Saturday , May 18 2024

ውህደት

ሊቨርፑል ን 30 ዓመታት ዘማዕደወታ ጽዋእ ፕርመርሊግ ኢዳ ተንብረላ።

ሊቨርፑል ነታ ን 30 ዓመታት ኣማዕድያ ክትርእያ ዝጸንሔት ጽዋእ ፕርመርሊግ ብ ገፊሕ ዓወት 5 ብ 3 ኣብ ልዕሊ ቸልሲ ተሰንያ ኢዳ ኣንቢራትላ። ኣብዚ ጸወታ ሓንቲ ንሸቶ ካልእ ቀረብ ዝገብረ ተኸላኻላይ ኣሌክሳንደር ኣርኖድ በዚ ናይ ሎሚ ምሸት ቀረብ ተሓጊዙ ሓድሽ ክብረ ወስን ማለት ኣብ ሓደ ዓመት 13 ቀረብ ዝገብረ ተኸላኻልይ ብሙዃን ሓድሽ ክብረ ወስን ብሽሙ ጺሒፉ።

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Swedish News in tigrigna 17 juli 2020

ገለ ካብ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ዜና፡ 1. ሃገር ሽወደን ንስራሓት ዉድብ ዓለማዊ ጥዕና፣ ዝዉዕል ናይ 430 ሚልዮን ክራዉን ክትህብ ከምዝወሰነት ኣፍሊጣ። 2. ብኮቪድ 19 ዝተሃሰያ ንኡሳን ምምሕዳራት ማለት ኮሙናት ንሓባራዊ ምኽርን ዘተን ዕድመ መንግስቲ ከምዝቐረበለን ተፈሊጡ። ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ መደብና መድባት ኣልኮምፒስ ብዝተሳለጠ መገዲ ንምክትታል ኩሉኹም ተጠቀምቲ ኣንድሮይድ ኣፕሊከሽን ተዳልይልኩም ስለዘሎ ኣልኮምፒስ ትግርኛ ኢልኩም ብምዉራድ ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም። ብተወሳኺ ኣብ ዩቱብ …

Read More »

News Magazine ዜና መጽሄት 15 ሓምለ 2020

ኣብ ናይ ሎሚ ዜና መጽሔት መደብ ብዛዕባ ጉዳይ ኢመግረሽንን እገዳ መገሻን ዘተኮረ እዩ ።

Read More »

ሆላንድ፡ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንኻልኣይ ግዜ ከየጥቃዓ ትሰግእ

ቁጽሪ ናይቶም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ምውሳኹ ኮለጅ ህዝባዊ ጥዕና ሆላንድ ኣረጋጊጹ። ኣብዚ ሰሙን ጥራይ፡ 978 ሰባት ከምተለኽፉን እዚ ድማ ዕጽፊ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተመዝገበ ቁጽሪ ምዃኑ ሆላንዳዊ ሕክምናዊ ምንጭታት ሓቢሮም። ሰሙናዊ ጸብጻብ ብዝምልከት ትማሊ ሰሉስ ብመንገዲ ዩሮኒውዝ (EURONEWS) ዝተቓልሐ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሽውዓተ ሰባት ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ከምዝሞቱ እኳ እንተተሓበረ፡ እቲ ቁጽሪ ካብዚ ዝለዓለ ክኸውን ከምዝኽእል ብዙሓት …

Read More »

ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይ ዓመተ 2020፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ጎነጻዊ ገበናት ምዝያዱ ተፈሊጡ

ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይ ዓመተ 2020፡ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈጽሙ ጎነጻዊ ገበናት ዝሕብሩ ኣስታት 14100 ጥርዓናት ከምዝተራእዩን ምስቲ ኣብ ተዛማዲ እዋን ናይ ዓመተ 2019 ዘጋጠሙ ተመሳሰልቲ ተርእዮታት ክነጻጸር እንከሎ ብ 4% ከም ዝዛየደ ወግዓውያን ጸብጻባት ኣሃዱ ምክልኻል ገበናት፡ Brå፡ ሓቢሮም። ጥርዓናት ዓመጽ (ምግሳስ) ድማ ብ3% ምውሳኹ እቶም ጸብጻባት ብምውሳኽ ሓቢሮም። ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ እተን ትሑት ዓቕሚ ዘለወን …

Read More »

ቲግኒል፡ ግዳያት ሕማም ኮቪድ-19 ንኻልኣይ ግዜ በቲ ሕማም ንኽጥቅዑ ዘሎ ተኽእሎ ብጣዕሚ ዝጸበበ እዩ ይብል

ብሕማም ኮቪድ-19 ሓንሳብ ተጠቒዑ ዝነበረ ሰብ ንኻልኣይ ግዜ በቲ ሕማም ከም ተደግሰ ዝሕብሩ ጭብጥታት ክሳብ ሎሚ ከምዘይተረኽቡ ኣማኻሪ ጨንፈር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ሽወደን፡ ኣንዲሽ ቲግኒል፡ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ብመሰረት ገምጋማት ኣሃዱ ጥዕና ሽወደን፡ ሓደ ሰብ፡ ካብ ሕማም ኮቪድ-19 ምስ ሓወየ፡ ወላ’ኳ ኣካላቱ ጸረ-ነፍሳት ኣየማዕብል፡ ንኻልኣይ ግዜ በቲ ሕማም ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎታቱ ብጣዕሚ ጸቢብ ምዃኑ ብተወሳኺ ገሊጹ። ንኻልኣይ ግዜ በቲ ሕማም …

