Friday , May 17 2024

ዜና

ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳ ኣንቢራ

ኣመሪካ፡ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲን ካልእ ተጻብታት ሩስያ ምኽንያት ብምግባር፡ ኣብ ልዕሊ ሞስኮ እገዳ ከም ዘንበረት ተገሊጹ። እዚ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተታት ናይ ሩስያ ሰብመዚን ትካላትን ዘቕነዐ እገዳ፡ ተጻብኦታት ሩስያ ንምዕጋት ብዝብል ዕላማ እዩ ተጌሩ ክትብል ኣመሪካ ገሊጻ’ላ። ሩስያ ንክሲታት ኣመሪካ ድሕሪ ምንጻግ፡ ተመሳሳሊ ግብረ መልሲ ክትወስድ ምዃና ኣመልኪታ። እዚ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 15/04/2021 ዝወጸ እገዳ ብፕረሲደንት፡ ጆ ባይደን፡ ዝተፈረመ እዩ ተባሂሉ’ሎ። …

Read More »

መስርሕ ፍርዲ፡ ብሰንኪ ሰብ ሞቶር ሳይክል፡ ኣቋሪጹ

ሎሚ ዓርቢ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከባቢ ሶደርቶርን (Södertörn)፡ ዝካየድ ዝነበረ መስርሕ ፍርዲ፡ ብሰንኪ ኣብ ኣፍደገ እቲ ቤት ፍርዲ ብሞቶር ሳይክላት ዝተወጥሑ ሰባት ዝተፈጥረ ዕግርግርን ናብ ውሽጢ እቲ ቤት ፍርዲ ክኣትዉ ብዝገበርዎ ፈተነን፡ እቲ መስርሕ ከምዝተቛረጸ ጋዜጣ ኤክስፕረሰን ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እንታይ ከም ዘጋጠመ ዝፈልጦ የብለይን፡ እቲ ዝተቐበልክዎ ሓበሬታ፡ እቶም ሰባት፡ ኣብ ደገ ይኹን ኣብ ውሽጢ እቲ …

Read More »

ፕረዚደንት ሶማል፡ ንሓያላት ሃገራት ይወቅስ

ፕረሲደንት ሶማል፡ ናይ ስልጣን ግዜኡ ከናውሕ ምውሳኑ ኣህጒራዊ ማሕበረሰብ ብፍላይ ድማ ሓያላት ሃገራት ዘስምዓኦ ተቓውሞ ከም ዘገረሞ ብምጥቃስ “እዚ ጒዳይ ሶማል እዩ” ብምባል ብትሪ ወቒስዎም። ንሱ፡ ሶማል ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዴሞክራሲ ዘርኣየቶ ዕቤት ክንእዳኣ ድኣ እምበር ኣብ ከምዚ ዝበለ ውሽጣዊ ጒዳያት ምእታወን ግቡኣ ኣይኮነን ኢሉ። “ሶማላውያን ዴሞክራስያዊ መሰላቶም ተጠቒሞም ዕምሪ መንግስቶም ክናዋሕ ምግባሮም ከም ዘይሕጋዊ ንምምሳል ዝግበር ዘሎ ጠቐነ …

Read More »

ሬሳ ናይ 21 ሰባት፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ተረኺቡ

ትማሊ ሓሙስ ዕለት 15/04/2021፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ፡ ስደተኛታት ጽዒና፡ ካብ ቱኒዝያዊት ከተማ ስፋክስ ከም ዝተበገሰት ዝንገረላ ጃልባ፡ ናብ ጣልያናዊት ዴሴት ላምፔዱሳ፡ ኣብ ተምራሓሉ ዝነበረት እዋን፡ ብሰንኪ ዘጋጠማ ሓያል ማዕበል፡ ኣብ ማእከል ማእከላይ ባሕሪ ድሕሪ ምጥሓላ፡ ካብ ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ስደተኛታት ናይ 21 ሰባት ሬሳ ከምዝተረኽበን፡ እቲ ፈተሻ ቀጻሊ ምህላዉን ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

Read More »

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፡ ኣብ ጉዳይ ኒል ህጹጽ ዘተ ክግበር ይጽውዕ

