Friday , May 17 2024

ዜና

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ ምንቁልቋሉ ይቕጽል

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ ብዘገምታ ይጎድል ምህላዉ ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊን ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ልዕሊ 6800 ሰባት ከም ስራሕ ኣልቦ ክምዝገቡ እንከለዉ፡ ኣስታት 11 ሽሕ ድማ ናብ ስራሕ ወይ ከኣ ትምህርቲ ከምዝጀመሩ ጸብጻባት እቲ ቤት ጽሕፈት ይሕብሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ጠቕላላ ድምር ብዝሒ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት 433 ሽሕ ምብጽሑ ሓቢሩ። መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ ካብቲ ቅድሚኡ …

Read More »

ኢቫ ማርክ፡ ስራሕ ዝደለዩ ሰባት ናብ ሰሜን ንኽኸዱ ትመክር

ኣብ ሰሜን፡ ስራሕ ኣሎ። ኣብ ሰሜን ኖርላንድ ዝርከባ ፋብሪካታት፡ ብዙሕ ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታታት ስለዘለወን፡ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ናብ ሰሜን ንኸምርሑ፡ ሚኒስተር ዕዮ ሽወደን፡ ኢቫ ማርክ፡ ሓቢራ። መንግስቲ ሽወደን፡ ንብዝሒ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ንምቕናስ፡ ዝከኣሎ ይጽዕር እንተሃለወ፡ ኣብዚ ዓመት፡ እቲ ቁጽሪ ልዕሊ 200 ሽሕ ክበጽሕ ከምዝኽእል ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊን ገሊጹ። ንግዳውያን ትካላት፡ ብዘገምታ፡ ሰራሕተኛታት ይቖጽራ ምህላወን ተስፋ ዝህብ’ኳ እንተኾነ፡ …

Read More »

Harmony Media News 18-04-2021

Read More »

ሓንቲ ሩዋንዳዊት ኣብ ዓሌታዊ ምጽናት ብዝነበራ ተራ ካብ ኣመሪካ ተሰጒጓ

ኣብ 1994 ኣብ ዝተኻየደ ዓሌታዊ ምጽናት ሩዋንዳ ዝነበራ ተራ ብምሕባእ ንሳን ስድራቤታን ኣብ ኣመሪካ ዕቚባ ሓቲታ ዝነበረት ሓንቲ ሩዋንዳዊት ሓሶት ብምዝራባ ን 10 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ጸኒሓ ናብ ሃገራ ክትስጐጒ ከም እተገብረት ቢቢሲ ሓቢራ። እዛ ኣመሪካዊ ዜግነታ ክትሕደግ ዝተገብረት ቢትሪስ ሙኘኘዚ ዝተባህለት ሰብ ኣብ 1998 እያ ኣብ ሩዋንዳ መስጐጒቲ ኣጋጢሙኒ ብዝብል ጒዳይ ምስ ሰለስተ ደቃ ኣብ ኣመሪካ ኣትያ። ንሳ ኣብ …

Read More »

ባህርያት ስካት ሩዲን ዝጽወር ኣይኮነን ክትብል ኮኾብ ተዋሳኢት ካብ መድረኽ ተዋስኦ ሞሊን ሩዥ ትስሕብ

ተዋሳኢት ካረን ኦሊቭያ ን ስድነት ስካት ሩዲን ክጾሮ ኣይክእልን እየ ክትብል ኣብታ ብ ብራድወይ እትዳሎ ሞሊን ሩዥ ክትቅጽል ከም ዘይትደሊ ገሊጻላ። ስካት ሩዲን ኣፍራዪ ፊልም ትያትርን ኮይኑ ኣብ ተዋሳእቲ ኣዝዩ ጽዩፍ ባህርያት እይይ ዘርኢ ክትብል እታ ተዋሳኢት ገሊጻ’ላ። ስካት ንተዋሳእቲ ክጻረፍን ኣካላዊ ማህረምቲ ከውርድ ከም ዝጸንሐ ሆሊውድ ሪፖርተር ዝተባህለ ጸብጻብ የመልክት። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ሓደ እዋን ስካት ንተዋሳኣይ ብሞኒተር ኮምፒተር …

Read More »