Read More »

ኣብ ከተማ ማልሞ ዝርከብ ህንጻ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት (ሶሻል)፡ መጥቃዕቲ ተቓጸልቲ ጠራሙዝ ወሪድዎ

ትማሊ ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ ከተማ ማልሞ፡ ከባቢ ሆልሾጋታትን (Hålsjögatan)፡ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት (ሶሻል)፡ መጥቃዕቲ ተቓጸልቲ ቦምባታት ከምዝወረዶን ዝኾነ ሰብ ድማ ከምዘይተጎድአን ጋዜጣ ሲድቨኒስካን (Sydsvenskan) ሓቢራ። ትማሊ ሰሉስ ኣብ ከባቢ ሰዓት 3:33 ድሕሪ ቀትሪ፡ ተቓጸልቲ ጠራሙዝ ናብቲ ህንጻ ድሕሪ ምድርባዮም ኣብ ግዳማዊ ክፋል ናይቲ ህንጻ ማህሰይቲ ከምዝገበሩ እታ ጋዜጣ ብተወሳኺ ሓቢራ። ፖሊስን ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓውን ናብቲ ቦታ ተቐላጢፎም …

Read More »

ጽምብል ሽልማት ኖብል 2020፡ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ከምዝተርፍ ኮይኑ

ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ዘስዓቦ ቅልውላው፡ ናይ ሎሚ ዓመት ጽምብል ሽልማት ኖብል ከምዘይካየድ ኮሚቴ ኖብል ሓቢሩ። ጽምብል ሽልማት ኖብል፡ 1956 ካብ ዝጅምር፡ ንፈለማ ግዜ ከይተጸምበለ ምውዓሉ ተፈልጡ ኣሎ። ቅንያት ኖብል ናይዚ ዓመት፡ ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ዘስዓቦ ቅልውላው ከምቲ ልሙድ ኣይክኸውንን እዩ። እዚ ዓመት’ዚ ፍሉይ ስለዝኾነ፡ ነፍሲ ወከፍና መስዋእቲ ክንከፍልን ምስቲ ዘሎ ኩነታት ክንወሃሃድን ከድልየና እዩ ክብል ሓላፊ ኮሚቴ ሽልማት ኖብል፡ ላርሽ …

Read More »

ኦክስፎርድ ዩኒቨርስቲ፡ ትስፉው ፈተነታት ጸረ ኮሮና ቫይረስ ክታበት የካይድ

ብኦክስፎርድ ዩኒቨርስቲ ዝማዕበለ ጸረ ኮሮና ቫይረስ ክታበት ተስፉው ዝኾነ ውጽኢት ፈተነ ከምዝሃበን ንጸረ-ነፍሳት ድማ ኣንጻር ቫይረስ ኮሮና ብኸመይ ኣገባብ ከምዝሰርሕ ዝሕብርን እዩ ተባሂሉ። እቲ ክታበት ኣብ ልዕሊ 1077 ሰባት ምስ ተፈተነ ከም ውጽኢቱ ድማ እቶም ኣካላት ናይቶም ሰባት ሓደስቲ ጸረ ነብሳትን ጻዕዱ ዋህዮታት ደምን ከፍሪ ጀሚሩ። ኣካላት ወዲ ሰብ ንመጥቃዕታት ቫይረስ ኮሮና በዞም ባእታታት ኣቢሉ ከምዝቃወም ዝፍለጥ እዩ። ሽወደናውያዊ ብሪጣንያዊ …

Read More »

ምምሕዳር ሉንድ፡ ኣብ ቤት ትምህርታት ዘጋጥም ሓደጋታት ባርዕ ንምውጋድ ጽኑዕ ሓለዋ ካሜራታት ንኽትጥቀም መዲባ

ኣብ ደቡብ ሽወደን እትርከብ ምምሕዳር ሉንድ፡ ኣብተን ብዝሐን 114 ዝኾና ቅድመ ትምህርትን መባእታ ቤት ትምህርታትን ብሓገዝ ካሜራታት ተጠቂማ ጽኑዕ ሓለዋ ንኸተካይድ ክፍቀደላ ጠለብ ከምዘቕረበት ተፈሊጡ። እዚ ጠለብ ዝቐረበሉ ምኽንያት ድማ፡ ኣብታ ከተማ፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘሎ ግዜ ድሕሪ ዘጋጠመ ሓደጋታት ባርዕ ናይ 25 ወግዓውያን ህንጻታት እዩ። ኣብ ውሽጢ እዚ ዝተጠቕሰ እዋን፡ 12 ኣብታ ምምሕዳር ዝርከባ ቤት ትምህርታት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com