Thursday , May 2 2024

ስራሕን ቁጠባን

ሰለስተ ካብ ዓሰርተ ሰባት፡ ክልተ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ እዮም

ኣብ ሽወደን፡ መስርሕ ክታበት ጸረ ሕማም ኮቪድ-19፡ ብጽቡቕ ይቕጽል ከም ዘሎ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ክሳብ ሕጂ፡ 4,290,143 ሰባት፡ እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ወሲዶም ከምዘለዉን እዚ ድማ 52.4% ካብ ብዝሒ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሽወደናውያን ከምዝኾነ፡ ጸብጻባት ሃገራዊ መዝገብ ክትባት ይሕብሩ። ካብቶም ዝተኸትቡ ሰባት፡ እቶም ክልተ እብረ ክታበት ዝወሰዱ 2,381,603 እዮም። እዚ ድማ …

Read More »

ኣብ ሃገረ ቦትስዋና፡ ሳልሳይ ዝዓበየ እምነ ኣልማዝ ተረኺቡ

ኣብ ቦትስዋና፡ ብዕቤቱ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝተሰርዐ እምነ ኣልማዝ ከም እተረኽበ ተገሊጹ። እዚ 1098 ካራት ዝኽብደቱ ኣልማዝ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ከም እተረኽበን፡ ፕረሲደንት ሞክግዌጺ ማሲሲ፡ ከም ዝረኣዮን ድማ ተሓቢሩ። ኣብ ቦትስዋና ብዕቤቱ ኣብ ዓለምና ብኻልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ኣልማዝ ኣብ 2015 ተረኺቡ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። “እዚ ኣልማዛ ዛጊት ኣብ ዝሓለፋ 50 ዓመታት ብኩባንያ ዴብስዋና ካብ ዝተረኽቡ እቲ ዝዓበየ እዩ” ክትብል ኣካያዲት …

Read More »

ማኬንዚ ስካት: 2.7 ቢልዮን ዶላር፡ ሓገዝ ለጊሳ

በዓልቲ ቤት ንመስራቲ ኣማዞን ጄፍ ቤዞስ ነበር፡ ቢልዬነር ማከንዚ ስካት፡ ተወሳኺ 2.7 ቢልዮን ዶላር ንዝተፈላለያ ትካላት ረድኤት ከም ዝለገሰት ተገሊጹ። ንሳ ኣብ ብሎጋ ኣብ ዝለጠፈቶ ዜና፡ እዚ ገንዘብ፡ ነቶም ሓገዝን ምወላን ከይረኸቡ ዝጸንሑ ክመቓራሕ እዩ ኢላ። ብፍላይ ድማ ኣብ ዓሌታዊ ዘይምዕሩይነት ስነጥበብን ትምህርቲን ኣተኲረን ዝሰርሓ 286 ትካላት ረድኤት ነዚ ዕላማ መሪጻ ምህላዋ ወሲኻ ገሊጻ’ላ። ዝበዝሐ ካብ ሃብታ ምስ ቤዞስ ድሕሪ …

Read More »

ነፍሰ ጾራት፡ ብዝረኽበኦ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዕጉባት ምዃነን ገሊጸን

ዝላዓለ ቁጽሪ ዘሎወን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብጥንስን ሕርስን ኣገልግሎት ሕክምና ካብ ዝረኸባ ኣዴታት ካብ እዋን ሕርሰን ስጋብ መወለዳን ብዝረኸበኦ ሕክምና ሕክምናዊ ኣገልግሎት፣ ኣዝየ ዕጉባት ከምዝኾና ሓደ ወጎኣዊ ዝኾነ ሕክምናዊ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ። እዚ ብክፍሊ ሕክምና መወልዳን ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፣ ልዕሊ ሓምሳን ክልተን ሚእታዊት ካብተን ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተሳተፋ ኣዴታት ካብ እዋን ጥንሰን ክሳብ ሕርሰን ብድሕሪኡን ኣብ ዘሎ እዋናት ካብ ክፍሊ መወልዳንን ክንንክን …

Read More »

Harmony Media news 14-06-2021

Read More »

ኩሎም ኣብ ምምሕዳር ኖርቦተን ዝነብሩ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት: ክኽተቡ ይእኽሉ እዮም ተባሂሉ

