Friday , May 17 2024

ዜና

ዓዲ እንግሊዝ፡ ኩነታት ክታበት ኮቪድ-19

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ካብቶም 18.1 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ዝተኸትቡ ዜጋታት፡ ኣስታት 30 ዝኾኑ ሰባት፡ ደም ናይ ምርጋእ ተርእዮታት ከም ዘጋጠሞም ብሪጣንያዊ በዓል መዚ መድሃኒት (MHRA) ሓቢሩ ክብል፡ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እቶም ካብ ፍርያት ኩባንያ ፋይዘር ዝተኸትቡ ዜጋታት ግን ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ዓይነት ኣሉታዊ ጎድኒ ከምዘየርኣዩ MHRA ገሊጹ።  

Read More »

ውህለላን ልቓሕን Save and borrow

Read More »

ፓኪስታን ካብ ህንዲ ኣቕሑ ምሽማት ተፍቅድ

ሃገረ ፓኪስታን፡ ምስ ምምሕያሽ ዝምድናታታ፡ ናህሪ ዋጋታት ንምቊጽጻር ካብ ህንዲ ገለ ጥረ ነገራት ክትሽምት ምፍቃዳ ተገሊጹ። በዚ መሰረት ነቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ተኣጊዱ ዝነበረ ሸመታ ሽኮር ምብራቕ ህንዲ፡ ክኣቱ ብምፍቃድ፡ ነቲ ኣዝዩ ዛሕቲሉ ዝነብረ ዝምድና ንምብርባር ድርኺት ፈጢራ ኣላ። ፓኪስታን፡ 50 ሽሕ ቶን ሽኮር፡ ካብ ህንዲ ክትሽምት እያ ዝበለ ሚኒስተር ፋይናንስ ፓኪስታን፡ ሓማድ ኣዝሃር፡ ኣብ ህንዲ ዋጋ ሽኮር ካብ ናትና …

Read More »

የመን፡ ክታበት ኮቪድ-19 ረኺባ

ሃገረ የመን፡ ንፈለማ ግዜ፡ ክታበት ኮቪድ-19 ብመንገዲ ግሎባል ኮቫክስ ምርካባ ተገሊጹ። ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ፡ መንግስቲ የመን፡ ብሰንኪ ካልኣይ ማዕበል ኮቪድ-19 ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዊጁ ምንባሩ ይዝከር። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ፡ ኣብ ህንዲ ዝፈረየ 300 ሽሕ ብልቃጥ ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበት፡ ድሮ ናብ ከተማ ዓደን ምብጽሑ ጸብጻብ ቢቢሲ ሓቢሩ። ሃገረ የመን፡ ንብዙሓት ኣብ ሓደጋ ዘለዉ፥ ከምኡ ውን …

Read More »

ግብጺ፡ ንምዕጋት መርከብ ኤቨርግሪን ኣመልኪታ መርመራ ከተካይድ እያ

ሃገረ ግብጺ፡ ንምዕጋት መርከብ ኤቨርግሪን ኣብ መትረብ ስዌዝ ኣመልኪታ ወግዓዊ መርመራ ከም ዝጀመረት ቢቢሲ ሓቢሩ። ኣማኻሪ በዓልመዚ መትረብ ስዌዝ፡ ሰይድ ሸዓይሻ፡ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክኢላታት ናብ መርከብ ኤቨር ግሪን ብምድያብ፡ ኣድላዪ ሓበሬታ ንምእካብ ክዋፈሩ እዮም። እቲ ጒጅለ፡ ንኹነታት ምንስፋፍ መርከብ ኤቨር ግሪን ተግባራት መራሕታን ብዝምልከት፡ መርመራታት ከካይዱ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ። እዛ 400 ሜትሮ ዝንውሓታን 220 ሽሕ ቶን ዝኽብደታን መርከብ፡ …

Read More »

BBC፡ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ቅትለት፡ መርተዖታት ረኺቡ

ኣብ ትግራይ፡ ከባቢ ማሕበረ ዴጎ ዝተባህለት ዓዲ፡ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ጃምላዊ መቕተልቲ ሲቪላውያን ከም እተኻየደ ቢቢሲ ብመርትዖታት ምርግጋጹ ገሊጹ። ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብስም ምኽባር ልዕልነት ሕጊ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝጸውዖ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ነቲ ኣብ ትግራት ኣብ መሪሕነት ዝነበረ ህወሓት ካብ ስልጣን ምእላዩን ክሳብ ሕጂ ድማ ኲናት ይካየድ ምህላዉን ጸብጻባት የመልክቱ። ህወሓት፡ ነቲ ስልጣን ማእከላይ መንግስቲ …

