Friday , May 3 2024

ቼክ ሪፓፕሊክ….. 25 ሽሕ ሰባት፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ሞይቶም

ኣብታ 10.7 ሚልዮን ነባሪ ዘለዋ ሃገረ ቼክ ሪፓፕሊክ፡ ሓንቲ ካብተን ብኸቢድ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ዝተጠቕዓ ሃገራትን ዝለዓለ መጠን ሞት ካብ ዘጋጠመን ምዃና ትፍለጥ። ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣብ ሃገረ ቼክ ሪፓፕሊክ፡ ብድምር ኣስታት 25 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱን ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ መዓልታዊ 200 ሰባት ከምዝልከፉን በዓል መዚ ጥዕና እቲ ሃገር ሓቢሩ።

መንግስቲ ሃገረ ቼክ፡ ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ኮሮና ንምግታእ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት፡ ዝተረሩ ቀይድታት ከምዘተኣታተወ ይፍለጥ። ቤት ምግብታት፡ ኣብያተ ንግድን ቤት ትምህርታትን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ መስርሕ ዕጽዋ ከምዝተኻየደለን ይዝከር።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ እናነከየ’ካ እንተኸደ፡ መስርሕ ዕጽዋ ግን ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ ክጸንሕ ምዃኑ እቲ በዓል መዚ ይሕብር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com