ኣብ ምምሕዳር ኖርቦተን ዝነብሩ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት፡ ጸረ ሕማም ኮቪድ፡ ክኽተቡ ከምዝኽእሉ፡ እቲ ምምሕዳር ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ፡፡ ወቕቲ ክረምቲ ይኣቱ ብምህላዉ፡ ሰባት ንውጥናት ዕረፍቶም ከይተሸገሩ ምእንቲ ክምድቡ፡ ንኹሎም ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት፡ ክታበት ንምውሳድ ቆጽራ ክሕዙ ዕድል ተኸፊትሎም ኣሎ ክትብል ኣዋሃሃዲት ክታበት እቲ ምምሕዳር፡ ፒያ ነስቫል፡ ኣብ ናይቲ ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታ ገሊጻ። ኣብ መበል 22 ሰሙን …

Read More »

ትሕዝቶ ማይ፡ ዲጋ ሁቨር፡ ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ ወሪዱ

ኣብ ኣመሪካ፡ ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ዲጋ ሁቨር፡ ትሕዝቶ ማዩ ኣብ ዝተሓተ ደረጃኡ ከም ዝርከብ ሰብመዚ’ታ ሃገር ገሊጾም ኣለዉ። ኣብ ዶባት ኔቫዳን ኣሪዞናን ዝርከብ ዲጋ፡ ትሕዝቶ ማዩ ናብ 326.6 ሜትሮ ምጒዳሉን ካብ ዓመተ 2000 ንደሓር፡ ከባቢ 45 ሜትሮ ካብ ትሕዝቶኡ ምጥፋኡን ተመልኪቱ። ዲጋ ሁቨር፡ ን20 ሚልዮን ዝኾኑ ተቐማጦ ከተማታት ሎስ ኣንጀለስን ላስ ቬጋስን ካልኦትን ከም ዘገልግል ይፍለጥ። “ሰባት በዚ ክስተት ተሻቒሎም …

Read More »

መጠን ገንዘባዊ ዝቕባበ ሃገራት ኖርዲክ ልዒሉ ተባሂሉ

መጠን ገንዘባዊ ዝቕባበ ኣብ ሃገራት ኖርዲክ፡ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ጸብጻባት ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ሃገረ ዴኒማርክ፡ ካብ ታሕሳስ 2012 ንደሓር፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት፡ ዝለዓለ መጠን ዝቕባበ ኣመዝጊቡ። ወላ’ ኳ መጠን ሽያጥ ብ 1.7% እንተወሰኸ፡ መጠን ገንዘባዊ ዝቕባበ ግን ብ0.2% ከምዝወሰኸ ጸብጻባት ሓቢሮም። ኣብ ሃገረ ኖርወይ ውን መጠን ገንዘባዊ ዝቕባበ እታ ሃገር ክሳብ 2.7% ምብጽሑ’ኳ …

Read More »

ናይ ሎሚ ዓመት ናይ ዩኒቨርስቲ መእተዊ መርመራ፡ ብ UHR ክካየድ እዩ ተባሂሉ

ኣብ ዕለት 24 ጥቅምቲ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ናብ ዩኒቨርስቲ ዘእቱ ፈተና፡ ኣብ ትሕቲ ምክትታል ኮንስላዊ ጉዳያት ዩኒቨርስታትን ኮሌጃትን (UHR) ክካየድ ምዃኑ ካብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህሪቲ ዝወጸ መግለጺ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ሓላፍነት ናይ መርመራታት፡ ካብ ኮንስላዊ ጉዳያት ናብተን ዩኒቨርሲታትን ኮሌጃትን ካብ ዕለት 01 ሓምለ ክምለስ ተመዲቡ እዃ እንተነበረ፡ መንግስቲ ግን ክሳብ ዕለት 01 ጥሪ ናይ ዝቕጽል ዓመት …

Read More »

ኣብ ከተማ ኡረብሩ፡ ክልተ ቤት ትምህርታት ተዓጽየን

ኣብ ከተማ ኡረብሩ፡ ኣብ ከባቢ ቪቫላን ሜልሪንኘ ዝርከባ ብኣል ኣዝሃር ዝበሃል ማሕበር ግብረ ሰናይ ዝመሓደራ ክልተ ቤት ትምህርታት፡ ብበዓል መዚ ምቁጽጻር ቤት ትምህርታት ሽወደን ከምዝተዓጽዋ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ይብል እቲ በዓል መዚ፡ ኣብ ዋንነትን ዓንኬል ምምሕዳራዊ ዓንኬል ናይተን ቤት ትምህርታት፡ ብጣዕሚ ኣሰካፊ ዝኾነ ተርእዮታት ስለዘሎ እዩ ክብል ገሊጹ። እዘን ቤት ትምህርታት ድሕሪ ምዕጻወን፡ እቶም ተማሃሮ ዝነብሩለን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com