Thursday , May 2 2024

ስራሕን ቁጠባን

መራሒ ቦኮ ሓራም: ከም ዝሞተ ዳዕሽ ገሊጹ

መራሒ ግብረሽበራዊ ሓይሊ ቦኮ ሓራም፡ ኣቡበከር ሼካው ከም ዝሞተ፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐስ ጒጅለ ዳዕሽ፡ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ድምጺ መልእኽቲ ገሊጹ። ኣብዚ ናብ ቢቢሲ ዝበጽሐ መልእኽቲ፡ ሼካው፡ ኣብ መንጐ ሚሊሻኡን ዳዕሽን ድሕሪ ዝተገብረ ኲናት ብፈንጂ ነፍሰ ቕትለት ምፍጻሙ ተገሊጹ’ሎ። መራሒ ዳዕሽ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ኣቡሙስዓብ ኣልበርናዊ፡ ኣብቲ መልእክቱ “ሼካው ተናሲሑ ናብ ዳዕሽ ክጽንበር ብተደጋጋሚ እኳ እንተ ተማሕጸንናዮ ኣቕቢጹ፡ መወዳእትኡ ድማ ብዘሕፍር …

Read More »

ኖርድያ፡ ንመጠን ወለድ ትሕጃ ባንክ፡ ኣጉዲልዎ

ኖርድያ ባንክ፡ ንመጠን ወለድ ትሕጃ ባንክ (inteckning) ናብ 6% ከምዘጉደሎ ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።እዚ ሓድሽ መጠን ወለድ ትሕጃ ባንክ፡ ምስቶም ኣብ ዝሓለፉ ብዙሓት ዓመታት ዝነበሩ ክነጻጸር እንከሎ፡ እቲ ዝተሓተ ምዃኑ ኣብ ኖርድያ ባንክ፡ ሓላፊ ክፍሊ ትሕጃ ባንክ ዝኾነ ኣርቪድ ክሮንማርክ፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ላንድስፎርሸክሪንየር (Länsförsäkringar)ን ስካንድያን (Skandia)ን ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ …

Read More »

ዕዳጋታት ስራሕ፡ ክሳብ 2023 ዘሎ እዋን ናብ ንቡር ኣይክምለስን እዩ ተባሂሉ

  ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ኣብ መላእ ዓለም፡ ክሳብ 220 ሚልዮን ዝኣኽሉ ሰባት፡ ስራሕ ኣልቦ ክኾኑ ምዃኖም ዓለማዊ ውድብ ስራሕተኛታት () ሓቢሩ ክብል፡ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ዕዳጋታት ስራሕ ዘሎ ድኽመት፡ ነቲ ዝነበረ ዘይምዕሩይነት ኣጋዲድዎ ከምዘሎ፡ በዓል መዚ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጸብጻቡ ኣንቢሩ። መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናይ ዝቕጽል ዓመት፡ ክሳብ 205 ሚልዮን ሰባት ክኸውን ከምዝኽእልን ምስቲ ቅድሚ ቅልውላው …

Read More »

ፍርቂ ብዝሒ ተቐማጦ ሽወደን፡ ከም ዝተኸትቡ ተገሊጹ

ኣብ ሸወደን፡ መስርሕ ክታበት ይቕጽል ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ክሳብ ትማሊ ረቡዕ፡ 5,297,353 ሰባት እንተወሓደ፡ ሓንቲ እብረ፡ ክታበት ጸረ ኮቪድ ከም እተኸትቡ፡ ጸብጻባት ምምሕዳራት ሽወደን ምርኩስ ብምግባር፡ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ክታበት ሽወደን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። 3,765,891 ሰባት፡ ቀዳማይ እብረ ክታበት ክኽተቡ እንከለዉ እዚ ማለት ድማ፡ 46% ካብ ልዕሊ ዕድመ ተቐማጦ ሽወደን ማለት እዩ። እቶም ዝተረፉ 1,531,462 ሰባት፡ ማለት …

Read More »

ቊጠባ ኦስትራልያ፡ ናብቲ ቅድሚ ለበዳ ዝነበሮ ሓይሊ ይምለስ

ቊጠባ ኦስትራልያ፡ ሓይሊ ክድልብ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብቲ ቅድሚ ለበዳ ዝነበሮ መጠን ዝዓቢ ቅልጣፈ የመዝግብ ምህላዉ ተገሊጹ። ብመሰረት ዕላዊ ኣሃዝ፡ ኣብ መበል ቀዳማይ ርብዒ ዓመት፡ ሓፈሻዊ እቶት እታ ሃገር ብ 1.8% ሚእታዊት ዕቤት ኣርእዩ ኣሎ። እዚ ድማ ካብ ትጽቢት ኲሎም ተንተንቲ ቊጠባ ወጻኢ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። ብፍላይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብታ ሃገር ብዝተኣወጀ ዕጽዋ፡ ቁጠባ እታ ሃገር ኣብ ውድቀት ከም ዝነበረ እቲ ጸብጻብ …

Read More »

