Friday , May 17 2024

ስራሕን ቁጠባን

ኣብ ሃገረ ጣልያን፡ ብምውዳቕ ተለፈሪካ፡ 14 ሰባት ሞይቶም

ትማሊ ሰንበት፡ ኣብ ሰሜን ኢጣልያ፡ ጥቓ ቀላይ ማጆሬ፡ ብዘጋጠመ ምውዳቕ ተለፈሪካ፡ ሓደ ህጻን ዝርከቦም ብውሕዱ 14 ሰባት ከም ዝሞቱን ሓደ ህጻን ክብድ ዝበለ መቚሰልቲ ከም ዘጋጠሞን ተገሊጹ። ተጓዓዝቲ፡ ካብ መዘናግዒት ከተማ ስትሬሳ ናብታ ልዕሊኣ እትርከብ እምባ ማታሮን እናኸዱ እዩ እዚ ሓደጋ ኣጋጢሙ ዘሎ ክብል ጸብጻብ ቢቢሲ ሓቢሩ። ኣብ ኣግራብ ዝመልኦ ጸዳፍ ቦታ ዝዓነወ ተለፈሪካ፡ ካብቲ ከባቢ እተረኽበ ስእልታት የመልክት። ካብቶም …

Read More »

ኣብ ህንዲ ካልእ ለበዳ ተኸሲቱ

ሃገረ ህንዲ፡ 8800 ሰባት ብቀዛፊ ሕማም “ጸሊም ፋንገስ” ከም እተለኽፉ ገሊጻ’ላ። እዚ ብሙክሮሚኮሲስ እናተባህለ ዝፍለጥ ሳሕቲ ዝረአ ሕማም፡ 50% ናይ ምቕታል ዕድል ከም ዘለዎን ገለ ሰባት ሓንቲ ዓይኖም ጐልጒልካ ብምውጻእ ጥራይ ከም ዝድሕኑን ቢቢሲ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፋ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ኣብ ህንዲ፡ ኣብ ልዕሊ ሕሙማት ኮቪድ-19፡ እዚ ሕማም ከም እተራእየን፡ ብፍላይ ድማ ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት፡ ነዚ ዝያዳ ተቓላዕቲ ምዃኖምን ዶክተራት …

Read More »

ሓድሽ እማመ፡ ግብሪ ባንክ

  ሓድሽ እማመ ግብሪ ባንክ፡ ብመንግስቲ ሽወደን ምቕራቡ፡ ሬድዮ ኢኮት ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ እማመ፡ ንኣብ ሽወደን ዝርከባ ባንክታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ነተን ኣብ ካልእ ሃገራት ዝርከባ ጨናፍር ውን፡ ግብሪ ክኸፍላ ዝእምም እዩ ክኸውን ክትብል፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን፡ ማግደሊና ኣንደርሾን፡ ገሊጻ። እዘን ባንክታትን ናይ ልቓሕ ትካላትን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ናይ 150 ቢልዮን ክሮነ ዕዳ ከምዘለወን ዝፍለጥ …

Read More »

ሰር ዴቪድ ኣተንበሮው፥ “ካብ ኮቪድ ዝኸፍእ ሓደጋ ይጽበየና ኣሎ” ኢሉ

ብምኽንያት ምቅይያር ክሊማ ዓለምና: ኣብ ዝመጽእ 10 ዓመታት: ካብ ለበዳ ኮሮና ዝኸፍእ ቅልውላው ከጋጥማ ይኽእል እዩ ክብል ተመራማሪ ብዝሒ ስነህይወት: ሰር ዴቪድ ኣተንበሮው: ገሊጹ። ንሱ: ዝመጽእ ሕዳር ኣብ ግላስጎው ዝካየድ ዋዕላ ክሊማ ኣመልኪቱ እዩ ነዚ መግለጺ ሂቡ ዘሎ። እዚ ዋዕላ: ሙቐት ዓለምና ካብ 2°C ንኸይዓቢ ጽልዋን ጸቕጢን ከሕድር ይኽእል እዩ ዝብል ዓብዪ ትጽቢት ተጌርሉ ኣሎ። ኣብቲ ዋዕላ: ሓለዋ ተፈጥሮ ቀንዲ …

Read More »

ሃገረ ስፓኛ፡ ንበጻሕቲ ኣፍደጊኣ ትኸፍት

ካብ ዕለት 07 ሰነ ጀሚራ፡ ሃገረ ስፓኛ፡ ንኹሎም ናብታ ሃገር ክበጽሑ ዝደልዩ ዝተኸትቡ ገያሾ፡ ኣፍደጊኣ ክፉት ክኸውን ምዃኑ ብመንገዲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ፔድሮ ሳንቼዝ፡ ኣቢላ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ይኹን እምበር፡ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመጹ ገያሾ ግን ካብ ጽባሕ ሰኑይ ጀሚሮም ናብታ ዓዲ ክኣትዉ ከምዝኽእሉ፡ ስፖኛ፡ ሓቢራ። ኣብ መጨረሽታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ቱሪዝም ኣብ ስፓኛ፡ ክሳብ 60% …

