Thursday , May 2 2024

ኣውሮጳዊ ሕብረት: ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ኣንቢሩ

ኣውሮጳዊ ሕብረት: ኣብ ልዕሊ ወኪል ጸጥታ ኤርትራ: እገዳ ኣንቢሩ’ሎ። እገዳ ዝገበረሉ ምኽንያት ድማ ዓብዪ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እንተላይ ብሃውሪ ዝግበር መቕተልቲ፥ ምስቓይ፥ ብሃውሪ ናይ ምእሳርን ሰባት ናይ ምስዋርን ወንጀላት ብምፍጻሙ እዩ ኢሉ’ሎ። ኣውሮጳዊ ሕብረት እዚ ኣብ ኤርትራ ዝንበር እገዳ ስለምንታይ ሕጂ ክትግብሮ ደልዩ ወይ ከመይ ዝበለ ኣገባብ እዩ ክኽተል ዝብል ዝርዝር ኣይሃበን። ብመሰረት ሮይተርስ ሕሳብ ናይቶም ኣብ ኣውሮጳ ዝርከቡ ማላት ትካል ጸጥታ ኤርትራ ክድስክሉ እዮም። ወኪል ጸጥታ ኤርትራ ብ ሜጀር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ዝምራሕ ኮይኑ ኣብ ትሕቲ ስጡም ትእዛዝን ቊጽጽርን ፕረሲደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም ዝኾነ ይንገረሉ። ኤርትራ ሓደ ሰልፊ ጥራይ እትፈቅድ ሃገር ኮይና ካብ ናጽነት እታ ሃገር (1993) ኣትሒዙ ብ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ትምራሕ ምህላዋ ይፍለጥ። ኣውሮጳዊ ሕብረት ብዘይካ ኣብ ኤርትራ ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት እውን እገዳ ኣጽኒዑ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሊብያን ደቡብ ሱዳንን ብተመሳሳሊ ተረቚሖም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com