ኣብ ማህጸን ህበይ ክዓቢ እተገብረ ሕውስዋስ ድቂ ሰብን ህበይን ዓብዪ ስነምግባራዊ ክትዓት ኣለዓዒሉ

ኣብ ላቦራቶሪ እተሰርሐ ድቂ ወዲሰብ ኣብ ማህጸን ህበይ ክዓቢ ከም እተገብረ ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። እዚ ብልፍንቲዊ ጒጅለ ቻይናን ኣመሪካን ዝተኻየደ መጽናዕቲ ዓብዪ ስነምግባራዊ ክትዓት ኣለዓዒሉ ይርከብ። እዞም፡ተመራመርቲ ሰብኣዊ ዋህዮታኣ ስቴም ናብ ማህጸን ህበይ ከም ዝኣቱ ብምግባር ን ዕስራ መዓልታት ዕቤት እዚ ድቂ ክከታተሉ ምጽንሖም ተገሊጹ። ሕውስዋስ ድቂ ሰብን ካልእ ፍጥረትን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ከም እተፈተነ ዝዝከር እዩ። ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ …

Read More »

ህቡብ ናይጀርያዊ ሰባኻይ ቲ ቢ ጆሽዋ ካብ ዩትዩብ ተኣጊዱ

ዩትዩብ ን ኣዝዩ ጸላዊ ምዃኑ ዝንገረሉ ናይጀርያዊ ሰባኺን ናይ ቲቪ ወንጌላዊን TB Joshua ብምኽንያት “ጽልኢ ዘሳውር ፕሮግራማቱ” ሕሳቡ ክዓጽዎ ምውሳኑ ኣፍሊጡ። ሓደ ብመሰል ደቂ ሰብ እቃለስ እየ ዝብል ውድብ ድሕሪ ዘቕረቦ ክሲታት እዩ ዩትዩብ ኣብዚ ውሳነ በጺሑ ዘሎ ክብል ጸብጻብ ቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ። ብመሰረት እዚ ጸብጻብ ጆሹዋ ን ግብረ ሰዶማውያን ካብ “ሕማሞም” እናፈወሰ ዘርእያ ሸውዓተ ቪድዮታት ከም መርትዖ ምቕራበንን እዚ ድማ …

Read More »

ታይለር ስዊፍት ብ The Beatles ተታሒዙ ዝነበረ ክብረወሰን ትሰብር

ታይለር ስዊፍት ብ ዘ ቢትልስ ተታሒዙ ዝጸንሐ ክብረ ወሰን መሸጣ ሰለስተ ተኸታተልቲ ብሉጻት ኣልበማት ሴራቶ ተባሂሉ። ትማል፡ዓርቢ በታ LP fearless ዝተባህለት ኣልበማ መሸጣ ዓብሊላ ዝወዓለት ተይለር ምስተን ኣቐዲመን ዝወጻ ፎክሎርን ኤቨርሞርን ዝተባህላ ኣልበማታ ተደሚራ እያ ነዚ ክብረወሰን በዚሓ ዘላ። ኣመሪካዊት ደራፊት ተይለር ኣብ 259 መዓልታት እያ ነዚ ረከርድ ዓቲራ።

Read More »

ተዋሳኢት: ሄለን ማክክሮሪ ዓሪፋ

ኣብ ፊልምታት ሃሪ ፖተር ከምኡውን ፒኪ ብላይንደርስ ብምውሳእ እትፍለጥ ሄልን ማክክሮሪ ኣብ መበል 52 ዓመታ ብሕማም ካንሰር ምሟታ ተገሊጹ። ዜና ዕረፍታ ብበዓል ቤታ ደምያን ልዊስ ኣቢሉ ከም እትነግረ ድማ ቢቢሲ ሓቢራ”ላ። ንሱ በዓልቤተይ ምጭውትን በዓልቲ ዘይሕለል ጸዓትን ምንጪ ዓብዪ ብርሃን እያ ኔራ፥ ብሰላም ዕረፊ ፍትውተይ፥ ምስጋናይ ወሰን የብሉን ክብል ብሞታ ከቢድ ሓዘን ከም እተሰምዖ ገሊጹ’ሎ። ደራሲት ዛንታታት ሃሪ ፖተር ዝኾነት …

Read More »

Harmony Media ዜና መጽሔት 17 ሚያዝያ 2021

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com