Read More »

ሃገረ ኖርወይ፡ ቀይድታት ኮሮና ክተፍኩሶም ምዃና ሓቢራ

ሃገረ ኖርወይ፡ ነቲ ኣብቲ ሃገር ዝተራእየ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምቁጽጻር፡ ቀይድታት ኮሮና ኣተኣታትያ ምጽናሓ ይዝከር። ኣቐድም ኣቢላ፡ ኖርወይ፡ ነቲ ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ቀይድታት ኮሮና፡ በብቁሩብ እናገበረት ኣብ ኣርባዕተ መድረኻት ከተልዕሎ ምዃና ገሊጻ ነይራ። ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ ኣብ መፋርቕ ናይ ወርሒ ሚያዝያ፡ ኣብተን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ዝቐነሰለን ቦታታት፡ ቀዳማይ መድረኽ ምፍኳስ ቀይዲታት ኮሮና ጀሚራ ነይራ። ኣብ ዕለት 27 ግንቦት ድማ ካልኣይ …

Read More »

ጆ ባይደን: ኣብ ልዕሊ መትረብ ሩስያ: ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ኣልዒሉ

ምምሕዳር ባይደን: ነቲ ንጀርመርንን ሩስያን ዘረኽብ: ስትሪም ቱ ፕሮጀክት: ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቱቦ ዝሃንጽ ዝነበረ ኲባንያ: ተጻዒንዎ ዝነበረ እገዳ ክለዓል ምግባሩ ቢቢሲ ሓቢራ። ብዘይካ’ዚ: ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መሻርኽቲ ፑቲን ምዃኑ ዝፍለጥ ኣካያዲ እቲ ስራሕ ተጻዒኑ ዝነበረ እገዳ እውን ኣልዒላቶ ኣላ። ካልኦት ኣብ ህንጸት እዚ ፕሮጀክት ዝተዋፈራ ኣርባዕተ መራኽብ ሩስያ እውን እገዳ ኣጽኒዑ እኳ ኣንተነበረ፡ እቲ መትረብ ካብ ምህናጽ ከም ዘይዓገቶ ተንተንቲ …

Read More »

ሃገረ ኢትዮጵያ፡ ሃገራዊ ምርጫ፡ ክሳብ ሰነ 21 ከተናውሖ ምዃና ትገልጽ

ሓፈሻዊ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ካብቲ ተሓሲብዎ ዝነበረ እዋን፡ 16 መዓልታት ጸኒሑ ዕለት 21 ሰነ ክካየድ ምዃኑ ቦርድ ምርጫ እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ምርጫ እታ ሃገር ክናዋሕ፡ እዚ ንኻልኣይ ግዜኡ እዩ። ዓሚ ክካየድ ዝግበኦ ዝነበረ ምርጫ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ፡ ክሰጋገር ምግባሩ ዝፍለጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ብርክት ዝበሉ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር፡ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ፡ ንለበዳ ሕማም …

Read More »

ሃገረ ኣይቮሪ ኮስት: ኣብ ሕርሻ ካካው: ህጻናት ዘዋፈሩ 22 ሰባት ትኣስር

ፖሊስ ኣይቮሪ ኮስት: ኣብ ሕርሻ ካካዋ: ህጻናት ዘዋፈሩ 22 ሰባት: ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ ተገሊጹ። ሓሙሽተ ካብዞም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ: ንቈልዑ ኣብ ናይ ጒልበት ስራሕ ዝዋፈሩ ሰባት: ን 20 ዓመታት ክፍረዱ እንከለዉ: እቶም ካልኦት ን 5 ዓመታት ተፈሪዶም ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ: ብዝተኻየደ ስርሒት: 70 ቈልዑ: ካብ ተመሳሳሊ ግዱድ ዕዮ ክድሕኑ ከም እተገብረ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ሓቢሩ። ኣይቮሪ ኮስት: ኣብ ምዕራብ …

Read More »

ንኣፍሪቃ ተባሂሉ: ዝያዳ ቀረብ ክታበት ኮቪድ: ክዳሎ UN ጸዊዑ

ሃገራት ኣፍሪቃ: ቀረብ ክታበት ኮቪድ 19 ንኸረጋግጻ: ዓለምለኸ ሓገዝ ከም ዘድልየን ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጻውዒት ከም ዝገበረ ቢቢሲ ሓቢራ። ኣፍሪቃ: ዛጊት 2% ናይቲ ንዓለም እተዳለወ ክትባት ጥራይ ከም ዝወሰደት: ብምሉእ ምስምማዕ እቲ ባይቶ ዝጸደቐ ሓደ ጽሑፍ የረጋግጽ። “ጽቡቕ ውሑስ ውጽኢታውን ምዕሩይ ዋጋ ዘለዎን ሕክምናን ክታበት ኮቪድ 19 ን ናብ ኲሉ ክባጻሕ ኣለዎ” ይብል እቲ ሰነድ። ዋና ጸሓፊ UN: …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com