Thursday , May 2 2024

ዜና

ኩርዳውያን ኣባላት ጸጥታ፡ ኣባላት ጉጅለ ዳዕሽ ንምህዳን ይብገሱ

እዚ ብኣባላት ጸጥታ ኩርዲ፡ ዝተጀመረ ስርሒት፡ ነቲ ኣብ መዕቆብ ስደተኛታት፡ ኣልሆል፡ ህይወት ዓሰርተታት ሰባት ዝቐዘፈ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ንሰዓብቲ ጉጅለ ዳዕሽ፡ ንምህዳን ተባሂሉ ዝተጀመረ ስርሒት ምዃኑ እዩ ዝንገረሉ። ኣብዚ ዓመት ዓሰርተታት ሰባት ብመጥቃዕቲታት ዳዕሽ ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብዚ ስርሒት፡ ሓደ መልማሊ ዳዕሽን ሸሞንተ ካልኦትን ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ውዒሎም ኣለዉ። እዚ ስርሒት እተኻየደሉ መዓስከር፡ ብርክት ዝበሉ ስደተኛታትን ተመዛበልቲን ከም …

Read More »

ሓደጋ ነትጒ፡ ኣብ ማእከል ስቶክሆሎም

ኣብ ሓደ ኣብ ማእከል ስቶክሆሎም ዝርከብ ናይ ንብረት ትካል፡ ነትጒ ብምግጣሙ፡ ፖሊስ ኣብ ከባቢ ሰዓት 8:20 ቅ.ቐ. ሓበሬታ ከምዝመጾን ንጠንቂ ናይቲ ነትጒ ብዝምልከት ክሳብ ሕጂ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘየለ፡ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ፖሊስ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ትካላትን ናይ ንግዲ ቦታታትን ብምኻድ፡ ሓበሬታታት ንምእካብ፡ ይሓትት ከምዘሎ ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ካሜራታት ይፍትሽ ከምዘሎን ብመንገዲ ወሃብ ቃል ፖሊስ ስቶክሆሎም፡ ፔር ፋሃልስትሮም፡ …

Read More »

ኣብ መትረብ ስዌዝ፡ ተሸኺላ ዝነበረት መርከብ ተላቒቓ

ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣትሒዛ ኣብ መትረብ ስዌዝ ተሸኺላ ዝነበረት ኣዝያ ዓባይ መርከብ ኤቨርግሪን፡ ካብቲ ተሸኺላቶ ዝነበረት፡ ዳግማይ ከተንሳፍፍ ከም እተገብረ ቢቢሲ ሓቢራ። እታ መርከብ፡ ኣፍንጫኣ ናብ ገማግም እቲ መትረብ ገጹ እናምርሐ ከም እተራእየት፡ ሎሚ ሰኑይ ብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን እተፈነዉ ስእሊታት ኣመልኪቶም ኣለዉ። እዛ መርከብ፡ ካብቲ ታኼላ ሓራ ምውጽኣ፡ ኩባንያ ኣገልግሎት ማያት ኢንችኬፕ እውን ገሊጹ ኣሎ። ነዛ መርከብ ዳግማይ ከተንሳፍፍ …

Read More »

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣወንታዊ ኣንፈት የርኢ

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ ካብ ሰሙን ናብ ሰሙን፡ ምንቁልቋል እንዳ ኣርኣየ ይመጽእ ምህላዉ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ይሕብሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሎሚ ሶኑይ ኣቃሊሑ። ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቁጽሪ ናይ ስራሕ ኣልቦ ሰባት፡ 442 ሽሕን 5 ሚእትን፡ ምዃኑ መዝገባት ኣርቤትስፎርሜድሊን ይሕብሩ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ኣብ መጀመርታ ናይቲ ሰሙን ዝነበረ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ 8.6%፡ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ሰሙን ናብ …

Read More »

ቅድሚ ሕጂ ተራእያ ዘይትፍለጥ ቅብኣ ቫን ጎኽ ብጨረታ 11 ሚልዮን ፓውንድ ተሸይጣ

ብ ቫን ጎኽ እተሳእለት ጎደናታት ፓሪስ ዘርእስታ ቅብኣ ኣብ ሓደ ቤት ንሚእቲ ዓመት ተሓቢኣ ድሕሪ፡ምጽናሕ ብሓሙስ ኣብ ዝተገብረ ጨረታ 11 ሚልዮን ፓውንድ (ልዕሊ 13 ሚልዮን ዩሮ) ከም እተሸጠት ተገሊጹ። ኣብ ፈረንሳ ዛጊት ካብ እተኻየዱ ጨረታ ቅብኣታት ሆላንድ እታ ብዝበዝሐ ዋጋ እተሸጠት ከም ዝገብራ ድማ ተፈሊጡ። እዛ ብ 1887 ከም እተቐብአት ዝንገረላ ስእሊ ንልዕሊ ሚእቲ ዓመት ኣብ መንደቕ ሓንቲ ፈረንሳዊት ስድራቤት …