Read More »

ምምሕዳራት ሽወደን፡ ቀዳምነታት ናይ ራብዓይ መድረኽ ክታበት ክውስና እየን

ነቶም ኣብ ራብዓይ መድረኽ መስርሕ ክታበት ክወሃቦም ተዳልዮም ዘለዉ ካብ 18 ክሳብ 59 ዓመት ዕድመ ዘለዎም 4 ሚልዮን ዝኣኽሉ ዜጋታት ሽወደን፡ ንቐዳምነታት ብዝምልከት፡ ምምሕዳራት ሽወደን፡ ስልጣን ተዋሂብወን ከምዘሎ ሽወደናዊ ሬድዮ ኢኮት ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ምምሕዳራት ሽወደን፡ ንቀዳምነታት ክውስና ማለት፡ ኣብ ገለ ምምሕዳራት፡ ደቂ 20 ዓመት መንእሰያት ምስ ደቂ 59 ዓመት ሰብኡት ኣብ ሓደ እዋን ክታበት ክወሃቦም እንከሎ፡ …

Read More »

ኣመሪካ: ኣብ ኒጀር ዘሎ ኤምባሲኣ ትዓጹ

ብሰንኪ ብገለ ወተሃደራት እተኻየደ ፈተነ ዕልዋ: መንግስቲ ኣመሪካ :ነቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ኒጀር–ኒያሜ ዝርከብ ኤምባሲኣ ምዕጻዋ ቢቢሲ ሓቢራ። “ብምኽንያት ኣብ ጎደቦና ዝስማዕ ዘሎ ድምጺ ተዂሲ: ኤምባሲና ካብ ረቡዕ 31 መጋቢት 2021: ኣትሒዙ ክዕጾ እዩ። ክሳብ ተወሳኺ ሓበሬታ ነውጽእ: ቆንስላዊ ኣገልግሎት: ኣቋሪጽናዮ ኣሎና። ክሳብ ተወሳኺ ሓበሬታ ዝወሃቦም ኲሎም ሰራሕተኛታት ኣብ ቤቶም ክጸንሑ ነተሓሳስብ” ዝብል ጽሑፍ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ኤምባሲ ተዘርጊሑ’ሎ። …

Read More »

ጀርመናዊ ሚኒስተር፡ ክታበት ኣስትራ ምውጋእ ኣብዩ

ወዲ 71 ዓመት፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጀርመን፡ ሆርስት ሲሆቨር፡ ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበትክ ክውጋእ ከምዘይደሊ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ድሕሪ ወዲ 40 ዓመት ዝኾነ ሚኒስተር ጥዕና ጀርመን፡ የንስ ስፓሃን፡ ንልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም መዛንኡ ሚኒስተራት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ዘሎ ጥርጣረታት ንምብርዓን፡ ክኽተቡ ጻውዒት ድሕሪ ምቕራቡ ዝተኸስተ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።ሲሆቨር፡ ኣብ ልዕሊ …

Read More »

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ መስርሕ ክታበት ብምድንጓዩ ይነቅፍ

ኣብ መላእ ኤውሮፓ ዘለዉ ዜጋታት፡ ብቕልጡፍ ክኽተቡ ከምዘለዎም፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ጸዊዑ።ኣብዚ እዋን ዝረአ ዘሎ መስርሕ ዝርጋሐ ክታበት፡ ብዘይ ቅቡል ኣገባብ ምድንጓያት የርኢ ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ ፍርያምነት ብምውሳኽን ንስራሕ ዝዕንቅፉ ምምሕዳራዊ መሰናኽላት ብምውጋድን ኣብ ኢድና ዝበጸሐ ክታበት ኣብ ጥቕሚ ብምውዓል፡ መስርሕ ክታበት ክነቃላጥፍ ከምዝግባእ፡ ዳይረክተር ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ጨንፈር ኤውሮፓ፡ ሃንስ ክሉግ፡ ኣዘኻኺሩ።ኣብ ኤውሮፓ፡መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ ብዝለዓለ ናህሪ ምውሳኹ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com