Saturday , May 18 2024

ውህደት

ኖርወይ፡ ነቶም ካብ ሃገራት ኖርዲክ ዝመጹ ሰራሕተኛታት ኣፍደገኣ ትኸፍት

ካብ ሰኑይ ዕለት 1/06/2020 ጀሚራ ሃገረ ኖርወይ፡ ነቶም ብምኽንያት ስራሕ ካብ ሽወደን ትርከበን ዝተፈላላያ ሃገራት ሰሜን ኤውሮፓ ናብ ኖርወይ ዝኣትዉ ሰራሕተኛታት ኣፍደገኣ ከተርሑው ወሲና ምህላዋ ገሊጻ። እዞም ናብ ኖርወይ ዝኣትዉ ሰራሕተኛታት እቲ ዝበሃል ናይ 10 መዓልታት ውሸባ ከምዘይምልከቶም እቲ ውሳነ ሓቢሩ። እዚ ውሳኔ ንማሕበረሰብ ሰራሕተኛታት ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎ ኮይኑ ካብ ካልኦት ሃገራት ንዝመጹ ሰራሕተኛታት ናብ ኖርወይ ብቐሊል ንኽኣትዉ ዝሕግዝ እዩ …

Read More »

ናይ ምትካኽ እገዳ ብዙሕ ደገፍ ይረክብ።

ዓሚ ባሕቲ ሓምለ ዝተኣታተወ ኣብ ከባቢ ህዝባዊ ቦታታት ምትካኽ ሽጋራ ዝእግድ ሕጊ ብ 79% ደገፍ ምርካቡ ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ዘካየዶ ሓድሽ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። ብዘይካዚ 90% ካብቶም ብዛዕባዚ ጒዳይ ዝተሓተቱ ሰባት ብዛዕባ እቲ ሕጊ ከም ዝፈልጡ ገሊጾም ኣለዉ። “ብዛዕባ እገዳ ምትካኽ ዘሎ ኣፍልጦ እናዓበየ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። እንተኾነ ግና ኣበየናይ ብዛዕባ ዝብል ገለ ምጥርጣራት ምህላዉ ተሓተትቲ ኣመልኪቶም ኣለዉ ክብል ሓላፊት እቲ …

Read More »

ኣብ ዝተሓተ ሞያ ዝርከቡ ሰባት ናይ ትምህርቲ ደገፍ ከሃቦም እዩ ተባሂሉ።

ትሕት ዝበለ ሞያ ዘለዎም ሰባት ናይ ትምህርቲ ደገፍ ከይረኽቡ ዝነብሩ ኲነታት ዓንቂፍዎም ምጽንሖም እንተኾነ ግና ለበዳ ኮሮና ዝያዳ ዝተማህረ መንእሰይ ከም ዘድሊ እኹል ተመኲሮ ምሃቡ ተገሊጹ። እዞም ካብ ዕዳጋ ሽቕለት ዝተገለፉን ኣብ ትሕቲ 25 ዕድመ ዝርከቡን ሽማግለታትን ብልቓሕ ዘይኮነ ብሓገዝ ዝመሃርሉ ኣገባብ ክዳሎ ካብ ዝበሃል ነዊሕ ጌሩ’ሎ። እንተኾነ ግና እቲ ገስጋስ ዝሕል ዝበለ ምዃኑን ክሳብ 6300 ዝኾኑ ሰባት ከምዚ ዝበለ …

Read More »

ሽወደን ነቲ ብኣውሮጳዊ ኮሚሽን ን ኮቪድ-19 ዝምልከት እማመ ትነጽጎ።

ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ንዝሰዓበ ቊጠባዊ ቅልውላው ንምሕዋይ ኣውሮጳዊ ኮሚሽን ናይ 750 ቢልዮን ዮሮ እማመ ምቕራቡ ተፈሊጡ። እዚ እማመ ብፈረንሳን ጀርመንን ዝተደገፈ ኮይኑ ተግባራዊ ንኽኸውን ናይ ኲለን ኣባላት ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ድምጺ እወታ ከም ዘድልዮ፥ እንተኾነ ግና ሽወደን ድሮ ነጺጋቶ ምህላዋ ተመልኪቱ። ሚኒስተር ኣውሮጳዊ ሕብረት ሽወደን ሃንስ ዳህልግረን እዚ ብረቡዕ ቀትሪ ዝወጸ እማመ ተቐባልነት ከም ዘይብሉን ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ክንዲ ኣብ …

Read More »

90% ካብቶም ሽወደናውያን ግዳያት ሞት ቫይረስ ኮሮና ልዕሊ 70 ዝዕድሚኦም ሽማግለታት እዮም ተባሂሉ።

90% ካብቶም ሽወደናውያን ግዳያት ሞት ቫይረስ ኮሮና ልዕሊ 70 ዝዕድሚኦም ሽማግለታት እዮም ኔሮም። ካብዚኣቶም እቶም 49% ኣብ መናበዪ ሽማግለታት ዝቕመጡ 25% ከኣ ኣብ መናበዪ ዝእለዩ ዝነበሩ እዮም ክብል ኣሃዝ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ድሕነትን ኣመልኪቱ። እዞም ካብ ወርሓ ግንቦት ኣትሒዞም ደጊሞም እተኸለሱ ኣሃዛት መጠነ ሞት ሽማግለታት እናወሰኸ ክውስኽ ምጽንሑ ገሊጻ ላ። ንኣብነት ኣብ 6 ግንቦት 45.6% ኣብ 25 ግንቦት ከኣ 48.8% …