ቀዳማይ ሚኒትሰር ሱዳን፡ ዓብደላ ሓምዶክ፡ መራሕቲ ግብጺ፥ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ጒዳይ ክርክር ኒል፡ ህጹጽ ዘተ ክገብሩ ጸዊዑ ክትብል ቢቢሲ ሓቢራ። እዚ ዘተ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተፈቲኑ ዝፈሸለ ዘተ ናዘን ሰለስተ ሃገራት ናይ መወዳእታ ዕድል ንምሃብ ዝተጸውዐ እዩ ዝመስል ክብል እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። ኢትዮጵያ፡ ኣብ እዋን ክራማት፡ ካልኣይ እብረ ምምላእ ሓጽቢ ሚለንዬም ከተካይድ ምዃና እያ እትገልጽ። ግብጽን ሱዳንን ግና …

Read More »

ሃገረ ፊንላንድ፡ ትካላት ኣብያተ መግቢ፡ ኣፍደገአን ንኸርሕዋ ተፍቅድ

ካብ ጽባሕ ሰኑይ ዕለት 19/04/2021 ጀሚረን፡ ኣብ ፊንላንድ ዝርከባ ትካላት ኣብያተ መግቢ፡ ኣፍደገአን ንዓማዊል ብምሉእ ዓቕመን ከርሕዋ ፍቓድ እኳ እንተረኸባ፡ ኣገልግሎት መስተ፡ ክሳብ ሰዓት 5:00 ድ.ቐ. ጥራይ ክኸውን፡ ብድሕሪኡ፡ ክልተ ሰዓታት ጸኒሐን ድማ ክዓጽዋ፡ መንግስቲ ፊንላንድ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብተን ብኸቢድ ለበዳ ዝተጠቕዓ ከባቢታት ግን፡ እቲ መጠን፡ ብፍርቂ ዓቕመን ጥራይ ክሰርሓ ምዃነን እቲ መምርሒ ሓቢሩ ኣሎ። ከም …

Read More »

ሃገረ ማላዊ፡ ግዜኡ ኣሕሊፉ ንዝበለቶ 16 ሽሕ ክታበት ኮቪድ-19 ትጉሕፍ

መንግስቲ ማላዊ፡ ግዜኦም ዘሕለፉ 16 ሽሕ ብልቃጥ ክታበት ኮቪድ-19፡ ክጉሕፍ ወሲኑ ክብል ቢቢሲ ንሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ብምጥቃስ ሓቢሩ። እዞም ብልቃጥ ክታበታት፡ ኣካል ናይቲ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣቢሉ ዝተላእከ 102 ሽሕ ብልቃጥ ክታበት ኮቪድ-19 እዩ ኔሩ። ንመብዛሕትኡ ብኣውሮጳዊ ሕብረት ዝተላእከልና ብልቃጥ ክታበት፡ ተጠቒምናሉ ኢና። ክሳብ ትማሊ ሰሉስ፡ ክንጥቀመሉ ድሕሪ ምጽናሕና ካብ ረቡዕ ጀሚሩ ዕለቱ ስለዝኣኸለ፡ 16400 ዝኸውን ብልቃጥ …

Read More »

ክትባት ዝወሰዱ ሰባት፡ ምስ ካልኦት ሰባት ክራኸቡ ከምዝኽእሉ፡ ተገሊጹ

ክታበት ኮቪድ-19 ዝተኸትቡ ሰባት፡ ምስ ካልኦት ሰባት፡ ኣብ ዕጹው ኣደራሻት ከይተረፈ፡ ክራኸቡ ከምዝኽእሉ፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን’ ኳ እንተሓበረ፡ እዚ ማለት ግን፡ ክንዛነ ኣለና ማለት ኣይኮነን ክብል ከም ዘዘኻኸረ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። መምርሒታት ኮሮና፡ ገና ጽኑዓትን ክስራሓሎም ምዃኑን ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ለና ሃለንግሪን፡ ምስ በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን፡ ሎሚ ንግሆ፡ ኣብ ዘካየድዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ገሊጻ። …

Read More »

ኤርትራ፡ ብህጹጽ ካብ ኢትዮጵያ ክትወጽእ፡ ኣመሪካ፡ ጸዊዓ

ኤርትራ ኣብ ትግራይ፡ ንጹሃት ዜጋታት ምርሻን ኣበርቲዓ ከም ዝቐጸለቶ ዝሕብር ጸብጻብ፡ ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ድሕሪ ምውጻኡ፡ ወኪል ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ፡ ኤርትራ ካብ ትግራይ ብህጹጽ ክትወጽእ ጸዊዓ። ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ክጽናዕ ድማ ጻውዒታ ኣቕሪባ’ላ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ ነቶም ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት …

Read More »

Harmony Media Voice News 15/04/2021

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com