Sunday , April 28 2024
Andreas Hillergren / TT / kod 10600

90% ካብቶም ሽወደናውያን ግዳያት ሞት ቫይረስ ኮሮና ልዕሊ 70 ዝዕድሚኦም ሽማግለታት እዮም ተባሂሉ።

90% ካብቶም ሽወደናውያን ግዳያት ሞት ቫይረስ ኮሮና ልዕሊ 70 ዝዕድሚኦም ሽማግለታት እዮም ኔሮም። ካብዚኣቶም እቶም 49% ኣብ መናበዪ ሽማግለታት ዝቕመጡ 25% ከኣ ኣብ መናበዪ ዝእለዩ ዝነበሩ እዮም ክብል ኣሃዝ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ድሕነትን ኣመልኪቱ። እዞም ካብ ወርሓ ግንቦት ኣትሒዞም ደጊሞም እተኸለሱ ኣሃዛት መጠነ ሞት ሽማግለታት እናወሰኸ ክውስኽ ምጽንሑ ገሊጻ ላ። ንኣብነት ኣብ 6 ግንቦት 45.6% ኣብ 25 ግንቦት ከኣ 48.8% ምንባሩ እቶም ኣሃዛት ኣመልኪቶም።

እዞም ኣሃዛት ምስ በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ዘውጽኦ ኣሃዛት ኣይሰማምዑን እዮም። ኣብ 25 ግንቦት ዝነበረ መጠን ብመሰረት እዚ በዓልመዚ 4029 ክኸውን እንከሎ ቦርድ ጥዕናን ድሕነትን ዘውጽኦ ግና 3558 ዝብል ኣሃዝ ምዃኑ ድማ ተመልኪቱ። ዝለዓለ መጠነ ሞት ኣብ 85 ን ልዕሊኡን ዘጋጠመ ኮይኑ 1973 እዩ። ክሳብ 85 ዝዕድሚኦም ዜጋታት ዝያዳ ብብዝሒ ምሟቶም ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ ትሕቲ 50 ካብ ዝዕድሚኦም ጒጅለ ዝወሓደ ሞይቶም ኣለዉ ኢሉ። ካብዞም ኣብዚ ጒጅለ ዝሞቱ 42 ዜጋታት እቶም 28 ሰብኡት 14 ከኣ ደቀንስትዮ እየን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com