባታት፡ ትካላትን ባህልታትን ኣውሮጳ ክወሃሃዱ እንተጌርና፡ ፋሉልን ዘይሕጋዊን ባህርያት መንግስታት ክጠፍኡ እዮም ዝብል የዋህ ተስፋ ኣሕዲርና ኔርና። መሰረታዊ ጌጋና ካብዚ …

Read More »

250 ስድራቤታት ጎሓፍ ኣባይቲ ንምውጋን ይወዳደራ።

ኣብ መላእ ሽወደን 250 ስድራቤታት ዘጠቓለለ ፕሮጀክት ውድድር ምውጋን ጎሓፍ ዝሓለፈ ሰሙን ተዛዚሙ። ተወዳደርቲ ብተረፍ-መረፍ መኣዲ ከዳልዉ፡ ከምኡ’ውን ምስ መሓዙቶም ክዳውንቲ ክቀያየሩን ዝብል ብድሆታት ዘጠቓልል ውድድር እዮም ኣካዪዶም። ኣብዚ ውድድር ስድራቤታት ከተማን ገጠርን ተሳቲፈን ኣለዋ። ሓደ ካብቲ ውድድራት “ንስሙን ኣርባዕተ ዓይነት ክዳውንቲ ጥራይ ምልባስ” ዝብል ብድሆ ከም ዝነበሮ ሓንቲ ካብዘን ተወዳደርቲ ማርያ ዳግላስ ሙኝናስት ገሊጻ’ላ።

Read More »

ቀታሊ ደራፋይ ራፕ ኣይናር ክሳብ ሕጂ ኣይተረኽበን ተባሂሉ።

ህቡብ ሽወደናዊ ደራፋይ ራፕ ኤይናር፡ ኣብ ጎደቦ ሃመርቢ ሆስታድ–ስቶክሆልም–ብመጥቃዕቲ ካብ ዝመውት ሓደ ዓመት ከም ዝሓለፎ ተገሊጹ። ንሱ ኣብ ከባቢ ደረቱ ብርክት ዝበለ ግዜ ብጥይት ተወቒዑ ኣብቲ ቦታ ከም ዝሞተ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ፖሊስ ምስቲ መጥቃዕቲ ብዝተኣሳሰር ልዕሊ 350 መርመራታት ሰባት እኳ እንተካየዱ፡ ቀታሊ ኤይናር ዛጊት ክርከብ ከም ዘይተኻእለ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ።

Read More »

ጾታዊ ምድፋርን ቅትለትን ዝፈጸመ ሰብኣይ ን “ዕድመ ይፍታሕ” ተፈሪዱ።

ኣብዚ ዓመት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ንሓንቲ ሰበይቲ ዓሚጹ ናብ ጒድጓድ ብምድርባይ ዝቐተለ ሰብኣይ ን “ዕድመ ይፍታሕ” ተፈሪዱ። እዚ 41 ዝዕድሜኡ ሰብኣይ፡ ኣብ ማእከላይ ሽወደን ኖርበሪ፡ ንግዳይ ድሕሪ ምዕማጽ 24 ሜትሮ ናብ ዝምዕማቚ ጒድጓድ ደርብዩ ብምቕታሉ እዩ እዚ መቕጻዕቲ ተበይንሉ ዘሎ ። እቲ ሰብኣይ ነዚ ወንጀል ኣይወዓልክዎን ክብል ናይ ክሕደት ቃሉ ምሃቡ፡ ጠበቓኡ ኸኣ ይግባይ ክብል ተዳልዩ ምህላዉን ተፈሊጡ።

Read More »

