Friday , May 17 2024

ገበን

ሽወደናዊ ተዋሳኣይ ምስ ትሕቲ ዕድሜ ጾታዊ ርክብ ብምፍጻሙ ሚልዮናት ይሕተት!!

ኣብ ኣመሪካ ምስ ሓንቲ ትሕቲ ዕድመ ጾታዎ ርክብ ዝፈጸመ ናይ ፊልም ተዋሳኣይ ካብ ማእሰርቲ ክፍኖ 1.8 ሚልዮን ክሮነር ተሓቲቱ። ሽወደናዊ ወኪል ኣብ ኣመሪካ ምስ ሓንቲ ትሕቲ ዕድመ ጾታዎ ርክብ ፈጺምካ ተባሂሉ ብጥርጣረ ድሕሪ ምእሳሩ( 190 ሽሕ ዶላር 1.8 ሚልዮን ክሮነር) ዋሕስ ክህብ ተሓቲቱ’ሎ። እዚ ብስም ዘይተጠቕሰን ኣብ ብዙሕ ፊልምታት ብምውሳእ ዝና ዘጥረየን ሽወአናዊ ተዋሳኣይ ነሓሰ 15 ብዕሊ ክኽሰስ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

Read More »

ፖሊስ ገጽ ገበነኛታት ዘለሊ ቴክኖሎጂ ከተኣታትዉ ድሌት ከም ዘለዎም ገሊጹ።

ፖሊስ ሽወደን ገጽ ገበነኛታት ዘለሊ ቴክኖሎጂ ከተኣታትዉ ድሌት ከም ዘለዎምን ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ፈተነ ምክያዶምን ገሊጾም። ብመሰረት እዚ ሓድሽ ቴክኖሎጂ እታ መሳርሒት ስእሊ ናይ ገበነኛ ምስ ኣብ ማዕከን ዘለዉ 40 ሽሕ ዝኾኑ ካልኦት ገጻት ብምንጽጻር እያ ገበነኛ ተለሊ። “እዚ ምስቲ ዝጸንሐ ብኢድ ዝግበር ዝነበረ ኣሰራርሓ ብምውድዳር ኣዝዩ ስሉጥ ኣገልግሎት ክንህብ ከኽእለና እዩ” ክብል በዓልመዚ ፖሊስ ሽወደን ማርቲን ቫልፍሪድሰን ን TV4 …

Read More »

ኣብ ኣባይቲ ዝፍጸም ስርቂ ካብ 2001 ንደሓር ናብ ዝተሓተ ቊጽሪ ምውራዱ ተገሊጹ!!

ብመሰረት ቆንስል ብራ ምኽንያት እዚ ምንቊልቋል እኳ እንተዘይተፈልጠ ሰባት ኣብ ቤቶም ናይ ሓለዋ ኣላርም ክጥቀሙ ምጅማሮም ግና ኣብቲ ጸብጻብ ኣስሚሮምሉ ኣለዉ። “ብዙሓት ማሕበራዊ ምክትታላትን ምጥቋም ሰረቕትን ብሰፊሑ ቀጺሉ’ሎ። ብዘይካዚ ኣብ ኣባይቲ ዘሎ ንቕሓት ጒሕልነት ምዕባዩ’ውን ተመልኪቱ’ሎ። መብዛሕትኦም ስርቂ ኣባይቲ ኣብቲ ዝጸልመተ ወቕቲን ዋዜማ ኣውዳኣመትን ከም ዝኽሰቱ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

Read More »

ፖሊስ ኣብ ከባቢ ቫስተራ ሓደ ኣዝዩ ሓደገኛ ናይ ገበን ጉጅለ ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም!!

መርበባት ገበነኛታት ንምእላይ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ፖሊስ ቫስትራ ኣብ ተዂሲ ንእተዋፈሩ ጒጅለ ገበን ኣብ ምምርማር ከም ዝርከቡ ገሊጾም ኣለዉ። ብመሰረት እዚ ሓበሬታ ሓደ ካብ መርበባት እዚ ገበናዊ ጒጅለ ኣብ ከይዲ ፍርዳዊ መስርሕ ምህላዉን ዝተረፉ ድማ ኣብ ክትትል ኣለዉ። መብዛሕትኦም ካብዞም ጥርጡራት ካብ ቫስትራ ኮይኖም ኣብ ጫካ ብረታት ብምሕባእ ከም ዝኽሰሱ እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

Read More »

ፖሊስ ኣብ ዮተበሪ ንዝነበረ ዓብዪ ምስግጋር ዕጸፋርስ ምፍራሶም ተገሊጹ!!

ብመሰረት ፖሊስ እቶም ገበነኛታት ንዝተፈላለየ ዓመታት ዝተፈርዱ ኮይኖም 10 ካልኦት ብጠርጠራ ተታሒዞም ኣለዉ። ኣማኢት ኣሽሓት ዘይሕጋዊ ዕጸፋርስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ’ውን ተፈሊጡ። ኣብዚ ግዜዚ ፖሊስ ነቲ ናይ ዕጸፋርስ መርበብ ከም ዘዕነዉዎ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝኣምኑ ምግላጾም ፖሊስ ሓቢሮም ኣለዉ። ሓላፊ ፖሊስ ምዕራባዊ ዞባ ቶቢያስ በርግቪስ ፖሊስ ብኣርባዕተ ገበነኛታት ጀሚሮም ንሰማንያ ኣባላት ምሓዞም ገሊጾም ኣለዉ። ዕድመ ናይዞን ኣባላት ገበን ካብ 18 …

Read More »

ቤትፍርዲ ንተሌቪዥን ሽወደን ብገንዘብ ይቕጽዖ!!

