Friday , May 17 2024

ዜና

ኣብ ዳርፉር፡ ቊጽሪ ዝሞቱ ሰባት፡ 132 በጺሑ

ኣብ ዳርፉር፡ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግርጭት፡ ዛጊት 132 ሰባት ከም ዝሞቱ፡ ኣመሓዳሪ ክልል ምዕራብ ዳርፉር ገሊጹ። መንግስቲ ሱዳን፡ ህይወት ሲቪላውያን ንምሕላው፡ ተወሰኽቲ ሓለዋ ጸጥታ ክልእኽ እየ ብምባል ዝኣተዎ መብጽዓ ከኽብር ዘይምኽኣሉ ኣመሓዳሪ፡ ፋርፉር መሓመድ ዓብደላ ዱማ፡ ገሊጹ’ሎ። ኣባላት መሳሊትን ማሕብረሰብ ዓረብን ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣትሒዞም ኣብ ከተማ ኣልጀኒን፡ ብኸቢድ ብረት እተሰነየ ግጭት ተጸሚዶም ኣለዉ ክብል ካብ ቢቢሲ ኤዲተር ኣፍሪቃ፡ ዊል …

Read More »

ሱልበሪ፡ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ተበይኑላ

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኖርወይ፡ ኤርና ሱልበሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ የካቲት፡ ልዕሊ 10 ሰባት ኣብ ዝተኣከብሉ ጽምብል ከምዝተረኽበት፡ ንመምርሒታት ኮሮና ምጥሓሳን፡ ፖሊስ፡ ናይ 20 ሽሕ ኖርወያዊ ክሮነ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ከምዝበየነላ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ከምዚ ዓይነት መቕጻዕቲ፡ ንፈለማ እዋን ዝተበየነ ኮይኑ፡ ክብድ ዝበለ ምቕጻዕቲ ምዃኑ፡ ፖሊስ፡ ድሕሪ ምሕባር፡ እቲ ምኽንያት ድማ፡ መምርሒታት ኮሮና፡ ብመንግስታዊ በዓል ስልጣን ስለዝተጣሕሰ ብምዃኑ እዩ …

Read More »

በዓል መዚ ሜትሮሎጂ፡ ቀዳማይ ደረጃ መጠንቀቕታ የመሓላልፍ

ሎሚ ኣብ እዋን ቀትሪ፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ሽወደን፡ ውርጪ ዝተሓወሶ ሓያል ህቦብላ ክነፍስ ተኽእሎታት ከምዘሎ ካብ በዓል መዚ ሜትሮሎጂ ሽወደን መጠንቀቕታ ምምሕልላፉ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እቲ ህቦብላ፡ ኣብ ስሜናዊ ክፋል ሽወደን፡ ኣብ ኖርቡተን ዝርከብ ሂንተርላንድ፡ ኣብ ገማግም ዝርከባ ወረዳታት ናይ ምምሕዳራት ቬስተርቦተንን ቬስተርኖርላንድን ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሽወደን ድማ፡ ኣብ ከባቢ ኦረብሮ፡ ኦስተርጎትላንድ፡ ሰሜን ቬስተርጎትላንድ፡ ቦሁስላንን ዮተቦሪን ክነፍስ ትጽቢት ይግበር። …

Read More »

Harmony Media ዜና መጽሔት 07 ሚያዝያ 2021

Read More »

ባየርን፡ ክታበት ኮቪድ-19 ዝኾነ ስፑትኒክ ቪ ክትዕድግ እያ

ምምሕዳር ባየርን (ባቫርያ)፡ ፍርያት ሩስያ ዝኾነ ክታበት ስፑትኒክ ቪ፡ ብበዓል መዚ መድሃኒት ኤውሮፓ ተቐባልነት እንተድኣ ረኹቡ፡ 2.5 ሚልዮን ብልቃጥ፡ ክትዕድግ ድልው ምህላዉ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ምምሕዳር ባየርን ምስቲ ኣብ ከተማ ኢለርቲሰ (Illertissen) ዝተዶከነ ፋብሪካ መፍረ ሩስያዊ ክታበት፡ ኣቐዲሙ ውዕል ከምዝተፈራረሙ ፕረዚደንት’ታ ምምሕዳር፡ ማርኮስ ሶዳ፡ ገሊጹ ክብል መጽሔት ደር ሽፒግል ኣቃሊሑ። ከምዝፍለጥ፡ ሰብ መዚ ሃገረ ሃንጋሪ፡ ንክታበት ስፑትኒክ …