Read More »

Harmony Media News 26/03/2021

Read More »

ዘይተፈልጠ ነገር፡ ኣብ እንዳ መዐደል ነዳዲ (Gas Station) ተረኺቡ

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ስቶክሆሎም፡ ሪንክቢ፡ ዝርከብ እንዳ መዐደል ነዳዲ፡ ኣብ ጥቓ ሓንቲ መኪና፡ ዘይተፈልጠ ነገር ከምዝተረኽበ፡ ወሃቢት ቃል ፖሊስ፡ ኦላ ኦስተርሊንግ፡ ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሓ። ከባቢ መዐደል ነዳዲ፡ ብምልኡ ከምተሓጽረን ናብ ኡልቭስንዳቬገን ( Ulvsundavägen) ዝወስድ መንገዲ ውን ከምዝተቕየረን ፖሊስ ሓቢሩ።    ብዛዕባ እቲ ዘይተፈልጠ ነገር፡ ፖሊስ፡ ሎሚ ዓርቢ፡ ኣብ ከባቢ ሰዓት 14፡00፡ ሓበሬታ ከምዝመጾ ተፈሊጡ።

Read More »

በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን፡ ብዛዕባ ክታበት ኮሮና፡ ጸብጻቡ የቕርብ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን፡ ንኽቅበሎም ትጽቢት ገይርሎም ዝነበረ ብዝሒ ብልቃጥ ክታበት ኮሮና ምርኩስ ብምግባር፡ ኣብ መጨረሽታ ናይ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመተ 2021፡ ኩሎም ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽወደናውያን፡ ክታበት ኮሮና ክረኽቡ መደብ ኣውጺኡ ምንባሩ ይዝከር። ይኹን እምበር፡ እቲ ሒዝዎ ዝነበረ መደብ፡ ግብራዊ ክኸውን ከምዘይክእል፡ ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ቀዳማይ ርብዒ …

Read More »

ብሰንኪ ሃድን፡ ሓራምዝ፡ ናብ ደረት ምጽናት ይበጽሑ

ብሰንኪ ንግድ ስኒ ሓርማዝን ምብዳም ኣከባቢን፡ ሓራምዝ፡ ናብ ደረት ምጽናት በጺሖም ምህላዎም ኣብ ቢቢሲ ወኪል ዜናታት ሳየንስ ቪክቶርያ ጊል ጸብጺባ። ብመሰረት ኣህጒራዊ ሕብረት ዕቀባ ተፈጥሮ፡ ዝሃቦ ሓድሽ ሓበሬታ፡ ሓራምዝ ጫካን ሳቫናን ኣፍሪቃ ዓብዪ ሓደጋ ምጽናት የንጸላልዎም ኣሎ ክብል ገሊጹ። ኣቐዲሙ ሓራምዝ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ቀይሕ ምልከት (ምልክት ሓደጋ) ኣትዮም ምጽንሖን ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ኣፍሪቃ 415 ሽሕ ሓራምዝ ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ይግመት። …

Read More »

ምዕጻው መትረብ ስዌዝ፡ ቁጠባዊ ስምብራት ይገድፍ

ብሰንኪ ምዕጋት መትረብ ስዌዝ፡ መዓልታዊ 9.6 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ኣቕሑ፡ ናብ ዕዳጋ ይቐርብ ዘይምህላዉ ጸብጻብ መጓዓዝያ መራኽብ ኣመልኪቱ። ኣብ ማያት መትረብ ስዌዝ፡ በብሰዓቱ ናይ 400 ሚልዮን ዶላር ንግድ ናብ ምብራቕን ምዕራብን ከም ዝሓልፍን ብማእከላይ ገምጋም፡ መዓልታዊ ናይ 5.1 ቢልዮን ዶላር ኣቕሑ፡ ከም ዝሓልፉን ይፍለጥ። ነታ መርከብ ካብ እተዓግተቶ ንምልቓቕ ጻዕርታት ይግበር እኳ እንተሃለወ፡ ምናልባት ሰሙናት ክወስድ ከም ዝኽእል ክኢላታት ይሕብሩ። …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com