Saturday , May 18 2024

ዜና

ሽወደን ኣብዚ መጽእ ዓመት 175 ሚልዮን ክሮነር ን ናይ ደገ ሓገዝ ትስልዕ!!

መንግስቲ ሽወደን ኣብዚ መጽእ ዘሎ ዓመት 2020 ኣስታት 175 ሚልዮን ክሮነር ሽወደን ብመንገዲ ትካል ግብረ ሰናይ ሲዳ (SIDA) ን ድኻታት ሃገራት ዝወሃብ ሐገዝ ትስልዕ። እዚ መጠን ባጀት ሎሚ ሮቡዕ ንመጽዳቕ ናብ ፓርላመንት ክቀርብ ሙዃኑ ይሕበር።  ናይ  ዓለም ለከ ናይ ረዲኤት ሚንስተር ፔተር ኤሪክሰን ን ሽወደናዊ ወኪል ዜና TT ኣብዚ ሓበሮ ገለ ክፋል እዚ ገንዘብ ብመንገዲ እዘን ማሕበራት ን ምቅላስ ብልሽውና …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን ምስ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ክትሓጋገዝ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ኣብ ሱዳን ዴሞክራስያዊ ምስግጋር ንኽህሉ እሙናት መሻርኽቲ ክንከውን ንደሊ ኢና ክትብል ሽወደን ገሊጻ። መንግስቲ ሽወደን ኣብ ሱዳን ዴሞክራስያዊ ምስግጋር ክህሉ እሙናት መሻርኽቲ ክንከውን ንደሊ ኢና ክብል ገሊጹ። ኣብ ብዙሓት መዳያት ብፍላይ ፍማ ኣብ ሰላምን ግዝኣተ ሕጊን ሽወደንን ሱዳንን መሻርኽቲ ምዃነን ገሊጻ’ላ። እዚ ዝተባህለ ኣብ መንጐ ሚኒስተር ኣህጒራዊ ልምዓት ሽወደን ፒተር ኦልሰን ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣስማ ዓብደላን ኣብ ርእሰ ከተማ …

Read More »

ኣብ ባጀት መንግስቲ ኣዝዩ እገዳሲ ሕድገት ቀረጽ ክግበር ትጽቢት ኣሎ።

ኣብ 18 መስከረም መንግስቲ ሓድሽ ንድፊ ባጀት ከተኣታታቱ እዩ። ኣብዚ ከምቲ ልሙድ ብዙሓት ለውጢታት ዝህልዉ ኮይኖም ኣብ ቀረጽ ገለ ለውጢታት ከም ዝህሉ ድሮ ሓበሬታ ተዋሂቡ ኣሎ። ሓደ ካብዚ ምግዳፍ ናይቲ ኣብ 1995 ዝተኣታተወ ናይ ቊጠባ ቀረጽ ኮይኑ ዓመታዊ ንመንግስቲ ሽውደን ናይ 6 ቢልዮን ክሮነር ኣታዊ ከስእኖ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኲለን ሰልፊታት ባይቶ ሽወደን ዝሓለፈ ጥሪ ኣብ ዝገበራኦ ስምምዕ እዩ እዚ ውሳነ …

Read More »

መንግስቲ ናይ ዝቕጽል ዓመት ንድፊ ባጀት ንባይቶ ከቕርብ እዩ።

መንግስቲ ሽወደን ረቡዕ 18 መስከረም ናይ ዝቕጽል ዓመተ 2020 ንድፊ ባጀት ንባይቶ ብምቕራብ ታሕሳስ ንዝካየደ ምርጫ ክትዑ ክጅምር እዩ ተባሂሉ። መንግስቲ ኣብዚ ሓድሽ ባጀት ልዕሊ 26 ቢልዮን ክሮነር ወፍሪ ምግባሩ ተገሊጹ’ሎ። ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን ማግዳሊን ኣንደርሰን እዚ ባጀት ኣዝዩ ሰፊሕን ኣብዚ እዋን ንሽወደን ዝብድህዋ ንዘለዉ ሽግራት ንምፍታሕ ዝውዕል ምዃኑን ገሊጻ’ላ። ብመሰረት እዚ ሓድሽ ባጀት ልዑል ኣታዊ ቀረጽ ንምጒዳል፥ ጡረተኛታትን ተቐማጦ …

Read More »

ጣልያን ስደተኛታት ዘሳቐዩ ዝበለቶም ሰለስተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትያ።

ኣኽበርቲ ሕጊ ጣልያን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሰሜናዊ ሊብያ ስደተኛታት ኣሳቒኹም ብዝብል ጥርጣረ ንሰለስተ ሰባት ብሰኑይ መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ። እዞም ዜግነቶም ጊናዎ ግብጻዊን ዝኾኑ ተኸሰስቲ ዕድሚኦም 22 24 ን 26 ኮይኑ፣ ኣባላት ናይቶም ዛጊት ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ዘሳቕዩ ጒጅለ እዮም ተባሂሉ’ሎ። እዞም ሰለስተ ተኸሰስቲ ብኻልኦት ኣብ ዛዊያ ተኣሲሮም ዝነበሩ ስደተኛታት ክልለዩ ከም እተገበረን ኣኽበርቲ ሕጊ እኹል ምስክርነታት ምእካቦምን …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ 3 ቢልዮን ክሮነር ይስልዕ!!