Read More »

ሩዋንዳ፡ ነቲ ብሃገረ ፈረንሳ ዝቐርብ ጸብጻብ ዓሌታዊ ህልቂት ክትቅበል ቅርብቲ ምዃና ገሊጻ

ፈረንሳዊ ኮሚሽን፡ ነቲ ኣብ ዓመተ 1994 ኣብ ሃገረ ሩዋንዳ ዘጋጠመ ሂወት 800 ሽሕ ሰባት ዝቐዘፈ ዓሌታዊ ህልቂት፡ ብዝምልከት መጽናዕታዊ ጸብጻብ ንኸተቅርብ ንዘቕረበቶ ሓሳብ፡ ብፕረዚደንት ሃገረ ሩዋንዳ፡ ፖል ካጋመ፡ ተቐባልነት ከምዝረኸበ  ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እቲ ዝቐርብ ጸብጻብ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ዘጋጠመ ኩነታት፡ ብኸመይን ስለምንታይን ከም ዝተፈጸመ ንኽንርዳእ ክሕግዘና እዩ ክብል፡ ካጋመ፡ ኣብቲ ወግዓዊ ዝኽሪ መዓልቲ ናይቲ ህልቂት ገሊጹ። እቲ ፈረንሳዊ ኮሚሽን፡ …

Read More »

Harmony Media News 07/04/2021

Read More »

ሓደጋ ባርዕ ኣብ ሱንድስቫል

ኣብ ሱንድስቫል፡ ሓደ ህንጻ፡ ብሓደጋ ባርዕ ከም ዝተሎቕመጸ ጋዜጣ ሱንድስቫል ቲድኒን ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እቲ ባርዕ፡ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ናይቲ ህንጻ (ቦሎፎን) ከም ዝተላበዐ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣሃዱ መጥፋእቲ ሓዊ፡ ፖሊስ ካልእን ኣብቲ ቦታ ከምዝተረኽቡ እቲ ጋዜጣ ሓቢሩ። ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ብዝምልከት ግን ዝተረኽበ ሓበሬታ የለን።

Read More »

እስራኤል፡ ናተንያሁ ሓድሽ መንግስቲ ከቕውም ይንቀሳቐስ።

ኣብ ቀረባ እዋን እተኻየደ ምርጫ ሃገረ እስራኤል፡ ተዓዋታይ ብንጹር ክፍለ ብዘይምኽኣል፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ንበንያሚን ናተንያሁ፡ ሓድሽ መንግስቲ ከቕውም ከም ዝመዘዞ ተገሊጹ። መዝነት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ብግዜያውነት ተዋሂቡ ዘሎ ናታንያሁ፡ ልፍንታዊ መሪሕነት ንኸቕውም ካብ ኣባላት ባይቶን ሕጹያትን ዝበዝሐ ድምጺ ረኺቡ’ሎ። ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ እተኻየደ ምርጫ፡ ንሱ ይዂን ተቓወምቲ ሰልፍታት፡ መንግስቲ ንምቛም ዘኽእሎም እኹል ድምጺ ዘይምርካቦም እዩ ዝግለጽ። ኣብ ወርሒ መጋቢት እተኻየደ …

Read More »

G20፡ ድኻታት ሃገራት ንምሕጋዝ ዝርርብ ጀሚረን

ሎሚ ረቡዕ፡ ሚኒስተራት ፋይናንስ ኣማሓዳሪ ማእከላይ ባንክን ብመንገዲ ናይ ቪድዮ ኣብ ዘካይድዎ ኣኼባ፡ ድኻታት ሃገራት ዓለማና ንምሕጋዝ፡ እቲ ቀንዲ ኣጀንዳ ናይ G20 ምዃኑ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF)፡ ትማሊ ሰሉስ፡ ንድሕሪ ለበዳ ኮሮና ዘሎ እዋን፡ ቁጠባዊ ምዕባለታት ኣመልኪቱ፡ ገምጋማቱ ከምዘቕረበ ይፍለጥ። ቁጠባዊ ዕብየት፡ ብደረጃ ዓለም ክሳብ 6% ክበጽሕ ከምዝኽእል እኳ እንተገምገመ፡ ኣብ ኩለን ሃገራት ክኸውን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com