Monday , May 6 2024

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፡ ኣብ ጉዳይ ኒል ህጹጽ ዘተ ክግበር ይጽውዕ

ቀዳማይ ሚኒትሰር ሱዳን፡ ዓብደላ ሓምዶክ፡ መራሕቲ ግብጺ፥ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ጒዳይ ክርክር ኒል፡ ህጹጽ ዘተ ክገብሩ ጸዊዑ ክትብል ቢቢሲ ሓቢራ።

እዚ ዘተ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተፈቲኑ ዝፈሸለ ዘተ ናዘን ሰለስተ ሃገራት ናይ መወዳእታ ዕድል ንምሃብ ዝተጸውዐ እዩ ዝመስል ክብል እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። ኢትዮጵያ፡ ኣብ እዋን ክራማት፡ ካልኣይ እብረ ምምላእ ሓጽቢ ሚለንዬም ከተካይድ ምዃና እያ እትገልጽ። ግብጽን ሱዳንን ግና ቅድሚ’ዚ ምምላእ፡ ዘተ ክካየድ ኣለዎ እየን ዝብላ ዘለዋ።

ባይቶ ግብጺ፡ ነቲ ፕረሲደንት ኣልሲሲ፡ እዚ ክርክር ኣብ ጠረጴዛ ንኽፍታሕ ኲሉ ዝከኣል ክንገብር ኢና ክብል ንዝኣተዎ መብጽዓ ደገፉ ድሕሪ ምሃቡ እዩ እዚ ጻውዒት ዝቐርብ ዘሎ። ኣባል ባይቶ ግብጺ፡ ጣርቕ ሬድዋን፡ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል ” ንሕና ንልምዓት ኢትዮጵያ ኣይንቃወምን ኢና። ቀዳማይ ሚኒስተርን ባይቶን ኢትዮጵያ ህይወት ሚልዮናት ሓረስቶት ግብጺ ኣብ ሓደጋ ከእቱ ዝኽእል ተግባራት ካብ ምፍጻም ክቚጠቡ ተላቢና ኔርና፥ እንተኾነ ሰማዒ ኣይረኸብናን። ሩባ ኒል መዛመዲና እምበር መባኣሲና ክኸውን የብሉን ዝብል ጽኑዕ መርገጺ እዩ ዘሎና” ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com