Friday , May 3 2024

ዜና

ኣብ ምምሕዳር ስኮነ (Skåne)፡ መጠነ መልከፍቲ ኮሮና ወሲኹ

ኣብ ምምሕዳር ስኮነ፡ ብዝሒ ናይቶም ብኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት፡ ከምእንደገና ምውሳኹን እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ብዙሓት ሰባት፡ መርመራ ኮሮና ስለዘካየዱ እዮም ክትብል፡ ሓኪም ተመሓላለፍቲ ሕማማት ስኮነ፡ ኤቫ መላንደር፡ ሓቢራ። ኣብቲ ዝተኻየደ መርመራታት፡ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ዘየርኣዩ ሰባት ከምዝረኸብናን ካልኦት ምስኦም ዝቐርቡ ዝነበሩ ሰባት ድማ መርመራ ከካይዱ ብምሕባርና ዝተረኽበ ውጽኢት እዩ ክትብል፡ መላንደር፡ ኣብ ዘካየደቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። መጠነ መልከፍቲ ኮሮና፡ ኣብ መንጎ …

Read More »

ግብጺ. . . መትረብ ስዌዝ፡ ብሓንቲ ናይ ጽዕነት መርከብ ተዓጊቱ

ሓንቲ ዓባይ ናይ ጽዕነት መርከብ፡ ኣብ መትረብ ስዌዝ፡ ብጸቢብ ክትጥወ ክትብል ነቲ መትረብ ከም ዝዓገተቶን ትራፊክ መራኽብ ተጨቓጪቑ ምህላዉን ተገሊጹ። ብርክት ዝበላ ጀላቡ ነዛ 59 ሜትሮ ዝንውሓታ ኤቨር ግሪን ዝተባህለት መርከብ ናብቲ ዝሓሰበቶ ኣንፈት ንምምእዛን፡ ተዋፊረን ኣለዋ ክብል ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ ምዕጋት፡ ኣብቲ ንማእከላይን ቀይሕ ባሕርን ዘራኽብ ሰሜናዊ ጫፍ እቲ መትረብ ከም ዘጋጠመ ድማ ተፈሊጡ። መርከብ ኤቨር ግሪን ካብ …

Read More »

ኣብ ማልመ፡ ዋጋ ሚልዮናት ዝትመን ንብረት ተራስዩ

ትማሊ ሰሉስ፡ ኣብ ከተማ ማልመ ዝርከብ ኖራ ግሬኘስፐሪስጎታን (Norra Grängesbergsgatan) ዝተባህለ ኣከባቢ ዝተኻየደ፡ ብቮርቪንተር (Vårvinter) ዝፍለጥ ስርሒት፡ ጥረ ገንዘብ፡ መካይን፡ ተሽከርከርትን ዝተሰርቀ ምዃኑ ዝጥርጠር ዋጋ ሚልዮናት ክሮነ ዝኸውን ንብረት ከምዝተራሰየ፡ ፖሊስ ማልመ፡ ኣብ ገጻት ፌስቡኩ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ስርሒት ቮርቪንተር፡ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ንጥፈታትን ኣብ ጽርግያ ንዝሓልፋ መካይን ኣብ ምቁጽጻርን ዘቕነዐ ስርሒት እዩ። ኣብዚ ስርሒት፡ ብጀካ ፖሊስ፡ …

Read More »

ኢትዮጵያ. . . ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ኤርትራ ንትግራይ ምእታዉ ተኣሚኑ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ ንመጀመርያ እዋን፡ ሰራዊት ኤርትራ ንትግራይ ምእታዉ ተኣሚኑ። ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ክልቲኣተን መንግስታት፡ ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ጥሒሱ ናብ ትግራይ ምእታዉ ክኽሕዳ ምጽንሐን ይፍለጥ። ንመንግስቲ ኤርትራ፡ ስለምንታይ ናብ መሬት ኢትዮጵያ ክኣቱ ክኢሉ ዝብል ሕቶ ምስ ኣቕረብናሉ፡ እቲ ዶባት ብዘይ ሓላዊ ብምትራፉ፡ ሰራዊት ትግራይ ከየጥቃዓንን ከይወረንን ብምባል ናብ ትግራይ ክኣቱ ተገዲዱ ክብል፡ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ ንኣባላት …

Read More »

