Monday , May 13 2024

ምምሕዳር ከተማ ዮንሾፒን፡ መናፈሻታትን መዐሽጊ መካይንን ክዓጹ መደብ ሒዙ ኣሎ

ምምሕዳር ከተማ ዮንሾፒን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ፡ መዕሸግ መካይንን መናፈሻታትን ክዓጹ መደብ ገይሩ ከምዘሎ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ተታሒዙ ዘሎ መደብ፡ ምስቲ ኣብ ቀጻሊ ዝመሓላለፍ መምርሒታት ኮሮና ክውሰን ምዃኑ እቲ ምምሕዳር ኣፍሊጡ ኣሎ።

ምምሕዳር ከተማ ዮንሾፒን፡ እታ ናይ ፈለማ ምምሕዳር፡ ነዚ ከምዚ ዓይነት መደብ እተተግብር ዘላ እያ ክብል ወሃብ ቃል ምምሕዳር ከተማ ዮንሾፒን፡ አሪክ በርየር፡ ንጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ።

ንዝያዳ ሓበሬታ ድማ ሎሚ ድሕሪ ምሳሕ ኣብ ዝካየድ ኤሌክትሮኒካዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ክሕበር እዩ።

እዚ ተታሒዙ ዘሎ መደብ፡ ምስቲ ኣብ እዋን ፋሲካ፡ ኣብ ከተማ ዮንሾፒን ዝካየድ ምርኢት መካይንን ምትእኽኻብ ሰባትን ዝተሓሓዝ ምዃኑ እቲ በዓል መዚ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com