Saturday , April 27 2024

ሩዋንዳ፡ ነቲ ብሃገረ ፈረንሳ ዝቐርብ ጸብጻብ ዓሌታዊ ህልቂት ክትቅበል ቅርብቲ ምዃና ገሊጻ

ፈረንሳዊ ኮሚሽን፡ ነቲ ኣብ ዓመተ 1994 ኣብ ሃገረ ሩዋንዳ ዘጋጠመ ሂወት 800 ሽሕ ሰባት ዝቐዘፈ ዓሌታዊ ህልቂት፡ ብዝምልከት መጽናዕታዊ ጸብጻብ ንኸተቅርብ ንዘቕረበቶ ሓሳብ፡ ብፕረዚደንት ሃገረ ሩዋንዳ፡ ፖል ካጋመ፡ ተቐባልነት ከምዝረኸበ  ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እቲ ዝቐርብ ጸብጻብ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ዘጋጠመ ኩነታት፡ ብኸመይን ስለምንታይን ከም ዝተፈጸመ ንኽንርዳእ ክሕግዘና እዩ ክብል፡ ካጋመ፡ ኣብቲ ወግዓዊ ዝኽሪ መዓልቲ ናይቲ ህልቂት ገሊጹ።

እቲ ፈረንሳዊ ኮሚሽን፡ ብፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ዝተመዘዘ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ ጸብጻቡ ምቕራቡን ናይቲ ሽዑ እዋን ፕረዚደንት ፈረንሳ ዝነበረ ፍራንስዋ መትራ፡ ኣብ ልዕሊ ሩዋንዳ፡ ፍሹል ዝኾነ ፖሊሲ፡ ይኽተል ምንባሩ፥ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ።  

ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝነበሩ መራሕቲ ፈረንሳ፡ ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ምድላዋት ከምዘይረኣዩ ሸለል ብምባሎም ንሃገረ ፈረንሳ ብከቢድ ገበን ዘሕትታ ኮይኑ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com