Monday , May 6 2024

ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳ ኣንቢራ

ኣመሪካ፡ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲን ካልእ ተጻብታት ሩስያ ምኽንያት ብምግባር፡ ኣብ ልዕሊ ሞስኮ እገዳ ከም ዘንበረት ተገሊጹ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተታት ናይ ሩስያ ሰብመዚን ትካላትን ዘቕነዐ እገዳ፡ ተጻብኦታት ሩስያ ንምዕጋት ብዝብል ዕላማ እዩ ተጌሩ ክትብል ኣመሪካ ገሊጻ’ላ።

ሩስያ ንክሲታት ኣመሪካ ድሕሪ ምንጻግ፡ ተመሳሳሊ ግብረ መልሲ ክትወስድ ምዃና ኣመልኪታ።

እዚ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 15/04/2021 ዝወጸ እገዳ ብፕረሲደንት፡ ጆ ባይደን፡ ዝተፈረመ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ኣብ መንጎ ሩስያን ኣመሪካን ዘሎ ዝምድና፡ ኣዝዩ እናሓርፈፈ ምምጽኡ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com