ሓድሽ መንግስቲ ሽወደን ብዙሕ ብድሆታት ይጽበዮ ምህላዉ ተገሊጹ።

ኣብዚ ሰሙን ሓድሽ ጥሙር መንግስቲ የማናይ ቀጽሪ ዘቖመ መራሒ ሰልፊ ሞደራትናን ቀዳማይ ሚኒስተርን ኡልፍ ክሪስተርሰን፡ ኣብ ጒዳይ ፖሊሲ ጸዓት፡ ሕቶ ስደተኛታትን ጒዳይ ገበንን ንሽወደን ኣብ ሓድሽ መድረኽ ከእትዋ ከም ዝደሊ ገሊጹ። ይዂንምበር ነዚ ስሉስ-ሰልፋዊ መንግስቲ ናብ ኣጀንዳ ጽገና ዝመርሑ ብርክት ዝበሉ ህጹጻት ብድሆታት ከም ዘለዉ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ “ሶደርቶን” ረዳት ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ኒኮላስ ኣይሎት ይገልጽ። “ሓደ ካብ ህጹጻት ብድሆታት እዚ …

Read More »

ቀ/ሚ ብሪጣንያ ሊዝ ትራስ ብፍቓዳ ካብ ስልጣና ተሰናቢታ።

ቀ/ሚ ብሪጣንያ ሊዝ ትራስ ካብ መዝነታ ብፍቓዳ ተሰናቢታ። እተን 45 ትራስ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐትለን መዓልታት ዕግርግር ዝመልአን ምንባረን ዝገለጸት ሬድዮ ቢቢሲ፡ በዚ ድማ ኣብ ኣርባዕተ ወርሒ ካልኣይ ምርጫ መሪሕነት ክግበር ምዃኑ ወሲኻ ኣመልኪታ። ኣብ ቊጠባዊ ውጥና ብምኽንያት እተኸስተ ለውጢታትን ስዒቡ ዝመጻ ጸቕጢ ኣባላት ቶሪን ስልጣና ብፍቓዳ ዝሓደገት ትራስ፡ ተካኢኣ ክሳብ ዝመጽእ ሰሙን ክምረጽ ምዃኑ ሓቢራ’ላ። ትራስ ኣብ ኣፍደገ “ዳውኒንግ ስትሪት” …

Read More »

ብምኽንያት ምድንፋዕ ኢንዱስትሪ፡ ኣብ ሰሜን ዝያዳ መማህራን የድልዩ ኣለዉ ተባሂሉ።

ኣብ ሰሜን ሽወደን ዝርከባ ዓበይቲ ኢንዱስትሪያዊ ፕሮጀክቲታት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሕጽረት መማህራን ክኽሰት ምግባረን ተፈሊጡ። ነዚ ጠለብ ንምምላእ ዩኒቨርሲቲ ኡሜዮ ሓድሽ ፕሮግራም ስልጠና መማህራን ክጅምር እዩ። እዚ ሞያውያን ከምኡውን ናይ ቅድመ-ትምህርቲ መማህራን ናይ ምስልጣን ፕሮግራም ኣብ ስከለፍተዮ ክወሃብ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብቲ ዞባ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ዝኾነ ምድንፋዕ ኢንዱስትሪ ይምዝገብ ብምህላዉ ጠለብ መማህራን ብእኡ መጠን ምውሳኹ  ንሓላፊ ምስልጣን መማህራን ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ …

Read More »

ክኢላታት ሽወደን ን ተዓለምቲ ዩክሬይን የሰልጥኑ’ለዉ።

ሰራዊት ሽወደን ተዓለምቲ ዩክሬይን ንምስልጣን ናብ ሃገረ ብሪጣንያ ወተሃደራውያን ክኢላታት ከም ዝለኣኸ፡ ነቲ መዓስከር መሰልጠኒ ዝበጽሐት ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። ኣብ ብሪጣንያ ኣስታት 10 ሽሕ ዝኾኑ ዩክሬናውያን ወተሃደራዊ ታዕሊም ይወሃቦም ምህላዉን ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ሳምንታት መሰረታዊ ፍልጠት ብረታት፡ ምዕቃብ ህይወት፡ ጥዕናን ኣህጒራዊ ሕጊን ከም ዝወሃቦም እታ ሬድዮ ወሲኻ ኣመልኪታ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com