ዝዓበየ ኲባንያ መመስርሒ ስጋ: መጥቃዕቲ ሳይበር ወሪድዎ

ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ኲባንያ መመስርሒ ስጋ፡ JBS፡ ብዝተራቐቐ ሳይበር መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶ ተገሊጹ። መርበባት ኮምፕዩተር እዚ ኲባንያ በዚ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምስርሳረን፡ ኣብ ሃገራት ኣመሪካ፡ ኣውስትራልያን ካናዳን ዝነበረ ስራሕ ብግዜያውነት ደው ብምባሉን ኣሽሓት ሰራሕተኛታት ብኣሉታ ተጸልዮም ኣለዉ። ብሰንኪ እዚ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ዕዳጋታት። ሕጽረት ቀረብ ስጋ ክህሉ ወይ’ውን ክብሪ ዋጋ ከኸትል እዩ ተባሂሉ’ሎ። በጃ ንኽኽፈሉ መጥቃዕቲ ሳይበር ዘካይዱ ጒጅለታት ገበን፡ ክንድዚ እንተ …

Read More »

ሊበራላዊ ሰልፊ ሽወደን፡ ናብ ፓርላማ ዘየእትዎ ነጥቢ ኣዋህሊሉ

ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣቢሉ፡ ሊበራላዊ ሰልፊ ሽወደን፡ ኣብ ዝኽተሎም ዝነበረ ፖሊሲ፡ ለውጥታት ከምዘተኣታተወ ይዝከር። ይኹን እምበር፡ እቲ ዝተገብረ ለውጥታት፡ ብህዝቢ ጽቡቕ ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ዘረጋግጹ ኣሃዛት ቁጽሪ ድምጺ ህዝቢ ሓቢሮም ኣለዉ። ኣብዚ ሕጂ እዋን’ቲ ሰልፊ፡ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ጸብጻብ ቁጽሪ ድምጺ ህዝቢ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ 0.5% ብምጉዳሉ፡ ኣብ 2.5% ይርከብ። ሎሚ መዓልቲ፡ ናብ ፓርላማ ሽወደን ንኽኣትዋ ሰልፍታት እንተዝወዳደራ ነይረን፡ ሊበራላዊ ሰልፊ …

Read More »

ባግቦ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ናብ ሃገሩ ክምለስ እዩ

መራሒ ኮትዴቭዋር ነበር፡ ሎረን ባግቦ፡ ኣብ ኣህጒራዊ ቤትፍርዲ ናጻ ድሕሪ ምባሉ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ናብ ሃገሩ ክምለስ ምዃኑ ተገሊጹ። ዋና ጸሓፊ ሰልፉ ኣሳው፡ ኣዶ ባግቦ፡ 17 ሰነ ናብ ዓዱ ክምለስ እዩ ኢሉ’ሎ። ባግቦን ሚኒትሰር መንእሰያት መንግስቱን ዝነበረ፡ ቻርለስ ብሊ፡ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ምስ ሰብ መዚ ኮትዴቭዋር ክላዘቡ ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ። ካብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ፡ ኣላሳነ ኡታራ፡ ብመሰረት እቲ …

Read More »

ሰብመዚ ስዑዲ ዓረብ፡ መጒልሒ ድምጺ መሳጊድ ክውሰን ደጊፎም

ሰብመዚ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ፡ ነቲ ሚኒስትሪ እስላማዊ ጒዳያት፡ መጒልሒ ድምጺ መሳጊድ ብሲሶ ድምጺ ክሰርሓ ዝእግድ ውሳነ ከም ዝድግፉ ኣፍሊጦም ኣለዉ። ሚኒስተር እስላማዊ ጒዳያት፡ ዓብደለጢፍ ኣልሼኽ፡ እዚ ስጒምቲ ዝተወስደሉ ምኽንያት ካብ ህዝቢ ቀጻሊ ጥርዓናት ክመጽእ ብምጽንሑ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ወለዲ፡ ካብ መሳጊድ ዝወጽእ ብርቱዕ ድምጺ ደቆም ለይቲ ከይደቀሱ ንኽሓድሩ፡ ምኽንያት ይኸውን ምህላዉ፡ ክጠርዑ ምጽንሖም እቲ ሚኒስተር ሓቢሩ። እቶም ናይ ብሓቂ ክሰግዱ ዝደልዩ፡ …

Read More »

ቻይና: ስድራ ቤታት ክሳብ ሰለስተ ቆልዑ ክወልዳ፡ ኣፍቂዳ

 ኣብ ቻይና፡ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት፡ ክሳብ ሰለስተ ቆልዑ ክትወልድ ፍቓድ ተወሂቡ ከምዘሎ ቻይናዊ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኮሚኒስት ሰልፊ ቻይና፡ ነቲ ኣዝዩ ተሪር ናይ ብዝሒ ስድራቤት ፖሊሲኡ ከፍኩሶ ክኢሉ ኣሎ። ኣሃዛዊ ጸብጻብ ብዝሒ ህዝቢ ከም ዝሕብሮ፡ ብዝሒ ናይቶም ብዕድመ ዝድፍኡ ኣረጋውያን ሰባት፡ ብናህሪ ይዉስኽ ስለ ዘሎ፡ እዚ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ክግበር ከም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com