Tuesday , May 7 2024
FILE - In this Thursday, Nov 8, 2018 file photo, Sir David Attenborough poses for photographers at Westminster Central Hall, London. Veteran British broadcaster David Attenborough has been appointed “People’s Advocate” at the COP26 global climate summit later this year, where he is expected to address political leaders about the need for urgent action to tackle the “crippling” threat of climate change, it was announced Monday, May 10, 2021. The 95-year-old is best known for his documentaries on the natural world such as “Planet Earth." (Photo by Joel C Ryan/Invision/AP, file) LLT101

ሰር ዴቪድ ኣተንበሮው፥ “ካብ ኮቪድ ዝኸፍእ ሓደጋ ይጽበየና ኣሎ” ኢሉ

ብምኽንያት ምቅይያር ክሊማ ዓለምና: ኣብ ዝመጽእ 10 ዓመታት: ካብ ለበዳ ኮሮና ዝኸፍእ ቅልውላው ከጋጥማ ይኽእል እዩ ክብል ተመራማሪ ብዝሒ ስነህይወት: ሰር ዴቪድ ኣተንበሮው: ገሊጹ።

ንሱ: ዝመጽእ ሕዳር ኣብ ግላስጎው ዝካየድ ዋዕላ ክሊማ ኣመልኪቱ እዩ ነዚ መግለጺ ሂቡ ዘሎ።

እዚ ዋዕላ: ሙቐት ዓለምና ካብ 2°C ንኸይዓቢ ጽልዋን ጸቕጢን ከሕድር ይኽእል እዩ ዝብል ዓብዪ ትጽቢት ተጌርሉ ኣሎ። ኣብቲ ዋዕላ: ሓለዋ ተፈጥሮ ቀንዲ መዘራረቢ ዛዕባ ከም ዝኸውንን: ኣተንበሮው: ምስ ምልዋጥ ክሊማ ዓለምና ተኣሳሲሩ ንወደሰብን ፍጥረትን ብሓፈሻ ዝመጾ ዘሎ ሓደጋ ኣመልኪቱ: ንመራሕቲ ዓለም ምሕጽንታ ከቕርብን እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com