Friday , April 26 2024

ኢቫ ማርክ፡ ስራሕ ዝደለዩ ሰባት ናብ ሰሜን ንኽኸዱ ትመክር

ኣብ ሰሜን፡ ስራሕ ኣሎ። ኣብ ሰሜን ኖርላንድ ዝርከባ ፋብሪካታት፡ ብዙሕ ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታታት ስለዘለወን፡ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ናብ ሰሜን ንኸምርሑ፡ ሚኒስተር ዕዮ ሽወደን፡ ኢቫ ማርክ፡ ሓቢራ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ንብዝሒ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ንምቕናስ፡ ዝከኣሎ ይጽዕር እንተሃለወ፡ ኣብዚ ዓመት፡ እቲ ቁጽሪ ልዕሊ 200 ሽሕ ክበጽሕ ከምዝኽእል ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊን ገሊጹ።

ንግዳውያን ትካላት፡ ብዘገምታ፡ ሰራሕተኛታት ይቖጽራ ምህላወን ተስፋ ዝህብ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ሰሜን ግን ትሑዝ ዝኾነ ናይ ስራሕ ቦታታት ኣሎ ክትብል፡ እታ ሚኒስተር ወሲኻ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com