Friday , May 17 2024

ገበን

ሓደ ፖለቲከኛ ኣብላ ስቨርያ ዴሞክራሲ ብምትላል ተኸሲሱ ናብ መጋባእያ ቀሪቡ።

፡ኣቐዲሙ ፖለቲከኛ ሰልፊ ስቨርያ ዴሞክራሲ ዝነበረ ስቴፋን ጃኮብሰን ብምኽንያት ፋይናንሳዊ ምጥፍፋእ ተኸሲሱ ናብ መጋባእያ ቀሪቡ’ሎ። ንሱ ብመልክዕ ቀረጽ ንዝረኸቦ ገንዘብ ናብ ናይ ግሊ ረብሓኡ ከውዕል ብምጽንሑ ከም እተኸሰ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢራ’ላ። ዓሚ እታ ጋዜጣ ብዛዕባዚ ምጥፍፋእ ክትጽብጽብ ኣብ ምጅማራ እቲ ፖለቲከኛ ካብ መዝነቱ ክወርድ ከም እተገብረ ይዝከር። እዚ በዓልመዚ ኣብ ባይቶኣዊ ቤትጽሕፈት ይሰርሕ ምንባሩ ተመልኪቱ’ሎ።

Read More »

ብጒጅለ ዝፍጸም ገበን ኣዝዩ ብዕቱብ ክረአ ዝግባእ ጒዳይ ኮይኑ’ሎ ይብል ሓላፊ ፖሊስ ስቶክሆልም።

ኣብ መንጐ ጒጅለታት ገበን ዝፍጸም ግርጭታት ኣዝዩ ምጽንካቱን ቅርዳምነት ናይ ቀዳምነታት ፖሊስ እናኾነ ምምጽኡን ሓላፊ ፖሊስ ሽወደን ኡልፍ ጆሃንሰን ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ንሱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እዞም ጒጅለታት ገበን ኣጽዋራት ብፍላይ ድማ ብሬናት ከም ልቦም ይረኽቡ ምህላዎም ኣመልኪቱ። ክኢላ ጒጅለታት ገበን ጆናር ኣበልግረን ን ኣገልግሎት ዜና ቲቲ ኣብ ዝሃቦ ቃል በዞም ጒጅለታት ዝወርድ ሞት እኳ እንተነከየ ዝቘስሉን …

Read More »

መጥቃዕትን ምፍርራሕን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ከምዝወሰኸ ተሓቢሩ!!

ብመሰረት መጽናዕቲ ጋዜጣ DN ብዝሒ መጥቃዕትታትን ምፍርራሕን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ኣብዚ  ሓሙሽተ ዓመታት ብ 35 ሚእታዊት ከምዝወሰከ ሓቢሩ። እዚ ዝኾነሉ ድማ ኣብ ግዜ ስራሕ ብተደጋጋሚ ብዝሕ ዝበል ጥርዓናት ብምቕራቡ እዩ ክብለ እዚ መጽናዕት ዘካየደ ይውስኽ። ብመስረት እዚ መጽናዕቲ ኣካላዊ ማህሰይቲ ኣብዚ ዝተጠቅሰ ዓመታት ብ 89 ሚእታዊት ክውስኽ ከሎ፣ ምኽንያቱ ድማ ብብዝሒ ምፍርራሕን ዕግርግር ኣብ ዝፍጠረሉ  ዝበዝሑ ጎነጽ ዝተሓወሶ ብምንባሩ …

Read More »

ገለ ኲባንያታት ኮምፕዩተራት ውልቀሰባት ይስልያ ኣለዋ ተባሂሉ።

ብርክት ዝበላ ኲባንያትት ሰባት ኣብ ኢንተርነት እንታይ ይገብሩ ኣብ ዝብል ጒዳይ ሓበሬታ ይእክባ ምህላወን ተገሊጹ። እዚ ጒዳይ ብስቱር ይካየድ ምህላዎም እውን ተገሊጹ። ነዚ ሓበሬታ ንኻልኦት ኲባንያታት ይሸጥዎ ምህላዎም እውን ማዕከን ዜና DN ገሊጻ። እቲ ጒዳይ ብዛዕባ ፍሮሜን ፋየርፎክስን ዝጥቀሙ ሰባት ኮይኑ እቶን ሰባት ገለ መላጒም ምስ ዝጥውቑ ሓበሬታኦም ብምሉኡ ናብዘን ኩባንያትታ ከም ዝኣቱ እዩ ተመልኪቱ ዘሎ። ከምኡ ኢሎም ድማ ካልኦት …

Read More »

ጒጅለኣዊ ገበናት ንሓዋሩ ንምዕጋት ተባሂሉ ንዝቐረበ ህጹጽ ዘተ ፖሊስ ሽወደን ብሓጐስ ይቕበልዎ።

ሃገራዊ ፖሊስ ሽወደን ነቲ ብባይቶኣውያን ሰልፍታት ዝቐረበ ጒጅለኣዊ ገበናት ንሓዋሩ ንምዕጋት ተባሂሉ ንዝቐረበ ህጹጽ ዘተ ብሓጐስ ተቐቢልዎ። እዚ ዘተ ሓላፊ ዓቃባዊ ሰልፊ ክሪስተርሰን ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ዝገበሮ ጻውዒት ብሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ሽወደን ሚካኤል ዳምፐሪ ዝተዳለወ እዩ። ይኹን’ምበር መንግስቲ ንሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ሳፋርያ ዴሞክራት ካብዚ ዘተ ኣጊድዎ’ሎ። “ንሓጺርን ንነዊሕን ዝጠመተ ዘተ ከነካይድ ግዜ ዝጠልቦ ጒዳይ እዩ። ብሓባር እንተወፊርናሉ ፍታሕ ክንረኽበሉ ዘጸግም …

Read More »

ካብ ምጅማር ዓመተ 2019 ንደሓር 14 ሰባት ኣብ ስቶክሆልም ከም እተቐትሉ ተገሊጹ!!

