Monday , May 6 2024

ሃገረ ፊንላንድ፡ ትካላት ኣብያተ መግቢ፡ ኣፍደገአን ንኸርሕዋ ተፍቅድ

ካብ ጽባሕ ሰኑይ ዕለት 19/04/2021 ጀሚረን፡ ኣብ ፊንላንድ ዝርከባ ትካላት ኣብያተ መግቢ፡ ኣፍደገአን ንዓማዊል ብምሉእ ዓቕመን ከርሕዋ ፍቓድ እኳ እንተረኸባ፡ ኣገልግሎት መስተ፡ ክሳብ ሰዓት 5:00 ድ.ቐ. ጥራይ ክኸውን፡ ብድሕሪኡ፡ ክልተ ሰዓታት ጸኒሐን ድማ ክዓጽዋ፡ መንግስቲ ፊንላንድ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብተን ብኸቢድ ለበዳ ዝተጠቕዓ ከባቢታት ግን፡ እቲ መጠን፡ ብፍርቂ ዓቕመን ጥራይ ክሰርሓ ምዃነን እቲ መምርሒ ሓቢሩ ኣሎ። ከም በዓል ኡሲማ (Uusimaa)፡ ቫርሲናይስ ሶሚን (Varsinais-Suomi) ኦስትሮቦትኒያን (Ostrobothnia) ዝኣመሰላ ከባቢታት፡ ብለበዳ ኮሮና፡ ብኸቢድ ተጠቂዐን ካብ ዝነበራ ኮይነን ተወሳኺ ቀይድታት ተበይኑለን ምህላዉ ኡለ (Yle) ዝተባህለ ህዝባዊ መስመር ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እቲ መምርሒ፡ ብባይቶ እታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ኮይኑ፡ ብፕረዚደን እታ ሃገር፡ ሳኡል ኒኒስቶ፡ ሎሚ ዓርቢ ዝጸደቐ እዩ።

ኣብ ፊንላንድ፡ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ክሳብ 83 ሽሕ ሰባት ክበጽሑ እንከለዉ፡ 885 ሰባት፡ ምሟቶም ይፍለጥ።

ኣብ ፊንላንድ ዝርከባ ትካላት ኣብያተ መግቢ፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ሳምንታት፡ ከም ዝተዓጽዋ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com