Monday , May 20 2024

ኮረና ቫይረስ

May, 2021

  • 28 May

    ሽወደን፡ ካብ ሃገረት ኖርዲክ ዝመጹ ገያሾ ክትቅበል ምዃና ኣፍሊጣ

    ካብ ዕለት 31 ግንቦት ጀሚሮም፡ ካብ ሃገራት ኖርዲክ ዝመጹ ገያሾ፡ ናብ ሽወደን ክኣትዉ ፍቑድ ክኸውን ምዃኑ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሚካኤል ዳምቤሪ፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ይኹን እምበር፡ እዚ ውሳኔ፡ ብወገን ሽወደን ጥራይ ዝተመሓላለፈ ኮይኑ፡ ብዛዕቢ እዚ ጉዳይ ኣመልኪተን ዝተረፋ ኣባላት ኖርዲክ ዝኾና ሃገራት ዴኒማርክ፡ ፊንላንድ፡ ኖርወይን ኣይስላንድን ዝሃበኦ ሓበሬታ ከምዘየለ ዝገለጸ፡ ዳምቤሪ፡ እተን ዝተረፋ ሃገራት፡ ተመሳሳሊ ውሳነ …

  • 27 May

    ሃገረ ቤልጅም፡ ክታበት ጀንሰን ንግዚኡ ኣቋሪጻቶ

    ሃገረ ቤልጅም፡ ክታበት ጀንሰን፡ ንትሕቲ 41 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ንግዚኡ ከም ዘቋሪጸት ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ሃገረ ቤልጅም ፡ ነዚ ውሳነ ዝወሰነት፡ ብዕለት 21 ግንቦት፡  ሓንቲ ትሕቲ 40 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓል ኣንስተይቲ፡ ክታበት ጀንሰን ተኸቲባ  ናይ ደም ምርጋአ ምልክታት ኣረኢያ ሆስቢታል ኣትያ ድሕሪ ምሟታ ምዃኑ ተፋሊጡ። አዚ ተመሓላሊፉ ዘሎ ዉሳነ፡ ኤዉሮፓዊ  በዓል መዚ መድሃኒት፡ ብጉዳይ አዚ ክታበት ኣመልኪቱ፡ …

  • 26 May

    ሃገረ ዴኒማርክ፡ ሰለስተ ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት፡ ሓገዝ ክትህብ እያ

    ሃገረ ዴኒማርክ፡ ሰለስተ ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት፡ ንዘይ ማዕበላ ሃገራት ዝኸውን ሓገዝ ክትህብ ምኻና ብመንገዲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር’ታ ሃገር፡ መተ ፍረድሪክሰን፡ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እቲ ሓገዝ፡ ብመንገዲ ዓለምለኻዊ ማዕከን ኮቫክስ ኣቢሉ፡ ናብተን ድኻታት ሃገራት ንኽበጽሕ ትጽቢት ይግበር። ኣቐድም ኣቢላ፡ ሃገረ ዴኒማርክ፡ ምስ ኩባንያታት ኣስትራ ዘነካን ጆንሶንን ውዕል ክታበት ኮቪድ ኣትያ ከምዝነበረት ይዝከር። ድሒሩ ግን፡ እታ ሃገር፡ ንፍርያት ናይዘን ክልተ …

  • 26 May

    ነፍሰ ጾራት፡ ኣብ ራብዓይ መድረኽ ሃገራዊ ክታበት፡ ክኽተባ ይኽእላ እየን ተባሂሉ

      ነፍሰ ጾራት፡ ኣብ ራብዓይ መድረኽ ሃገራዊ ክታበት፡ ክኽተባ ይኽእላ እየን ክብል በዓል መዚ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ውሳነ ዝተመሓላለፈ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ሽወደናዊ ማሕበር መወልዳንን ኤጀንሲ መድሃኒትን ