Monday , April 29 2024

ኣብ ቀብሪ ማጉፉሊ: ብዘጋጠመ ጽቕቅጥ: ሓሙሽተ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ይሞቱ

ሓሙሽተ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት: ኣብ ቀብሪ ማጒፉሊ ብዝነበረ ጽቕቅጥ ከም ዝሞቱ ወኪል ቢቢሲ ካብ ዳር’ሰላም: ሳልም ኪከከ: ገሊጹ።

ሬሳ ማጉፉሊ: ናብ መዕረፊኡ ቅድሚ ምኻዱ ኣሽሓት ዜጋታት ኣኽብሮቶም ንምግላጽ ብሰንበት ኣብ: ኡሁሩ ኣታድዬም: ዳር’ሰላም ተኣኪቦም ከም ዝወዓሉ ድማ ወሲኹ ሓቢሩ። ደኒስ ሞትዋ: በዓልቲ ቤቱ፥ ክልተ ደቁ፥ ክልተ ደቂ ሓብቱን ከም ዝሞቱዎ ፥ ኣብ ቤቶም ትኽድም ዝነበረት ሰብ እውን ደሃይ ከም ዘይብላ ገሊጹ።

ሓደ ናይ በዓልቲ ቤቱ ማሕፉዳ ዝረኸበ ቀባራይ ንደኒስ ድሕሪ ምድዋሉ ዴኒስ ናብ እንዳ ምዉታን ከይዱ ሬሳኣ ከም ዝረኸበ ይገልጽ። ዝሓለፋ 24 ሰዓታት ብዙሕ ጸበባ እየ ረኺበ። በጻሕቲ ምሳይ እንክህልዉ ቊሩብ ይሕሸኒ እምበር በይነይ እንክኸውን ሓዘነይ ምጻሩ ኣይኽእልን እየ” ክብል ደኒስ ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣስታት ኣርብዓ ዝኾኑ ሰባት ኣብዚ ሓደጋ ጽቕቅጥ ሞይቶም ኣለዉ ዝብል ጸብጻብ እኳ እንተሎ ዛጊት ክረጋገጽ ኣይከኣለን ዘሎ።

ኮማንደር ፖሊስ ዳርሰላም: ላዛሮ ማምቦሳሳ: ን ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ነዚ ጒዳይ ክሳብ ሰሉስ ኣብ ዘሎ ግዜ ክፈትሖ ከም ዝኾነ ገሊጹ’ሎ።

ሬሳ ማጒፉሊ ኣብ ስታድዬም ናይ ክብሪ ስንብት ድሕሪ ምቕባሉ ናብ ዶዶማ ተወሲዱ ወግዓዊ ስነስርዓት ቀብሪ ከም እተገብረሉ ተፈሊጡ። ምኽንያት ሞት ማጉፉሊ ሕማም ልቢ እዩ ክብል መንግስቲ እኳ እንተገለጸ ተቓወምቲ ሰልፊታት ግና ብኮቪድ-19 እዩ ሞይቱ ክብሉ ገሊጾም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com