Friday , May 17 2024

ዜና

ኣብ ህንዲ ካልእ ለበዳ ተኸሲቱ

ሃገረ ህንዲ፡ 8800 ሰባት ብቀዛፊ ሕማም “ጸሊም ፋንገስ” ከም እተለኽፉ ገሊጻ’ላ። እዚ ብሙክሮሚኮሲስ እናተባህለ ዝፍለጥ ሳሕቲ ዝረአ ሕማም፡ 50% ናይ ምቕታል ዕድል ከም ዘለዎን ገለ ሰባት ሓንቲ ዓይኖም ጐልጒልካ ብምውጻእ ጥራይ ከም ዝድሕኑን ቢቢሲ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፋ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ኣብ ህንዲ፡ ኣብ ልዕሊ ሕሙማት ኮቪድ-19፡ እዚ ሕማም ከም እተራእየን፡ ብፍላይ ድማ ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት፡ ነዚ ዝያዳ ተቓላዕቲ ምዃኖምን ዶክተራት …

Read More »

ብሰንኪ ኮቪድ-19፡ ብዙሓት ኣብ ጽላት ጥዕና ዝሰርሑ ሞይቶም

ካብቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19፡ ኣስታት 115 ሽሕ ሰራሕተኛታት ብሞት ከምተፈልዩ፡ ዳይረክተር ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዞም ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ን18 ኣዋርሕ ዝኣክል፡ ኣብ ቅድሚ ግንባር ኮይኖም ነቲ ሕማም ክብድሁ ጸኒሖምን ኣለዉን ክብል፡ ዶ/ር ቴድሮስ፡ ኣድናቖቱ ገሊጹ። እዞም ሰራሕተኛታት፡ ንካልኦት ሰባት ንምድሓን፡ እቲ ዝኸበረ ዋጋ፡ ሂወቶም፡ ከፊሎም። ብኻልእ …

Read More »

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ክበጽሕ እዩ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ሎሚ ሰኑይ፡ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ብምብጻሕ፡ ምስ እስራኤላውያንን ፍሌስጠማውያን መራሕትን ክራኸብ ምዃኑ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ናብ ዮርሳሌም፡ ራማላ፡ ካይሮን ዖማንን ዑደት ድሕሪ ምክያድ፡ ሓሙስ፡ ናብ ኣሜሪካ ክምለስ መደብ ገይሩ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ኣብ ዑደቱ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ዞባውያን መራሕቲ ክራኸብ ምዃኑ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ዝወጸ ሓበሬታ ገሊጹ።

Read More »

ሓድሽ እማመ፡ ግብሪ ባንክ

  ሓድሽ እማመ ግብሪ ባንክ፡ ብመንግስቲ ሽወደን ምቕራቡ፡ ሬድዮ ኢኮት ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ እማመ፡ ንኣብ ሽወደን ዝርከባ ባንክታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ነተን ኣብ ካልእ ሃገራት ዝርከባ ጨናፍር ውን፡ ግብሪ ክኸፍላ ዝእምም እዩ ክኸውን ክትብል፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን፡ ማግደሊና ኣንደርሾን፡ ገሊጻ። እዘን ባንክታትን ናይ ልቓሕ ትካላትን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ናይ 150 ቢልዮን ክሮነ ዕዳ ከምዘለወን ዝፍለጥ …

Read More »

Partikelverb Svenska – Tigrinja. with Hager Teklay

Read More »

ሰር ዴቪድ ኣተንበሮው፥ “ካብ ኮቪድ ዝኸፍእ ሓደጋ ይጽበየና ኣሎ” ኢሉ

ብምኽንያት ምቅይያር ክሊማ ዓለምና: ኣብ ዝመጽእ 10 ዓመታት: ካብ ለበዳ ኮሮና ዝኸፍእ ቅልውላው ከጋጥማ ይኽእል እዩ ክብል ተመራማሪ ብዝሒ ስነህይወት: ሰር ዴቪድ ኣተንበሮው: ገሊጹ። ንሱ: ዝመጽእ ሕዳር ኣብ ግላስጎው ዝካየድ ዋዕላ ክሊማ ኣመልኪቱ እዩ ነዚ መግለጺ ሂቡ ዘሎ። እዚ ዋዕላ: ሙቐት ዓለምና ካብ 2°C ንኸይዓቢ ጽልዋን ጸቕጢን ከሕድር ይኽእል እዩ ዝብል ዓብዪ ትጽቢት ተጌርሉ ኣሎ። ኣብቲ ዋዕላ: ሓለዋ ተፈጥሮ ቀንዲ …

Read More »

መራሒ ቦኮ ሓራም–ሞይቱ ድዩ ወይስ ኣሎ?