ኣብ ኣውራጃ ስቶክሆልም ብጥይት ዝተቐትሉ ሰባት 14 ምብጽሖም እዚ ኸኣ ምስቲ ናይ ዓሚ ዝተቐትሉ 11 ሰባት እንክወዳደር ወሰኽ ምርኣዩ ተመልኪቱ። ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ሮክስታ ዝተቐትለት ጓል 18 ዓመት መንእሰይ እታ መበል 14 ግዳይ ምዃና ውን ተመልኪቱ’ሎ። ብመሰረት ፖሊስ እዞም ናይ ጥይት መጥቃዕቲታት ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመትታ እዮም ጀሚሮም። ካብ 2014-2017 ምምሕያሽ ከርኢ ድሕሪ ምጽናሕ መሊሱ ብናህሪ ምውሳኹ ከኣ ተመልኪቱ’ሎ። ብመሰረት ተመራማሪን …

Read More »

ክፍሊ ኢመግረሽን ሽወደን ብ ሓሶት ፍቃድ ስራሕ ዝሸጡ ዜጋታት ይኸስስ!!

ኤጀንሲ ማይግሬሽን ሽወደን ንመልመልቲ ዜጋታት ሽወደን ንዘይኮኑ ሰባት “ፍቓድ ስራሕ ትሸጡ ኣለኹም” ብዝብል ይኸሶም። ኤጀንሲ ማይግሬሽን ሽወደን ብዙሓት ኲባንያታት ምልመላ ኣብ ምትላል ዝተመርኰሰ ናይ ኢሚግሬሽን ሕጊ ይስዕባ ምህላወንን ናይ ሓሶት ስራሕ ብምቕራብ ናይ መንበሪ ፍቓድ ክወሃቡ ይገብራ ምህላወንን ብምምልካት ወቒሱወን። ካብዚ ዘይሕጋዊ ስርሒታት እዘን ኲባንያታት ብዙሕ ገንዘብ ይረኽባ ምህላወን እውን ኣብቲ ክሲ ተመልኪቱ’ሎ። ሬድዮ P4 ሮረብሮ ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ ሚእቲ …

Read More »

ኣብ ምዕራብ ሽወደን ኣኽበርቲ ሕጊ ብ ምጒዳል ስነምግባር ይኽሰሱ።

ትካል ሓባሲንብዓት (Ombudsmannen för rättvisa) (JO) ንኽልተ ኣኽበርቲ ሕጊ ብምጒዳል ስነምግባር ምኽሳሱ ተገሊጹ። ሓደ ካብዞም ተኸሰስቲ ኣብ ምዕራባዊ ሽወደን ወሳኒ ስልጣን ዝነበሮ እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዞም ኣኽበርቲ ሕጊ ብህጹጽ ዝፍታሕ ሰለስተ ግርጭታት ክኣልዩ እኳ ስልጣን እንተተዋህቦም ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ከይጀመሩ ሓያለ ዓመታት ምውዛፎም እዩ ኣኽሲስዎም። “ሓደ ካብዞም ኣኽበርቲ ሕጊ ንኽንድዚ ዝኣክል ግዜ ዝኾነ ስራሕ ብዘይምስላጡ ንሕጊ ፍትሒ ጥሒሱ ኣለዉ” ክብል ሃላፊ …

Read More »

ጥሩፋት ገበነኛታት ስም ኣልቦ ካርድ ቴልፎን ይጥቀምሉ ብምህላዎም ንምኽልኻሉ ሕጊ ይረቅቕ!!

ሽወደን ስም ኣልቦን ኣቐዲሙ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉን ዝነበረ ካርድ ቴለፎናት ንምኽልካል ሓድሽ ሕጊ ንምፍጻም ኣብ ምቅርራብ ከም እትርከብ ተገሊጹ። መንግስቲ ሽወደን ንባይቶ እታ ሃገር ስም ኣልቦን ኣቐዲሙ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉን ዝነበረ ካርድ ቴለፎናት ንምኽልካል ዘኽእል ሓድሽ ንድፊ ከቕርብ ምዃኑ ተፈሊጡ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ጒጅለታት ገበን በዚ ኣገባብ ብ ኢንተትነትን ናይ ሞባይል ፎንን ብዙሕ ወንጀላት ይፍጽሙ ብምህላዎም እዩ ተባሂሉ’ሎ። እቲ ሕጊ …

Read More »

ሉፈን ኣንጻር ውዱብ ገበናት ወተሃደራዊ ሓይሊ ክጥቀም ምዃኑ ኣጽኒዑ ኣጠንቂቑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስቴፋን ሉፊን ዓርቢ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ውዱባት ገበነኛትት ከምኡ’ውን ኣብ ዓመጽን ምፍጃርን ኣብ ልዕሊ እተዋፈሩ ሰባት ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣካይዱ። ንሱ ምፍጃርን ተኲስካ ምቕታልን ገለ ካብቶም ዓበይቲ ማሕበራዊን ድሕነታዊን ጸገማትናን እዮም ድሕሪ ምባል “ሽወደን ድሕንቲ ክትከውን ኣለዋ!” ብምባል ኣስሚርሉ። ሉፈን ንሰራዊት ሃገር ኣብ ምክልኻል ጸጥታ እታ ሃገር ከዋፍር ድሕር ከም ዘይብል ኣጠንቂቑ’ሎ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com