Thursday , May 9 2024

ምምሕዳር ሉንድ፡ ኣብ ቤት ትምህርታት ዘጋጥም ሓደጋታት ባርዕ ንምውጋድ ጽኑዕ ሓለዋ ካሜራታት ንኽትጥቀም መዲባ

ኣብ ደቡብ ሽወደን እትርከብ ምምሕዳር ሉንድ፡ ኣብተን ብዝሐን 114 ዝኾና ቅድመ ትምህርትን መባእታ ቤት ትምህርታትን ብሓገዝ ካሜራታት ተጠቂማ ጽኑዕ ሓለዋ ንኸተካይድ ክፍቀደላ ጠለብ ከምዘቕረበት ተፈሊጡ።

እዚ ጠለብ ዝቐረበሉ ምኽንያት ድማ፡ ኣብታ ከተማ፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘሎ ግዜ ድሕሪ ዘጋጠመ ሓደጋታት ባርዕ ናይ 25 ወግዓውያን ህንጻታት እዩ።

ኣብ ውሽጢ እዚ ዝተጠቕሰ እዋን፡ 12 ኣብታ ምምሕዳር ዝርከባ ቤት ትምህርታት ሓደጋ ባርዕ ከምዘጋጠመን ይዝከር።

ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ከምዚ ዝዓይነቶም ሓደጋታት ብተደጋጋሚ ምግጣሞም፡ ኮነ ኢልካ ዝፍጸም ተግባራት ክኸውን ተኽእሎታት ኣሎ ንዝብል ጥርጣሬታት ፖሊስ ክብ ኣቢልዎ ይርከብ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ብናይ ገበን ጉጅለታት ክኽፈሉ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ብዝጥርጠሩ ናእሽቱ መንእሰያት ተደጋጋሚ ምቅጻል ናይ መካይን ይረአ ከምዝነበረ ይዝከር። ናይ ቤት ትምህርታት ምቅጻል ግን ሓደሽቲ ትርእዮታት እዮም።ምዃኖም ባርዕ ናይ ምኽሳት

ኣገባባት ሓደጋታት ባርዕ ናይ ቤት ትምህርታት ዝተመሳሰሉ እዮም። ብለይቲ ዝፍጸሙ ኮይኖም መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕረፍቲ መዓልታት ክቐርቡ እንከለዉ ዝኽሰቱ እዮም። ክሳብ ሕጂ፡ ሓደጋታት ባርዕ ንምስዋር ብተፈንጀርቲ ወይ ድማ ብኤሌክትሪክ ተጠቂሞም ዝብል ምልክታት (መርተዖታት) ከምዘይተረኽቡ ተፈሊጡ ኣሎ።

ድርኺት ናይቶም ፍጻሜታት ክሳብ ሕጂ ክፍለጡ ኣይተኻእሉን። ገለ ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዛረቡ እንከለዉ፡ እቲ ዝፍጸም ዘሎ ናይ ባርዕ ሓደጋታት ምስ ናይ መድሕን ክፍሊት ዝተሓሓዝ’ዩ ክብሉ እንከለዉ እቶም ዝበዝሑ ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ መንግስቲ፡ ቤት ትምህርታት ክዕጸዉ የብሎምን ኢሉ ብምውሳኑ ነቶም ፍጻሜታት ምስ ናይ ሕነ ምፍዳይ መስርሕ ከተሓሕዝዎ ተራእዮም።  

ነዞም እንተታትን ግምታትን ግን ወሃቢት ቃል ፖሊስ ስኮና፡ ኢዋ ጎን ቬስትፎርድ፡ ከም ዘየረጋገጸቶም ተፈሊጡ። ፖሊስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ናይ ሓደጋ ኣጋጣሚ ብንጽል ከምዝምርምርን ንተመሳሳልነት ናይቶም ኣጋጣሚታት ብምእካብ ድማ ንዝምድናታቶም የጽንዕን ኣሎ። ኣብ ሉንድ ዘጋጥም ዘሎ ኩነታት ንነበርቲ’ቲ ከባቢ ዘሻቕልን ፍርህን ራዕድን ዘእቱ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com