ብመሰረት ሓበሬታ ፕረስ ሪፖርት መንግስቲ ሽወደን ንዝመጽእ ዓመት ሽግር መንበሪ ኣባይቲ ሕብረተስብ ብፍላይ ጸገም ኣባይቲ መንእሰያት ንምፍታሕ ኣስታት 3 ቢልዮን ክሮነር ከምዝሰልዔ ሓቢሩ። ሚኒስትሪ ፋይናንስ ሽወደን ማግዳሌና አንደርሰን ን ሽወደናዊ ወኪል ዘና ተተ (TT) ኣብዝሃበቶ ሓበሬታ እዚ ተበግሶ ነቲ ቅድሚ ምርጫ 2018 ዝነበረ መደብ ንምቕጻል ኮይኑ፣ ኣብዚ ግዜ ኣብ መላእ ሃገር ሕጽረት ኣባይቲ ኣጋጢሙሉ ዘሎ እዋን  ኮይኑ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሙዃኑ …

Read More »

ጥሮተኛታት ዝኽፈሎም ገንዘብ ክውስኽ ሙዃኑ ይሕበር!!

ካብዚ ዝቕጽል ዓመት ጀሚሩ ንጥሮተኛታት ግብረ ብምንካይ  ተወሳሒ ገንዘብ ን መሸፈኒ  ውጻኢታት ክራይ ገዛ ካልእ ክወሃቦም ሙዃኑ ይሕበር። እዚ ማለት ጥሮተኛታት 17000 ክሮነር ወርሓዊ ኣታዊ ዝነበሮም ዝኸፍልዎ ዝነበሩ ግብሪ ብምጉዳል ተወስኺ ገንዘብ ክህልዎም ሙዃኑ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ብተወስኺ እውን ጥሮተኛታት ተወሳኺ 7 ሽሕ ክሮነር ክወሃቦም ሙዃኑን እዚ ድማ ንገዛ ክራይ ኣብ ምሽፋን ክሕግዞም እዩ። መንግስቲ እውን ብወገኑ ነቶም ትሑት ክፍሊት …

Read More »

ውድድራት ቻምፒዮን ሊግ ኤውሮፓ ሎሚ ምሽት ክጅምር እዩ።

ውድድራ ቻምፒዮን ሊግ ኤውሮፓ 2019/20 ሎሚ ምሸት ብዝካየድ ሸሞንተ ውድድራት ብወግዒ ክጅመር እዩ። ካብ ናይ ሎሚ ምሸት ዝካየድ ተሃራፊ ግጥማት ፈረንሳዊት ክለብ ፒኤስጂ ን ነይማር ብመቕጻዕቲ፣ ን ሚባፐን ካቫንን ብ መጉዳእቲ ከሲራቶም ብምህላዋን ብ ኣርጀንቲናውያን ዲ ማርያን ኢካርድን ዝቕለስ መስመር መጥቃዕታ እንታይ ውጽኢት ሒዛ ካብ ማድሪድ ትምለስ ትጽቢት ቡዙሓት ኮይኑ ርያል ማድርድ ብወገና ካብ ናይ ዓሚ ብ ክለብ ኣያክስ ዝወረዳ ስዕረት …

Read More »

ሓደ ፖሊስ ብገበን ዝድለ ሰብ ኣብ መስርሕ መርመራ እናሃለወ ብስሕለት ከም እተጐድአ ተሓቢሩ።

ሎሚ ንግሆ ሓደ ፖሊስ ብገበን ንዝድለ ሰብ ናይ መርመራ ጒዳይ ወዲኡ ናብ ቤቱ ከባቢ ግሪቲታን እናኣተወ ብስሕለት መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሖ ተገሊጹ። እቲ ሰብኣይ ብቕጽበት ማዕጾ እቲ ቤት ምዕጻዉን ብርክት ዝበሉ ፖሊስ ነቲ ቤት ከም ዝኸበብዎን ተፈሊጡ። እዚ ኣብ ክሊ ዕድመ 30ታት ዝርከብ ሰብኣይ ኣብ ሰነዳት ፖሊስ ሽወደን ፍሉጥ ስም ከም ዘለዎ’ውን ተመልኪቱ’ሎ። “ፖሊስ ዝወረዶ ምንም ኣካላዊ ማህሰይቲ የለም” ክብል ኣፈኛ …

Read More »

ሰልፊ ሞደራትና ዱካናት መሸጢ ኣልኮላዊ መስተ ( Systembolage) ሰንበት ክኽፈት ኣለዎ ይብሉ።

ሰልፊ ሞደራትና  ዱካናት መሸጢ ኣልኮላዊ መስተ ( Systembolage)  ሰንበት ክኽፈታ ከም ዝደልዩ ይገልጹ።፡ ሰባት መኣስ ክሰትዩ ይደልዩ ባዕላቶም ክውስኑ ይግባእ ይብላ ኣባል ሰልፊ ሞደራትና ጉናር ስትሮመር። ከምዚ ዝበለ እማመ ብሰልፊ ክቐርብ እዚ ናይ ፈለማ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ዱካናት ኣልኮላዊ፡መስተ ማለት Systembolage መዓስ ክኸፍታ ኣለወን፡ዝውስን ባይቶ ኮይኑ ግን መስል ወዲ ሰብ ድማ ኣብ ግምት ክኣቱ ከምዘለዎ ይሕብሩ ። ኣብዚ ሕጂ እዋን Systembolage …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com