Thursday , May 2 2024

ኣብ ሃገረ ጣልያን፡ ብምውዳቕ ተለፈሪካ፡ 14 ሰባት ሞይቶም

ትማሊ ሰንበት፡ ኣብ ሰሜን ኢጣልያ፡ ጥቓ ቀላይ ማጆሬ፡ ብዘጋጠመ ምውዳቕ ተለፈሪካ፡ ሓደ ህጻን ዝርከቦም ብውሕዱ 14 ሰባት ከም ዝሞቱን ሓደ ህጻን ክብድ ዝበለ መቚሰልቲ ከም ዘጋጠሞን ተገሊጹ። ተጓዓዝቲ፡ ካብ መዘናግዒት ከተማ ስትሬሳ ናብታ ልዕሊኣ እትርከብ እምባ ማታሮን እናኸዱ እዩ እዚ ሓደጋ ኣጋጢሙ ዘሎ ክብል ጸብጻብ ቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብ ኣግራብ ዝመልኦ ጸዳፍ ቦታ ዝዓነወ ተለፈሪካ፡ ካብቲ ከባቢ እተረኽበ ስእልታት የመልክት። ካብቶም ግዳያት፡ ሓሙሽተ ዜጋታት እስራኤል ከም ዝርከብዎም ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ እስራኤል ገሊጹ’ሎ። መብዛሕትኦም ግዳያት ሽዑ ንሽዑ ከም ዝሞቱ ዘመልክተ እቲ ሓበሬታ፡ ክልተ ህጻናት ብኸቢድ ቆሲሎም ብህይወት እኳ ተረኺቦም እንተነበሩ፡ እቲ ዕብይ ዝበለ ህጻን፡ ናብ ሆስፒታል ቱሪን ምስ በጽሐ ከም ዝሞተ ሰብመዚ ሓቢሮም ኣለዉ። እቲ ብህይወት ዘሎ እስራኤላዊ ህጻን፡ መጥባሕቲ ይካየደሉ እኳ እንተሎ፡ ኣብ ዘይተረጋግአ ደረጃ ምህላዉ ወሲኾም ገሊጾም።

ከንቲባ ከተማ ስትሬሳ፡ ንፈነወ RAI ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት “ኣዚና ኢና ተሃሲና” ኢሉ። ሓንቲ ተለፈሪካ፡ ክሳብ 40 ሰባት፡ ክትሕዝ ከም እትኽእል ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ኣገባብ ምዝንጋዕ፡ ምስ ምልዓል ሕጊታት ኮሮና ኣብ ቀረባ እዋን ከም እተፈቕደ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ሓደጋ ብኸመይ ከም እተኸስተ ዛጊት ኣይተነጸረን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com