መራሒ ቦኮሓራም: ኣቡበከር ሺካይ: ሰራዊቱ ምስ ኣባላት ዳዕሽ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝገብርዎ ኲናት: ብጽኑዕ ቆሲሉ ወይ ሞይቱ ክኸውን ከም ዝኽእል ንምንጪታት ስለያ እታ ሃገር ብምጥቃስ: ማዕከናት ዜና ናይጀርያ: ገሊጸን። ኣቡበከር ሺካይ: መራሒ ናይቲ ካብ 2009 ንደሓር: ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ከካይድ ብምጽንሑ ዝፍለጥ: ቦኮ ሓራም: ዝተባህለ ዕጡቕ ጒጅለ እዩ። ዛጊት ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት በዚ ጒጅለ ከም እተቐትሉን ሚልዮናት ድማ ካብ መነባብረኦም …

Read More »

ምስ ቃለመጠይቕ ልእልቲ ዳያና ብዝተኣሳሰር ቢቢሲ ምቅይያራት ክገብር ምዃኑ ምንጪታት መንግስቲ ሓቢሮም

  ምስ ቃለመጠይቅ: ልእልቲ ዳያና: ዝተኣሳሰር መርመራ ድሕሪ ምክያዱ: ቢቢሲ: ኣድላዪ ለውጢታት ንኽገብር መንግስቲ ዕድል ከም ዝሃቦ ተገሊጹ። ብመሰረት እቲ መርመራ: ጋዜጠኛ ቢቢሲ: ኣብ 1995 ንልእልቲ ዳያና ቃለመጠይቕ ንምግባር ምትላልን ዓሎቕን ከም እተጠቕመ ተጠቒሱ’ሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ዳግማይ ክሕሰብ’ውን የብሉን ዝበለ ቦሪስ ጆንሰን: ቢቢሲ: ኣብ ቅርጺ ምምሕዳሩ ገለ ጽገናታት ከየድልዮ ኣይተርፍን እዩ ክብል ገሊጹ። ጋዜጠኛ በሺር: መታለሊን ዘይእሙንን እዩ ኔሩ: …

Read More »

ሌዲ ጋጋ፥ ጾታዊ መጥቃዕትን ጥንስን: ከቢድ ጭንቀት ኣስዒቡላ ምንባሩ ትገልጽ

ጓል 19 ዓመት እናሃለወት ብሓደ ኣፍራዪ ሙዚቃ ጾታዊ ዓመጽ ከም እተፈጸማ እትገልጽ: ጋጋ: እቲ መንእሰይ ዕርቃንኪ እንተዘይወጺእኪ ነዛ ማስተር ኮፒ ከቃጽላ እየ ብምባል ከም ዘፈራረሃ ትዝክር። ድሕሪ’ዚ ጾታዊ መጥቃዕቲ: ግዳይ ዘይደለየቶ ጥንሲ ከም ዝኾነትን: እዚ ድማ: ንዓመታት ኣብ ከቢድ ጭንቀትን ፍርሂ ደቂተባዕትዮን ከም ዘሕደረላ ምስ ኒው ኣፕል ቲቪ: ኦፕራ ዊንፍረይ: ኣብ ዝገበረቶ ጻንሒት ገሊጻ። ንሳ ድሕሪዚ ኣጋጣሚ: ናብ ንቡር ጥዕና …

Read More »

ሃገረ ስፓኛ፡ ንበጻሕቲ ኣፍደጊኣ ትኸፍት

ካብ ዕለት 07 ሰነ ጀሚራ፡ ሃገረ ስፓኛ፡ ንኹሎም ናብታ ሃገር ክበጽሑ ዝደልዩ ዝተኸትቡ ገያሾ፡ ኣፍደጊኣ ክፉት ክኸውን ምዃኑ ብመንገዲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ፔድሮ ሳንቼዝ፡ ኣቢላ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ይኹን እምበር፡ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመጹ ገያሾ ግን ካብ ጽባሕ ሰኑይ ጀሚሮም ናብታ ዓዲ ክኣትዉ ከምዝኽእሉ፡ ስፖኛ፡ ሓቢራ። ኣብ መጨረሽታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ቱሪዝም ኣብ ስፓኛ፡ ክሳብ 60% …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com