ዕጡቓት ኣባላት ቦኮ ሓራም፡ ኣብ ካሜሩን፡ ሰባት ይቐትሉ

ናይ ቦኮ-ሓራም እዮም ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ዕጡቓት፡ ኣብ ሓንቲ ብሸነኽ ሰሜን ካሜሩን እትርከብ፡ ቢላጉሲ እተባህለት ገጠር፡ ክልተ ኣንስትን ሓደ ሰብኣይን ቀቲሎም ክትብል ቢቢሲ ሓቢራ። እዚ መቕተልቲ፡ ብሰንበት ከም እተኻየደ፡ ኣመሓዳሪ እታ ገጠር ገሊጹ’ሎ። እዛ ገጠር ብሰሜን ወገን ምስ ደጀን ቦኮ ሓራም ከም እትዳወብ እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ። እዞም ዕጡቓት፡ ብኣጋር ሰራዊትን ብሬናት ዝጸዓና መካይንን ተሓጊዞም ኣብ ከተማ ዉልጎ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዶም …

Read More »

ምምሕዳር ከተማ ዮንሾፒን፡ መናፈሻታትን መዐሽጊ መካይንን ክዓጹ መደብ ሒዙ ኣሎ

ምምሕዳር ከተማ ዮንሾፒን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ፡ መዕሸግ መካይንን መናፈሻታትን ክዓጹ መደብ ገይሩ ከምዘሎ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ተታሒዙ ዘሎ መደብ፡ ምስቲ ኣብ ቀጻሊ ዝመሓላለፍ መምርሒታት ኮሮና ክውሰን ምዃኑ እቲ ምምሕዳር ኣፍሊጡ ኣሎ። ምምሕዳር ከተማ ዮንሾፒን፡ እታ ናይ ፈለማ ምምሕዳር፡ ነዚ ከምዚ ዓይነት መደብ እተተግብር ዘላ እያ ክብል ወሃብ ቃል ምምሕዳር ከተማ ዮንሾፒን፡ አሪክ በርየር፡ ንጋዜጣ ኣፍቶንብላደት …

Read More »

ኣብ ቀብሪ ማጉፉሊ: ብዘጋጠመ ጽቕቅጥ: ሓሙሽተ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ይሞቱ

ሓሙሽተ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት: ኣብ ቀብሪ ማጒፉሊ ብዝነበረ ጽቕቅጥ ከም ዝሞቱ ወኪል ቢቢሲ ካብ ዳር’ሰላም: ሳልም ኪከከ: ገሊጹ። ሬሳ ማጉፉሊ: ናብ መዕረፊኡ ቅድሚ ምኻዱ ኣሽሓት ዜጋታት ኣኽብሮቶም ንምግላጽ ብሰንበት ኣብ: ኡሁሩ ኣታድዬም: ዳር’ሰላም ተኣኪቦም ከም ዝወዓሉ ድማ ወሲኹ ሓቢሩ። ደኒስ ሞትዋ: በዓልቲ ቤቱ፥ ክልተ ደቁ፥ ክልተ ደቂ ሓብቱን ከም ዝሞቱዎ ፥ ኣብ ቤቶም ትኽድም ዝነበረት ሰብ እውን ደሃይ ከም ዘይብላ …

Read More »

ቼክ ሪፓፕሊክ….. 25 ሽሕ ሰባት፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ሞይቶም

ኣብታ 10.7 ሚልዮን ነባሪ ዘለዋ ሃገረ ቼክ ሪፓፕሊክ፡ ሓንቲ ካብተን ብኸቢድ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ዝተጠቕዓ ሃገራትን ዝለዓለ መጠን ሞት ካብ ዘጋጠመን ምዃና ትፍለጥ። ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣብ ሃገረ ቼክ ሪፓፕሊክ፡ ብድምር ኣስታት 25 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱን ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ መዓልታዊ 200 ሰባት ከምዝልከፉን በዓል መዚ ጥዕና እቲ ሃገር ሓቢሩ። መንግስቲ ሃገረ ቼክ፡ ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ኮሮና ንምግታእ፡ …

Read More »

ኣውሮጳዊ ሕብረት: ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ኣንቢሩ

ኣውሮጳዊ ሕብረት: ኣብ ልዕሊ ወኪል ጸጥታ ኤርትራ: እገዳ ኣንቢሩ’ሎ። እገዳ ዝገበረሉ ምኽንያት ድማ ዓብዪ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እንተላይ ብሃውሪ ዝግበር መቕተልቲ፥ ምስቓይ፥ ብሃውሪ ናይ ምእሳርን ሰባት ናይ ምስዋርን ወንጀላት ብምፍጻሙ እዩ ኢሉ’ሎ። ኣውሮጳዊ ሕብረት እዚ ኣብ ኤርትራ ዝንበር እገዳ ስለምንታይ ሕጂ ክትግብሮ ደልዩ ወይ ከመይ ዝበለ ኣገባብ እዩ ክኽተል ዝብል ዝርዝር ኣይሃበን። ብመሰረት ሮይተርስ ሕሳብ ናይቶም ኣብ ኣውሮጳ ዝርከቡ ማላት …

Read More »

ሰሚናር

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com