Read More »

ቋንቋ ሽወደን ከም ካልኣይ ቋንቋ (SVA) ዝምህሩ መማህራን ብቕዓቶም ትሑት ሙዃኑ ይግለጽ ኣሎ ።

ፍርቂ ብዝሒ ናይቶም ቋንቋ ሽወደን ከም ካልኣይ ቋንቋ (SVA) ዝምህሩ መማህራን ብቑዓት ዘይምዃኖምን ካብቶም ነዛ ዓይነት ትምህርቲ ዝከታተሉ ተመሃሮ 9ይ ክፍሊ ድማ ሓደ ሲሶ ኣብ ፈተና ከምዝተረፉን ሬድዮ ሽወደን ኣጋሊጻ። ቋንቋ ሽወደን ከም ካልኣይ ቋንቋ ንኽንምህር ርኡይ ዝኾኑ ጸገማት የጓንፉና ምህላዎም ብሩህ እዩ። ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሽግር መፍትሒ ዝኸውን ከነናዲ ድማ ግዴታና እዩ ክትብል ሚኒስተር ትምህርቲ ኣና ኤክስትሮም ሓቢራ። ካብቶም …

Read More »

ሽወደን፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ብቐጻሊ ይውስኽ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ጥራይ 79 ሽሕ ሰባት ስራሕ ኣልቦ ኮይኖም። በዚ ድማ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ሽወደን ናብ 449 ሽሕ ሰብ ክብ ምባሉን እዚ ድማ 8.2% በጺሑ ከም ዝርከብ ሃገራዊ መደበር ቆጸራ ሽወደን SCB ሓቢሩ። መባእታዊ ጸብጻባት ሽቕለት ኣልቦነት ከምዝሕብሮ፡ እቲ መጠን ካብቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝነበሮ ናይ 7.2% ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናብ 7.9% በጺሑ። መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብዚ …

Read More »

መሸጣ ክዳውንቲ H&M ዳግማይ ሰራሕተኛታቱ ይመልሶም።

መሸጣ ክዳውንቲ H&M ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ተዓጽዩ ድሕሪ ምጽናሕ ዱካናውቱ ክኸፍት ጀሚሩ’ሎ። ካብተን 5000 ዱካናውቱ 1500 ዝኾና ኣህጒራውያን ዱካናት ተዓጽየን እየን ጸኒሐን። “ሰብመዚ ብዝሃቡና ለበዋ ኢና ዱካናትና ክንከፍት ጀሚርና ዘሎና። ኲነታት በዳህቲ ምዃኖም ይርዳኣና እዩ፥ ይዂንምበር ኣብ ግሪኽ ላክሰምበርግ ማሌዥያን ኒውዚላንድን ዝርከብ ዱካናትና ከፊትና ኣሎና ክብል እቲ ኲባንያ ንኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ’ሎ። ብግንቦት 7 ኣብ ዝተቕንዐ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ኣኼባ 3050 …

Read More »

ሚኒስተር ወጻኢ ጉድያት ሽወደን፡ ምስሊ ሽወደን ኣብ ወጻኢ ጽቡቕ እዩ ዘሎ።

ንኣተሓሕዛ ቅልውላው ኮሮና ቫይረስ ኣመልኪተን ገለ ሃበራት ብዛዕባ ሽወደን ዝዛረበኦ ዝነበረ ቃና ቅሩብ ዝለወጣ’ኳ እንተመሰላ፡ ምስሊ ሽወደን ግን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ ኣን ሊንዲ፡ ሓቢራ። ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ዶባተን ዓጽየን ዝነበራ መብዛሕትአን ኤውሮፓውያን ሃገራት ኣብ’ዚ ሕጂ ኣዋን ዶኣባተን ንክኸፍታ ይዳለዋ ኣለዋ። ገለ ሃገራት ግን ነቶም ካብ ሽወደን ዝመጽወን ገያሾ ክቕበላ ቅሩባት ከምዘይኮና ገሊጸን። ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት …

Read More »

መንገዲ ኣየር SAS ዜቤታውን ኣህጉራውን በረርኡ ይኸፍት።

ኩባንያ መንገዲ ኣየር ስካንድናቪያ SAS ኣህጉራውን ዜቤታውን መስመራት በረርኡ ካብ ወርሒ ሰነ ክኸፍት ተዳልዩ ከምዘሎ እንዳሓበረ፡ ካብቲ ዝነበረ 290 መስመራት በረራ ንግዝይኡ 40 መስመራት ጥራይ ክኸፍት እዩ። መስመራት በረራ SAS ብሰንኪ ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ኣቋሪጹ ከምዝነበረ ይዝከር። መስመራት በረራ ኩባንያ SAS ምስ ኣተሓሕዛ ሃገራት ንቅልውላው ኮሮና ቫይረስ ዝተኣሳሰር እዩ። ቁጽሪ ናይተን ዶባተን ዝኸፍታ ሃገራት ምስ ዝውስኽ በረራ እታ ኩባንያ ክውስኽ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com