Sunday , April 28 2024

ሽወደን ነቲ ብኣውሮጳዊ ኮሚሽን ን ኮቪድ-19 ዝምልከት እማመ ትነጽጎ።

ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ንዝሰዓበ ቊጠባዊ ቅልውላው ንምሕዋይ ኣውሮጳዊ ኮሚሽን ናይ 750 ቢልዮን ዮሮ እማመ ምቕራቡ ተፈሊጡ። እዚ እማመ ብፈረንሳን ጀርመንን ዝተደገፈ ኮይኑ ተግባራዊ ንኽኸውን ናይ ኲለን ኣባላት ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ድምጺ እወታ ከም ዘድልዮ፥ እንተኾነ ግና ሽወደን ድሮ ነጺጋቶ ምህላዋ ተመልኪቱ። ሚኒስተር ኣውሮጳዊ ሕብረት ሽወደን ሃንስ ዳህልግረን እዚ ብረቡዕ ቀትሪ ዝወጸ እማመ ተቐባልነት ከም ዘይብሉን ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ክንዲ ኣብ ህያብ ኣብ ልቓሕ ከተኲር ይግባእ ክብል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ካብ ቅድሚ ምምስራት እቲ ሕብረት ኣትሒዙ ዝጸንሐ ርክባት ሃገራት ኣውሮጳን ሽወደንን ንንውሕ ዝበለ ዓመታት ክትከታተል ዝጸንሐት ጋዜጠኛ ሽወደን ዪልቫ ኒልሰን ሃገራት ኖርዲክ ኣሉታዊ ምላሽ ምሃብ ልማደን ከም ዘይኮነ ብምጥቃስ ሽወደንን መሻርኽታን ዝኾና ሃገራት ዴንማርክ፥ ሆላንድን ኦስትርያን ኣብዚ እዋን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ጽልዋ ምህላወን ኣመልኪታ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com