ተሌቪዥን ሽወደን SVT ንፖለቲከኛ ሰልፊ ድሞክራትና ነበር ኬንት ኤኸሮት ብዘይፍቓዱ ቪድዮኡ ብምልዓሉ ናይ 190 ሽሕ ክሮነር መቕጻዕቲ በይንሉ’ሎ። ብመሰረት እቲ ቤትፍርዲ እቲ ማዕከን ዜና ዝግብኦ ክረዲት ብዘይምሃቡ እዩ እቲ ክሲ ኣብ ልዕሊኡ ተፈጺሙ። ብዙሕ ዓመታት ይገብር ኤኸርት ሰባት ኣብ ጎደናታት ስቶክሆልም ዓሌታዊ ጸርፍታት እናዝነቡ ድሕሪ ምስኣሉ ድሕሪ ክልተ ዓመታት እቲ ስእሊ ዘሪቚ ብዙሓት ማዕከናት ዜና ክቀባበላሉ ከም እተራእያ ይግለጽ። በዚ …

Read More »

ሓሙሽተ ሰብኡት ካብ ሽውደን ናብ ዴንማርክ ዕጸፋርስ እናመላለሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም!!

እዞም ሓሙሽተ ሰብኡት ኣብ መጻብብ ኦረሱንድ ንእትርከብ ቪን ዝተባህለት ደሴት እናተጠቕሙ እዮም ዕጸፋርስ ከሳግሩ ተታሒዞም። እቶም ክልተ ሰብኡት ብጋዝ እትዓዪ ጃልባ ብምጥቃም ብ 10 ጥሪ ዕጸፋርስ ኣብ ምምልላስ እዮም ተዋፊሮም ኔሮም። ሳልሳዮም ድማ ነቲ ዕጸፋርስ ናብ መኪና ክራይ ብምጽዓን ናብ ሽውደን ከስግሮ መዲቦም እዮም ተንቀሳቒሶም። “እዞም ሰባት ኣብ ገበን ኣብ ምፍጻም ሓደ ካብ ሓደ ዘይሰንፍ ተራ እናተጻወቱ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር …

Read More »

ክፍሊ ውሽጣዊ ቀረጽ 50 ዝኾና ክሊኒካት ስኒ ቀረጽ ካብ ምኽፋል ክሃድማ ምጽንሐን ገሊጹ!!

50 ዝኾና ዝኾና ግላዊ ክሊኒካት ስኒ ቀረጽ ካብ ምኽፋል ክሃድማ ምጽንሐንን ብስም ዘየለዉ ሰባት ማሕበራዊ ጥቕሚ ክግሕጣ ምጽንሐንን በዓልመዚ ቀረጽ ስቶክሆልም ገሊጹ። እዘን ክሊኒካት ደይመደይ ኢለን እየን ነዚ ምህዳም ቀረጽን ምትላልን ክፍጽማ ጸኒሐን ክብል እቲ በዓልመዚ ገሊጹ’ሎ። “ብጠቕላላ እዘን ክሊኒካት ምስ ወለዱ ክሳብ 25 ሚልዮን ክሮነር እየን ዝእወዳ” ክብል እቲ በዓል መዚ ንEkot ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብሪሁ።

Read More »

ቤትፍርዲ ሽወደን ሚእቲ ሚልዮን ዶላር ንዘጠፋፍአ ቻይናዊ ናብ ዓዱ ምስትላም ትኣቢ!!

ነዚ ገበነኛ ናብ ዓዱ ምስትላም ምስ ውዕል ኣውሮጳን ሕጊ ምስትላምን ዝጋጮ ብምዃኑ ኣሕሊፈ ኣይህብን እየ ክብል ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣብ ውሳኔኡ ጸኒዑ’ሎ። “ነዚ ቻይናዊ ናብ ዓዱ እንተስተሊምናዮ ብዙሕ ግፍዕን መከራን ክወርዶ እዩ፥ እዚ ድማ ምስ ውዕል ኣውሮጳን ሕጊ ምስትላምን ዝጋጮ ብምዃኑ ኣይንውዕሎን ኢና” ክብል ፒተር አስፕ ካብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ገሊጹ። እዚ ኣብ ክሊ ዕድመ ሓሙሳታት ዝርከብ ሰብኣይ ኣብ ቻይና ካብቶም ኣዝዮም …

Read More »

ሓደ ሰብ ብስርቂ 12 ሽሕ ካርድ ሎተሪ ትሪስ ናብ ፍርዲ ይቐርብ!!

ኣብ ክሊ ዕድመ ኣርብዓታት ዝርከብን ምቕማጡ ኣብ ከተማ ካልማር ደቡብ ሽወደን ዝኾነን ሓደ ሰብኣይ ኣብ ዓመታት 2017-18 ካብ ሓደ ዱካን ክሳብ 12 ሽሕ ዝበጽሕ ቲኬታት ሎተሪ ብምስራቑ ተኸሲሱ። ፖሊስ ኣብ ቤቱ ዝገበርዎ ተፍቲሽ ኣሽሓት ቲኬታት ፋሕ ኢሉ ከም ዝጸንሖምን ገሊኡ ድማ ኣብ ቦርሳ ተሰኒዱ ምርካቦምን ገሊጾም ኣለዉ። እቲ ሰብኣይ ግና ነቲ ክሲ ኣሉታ ብምሃብ ካብ እንዳ ጎሓፍ እየ ኣኪበዮም ክብል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com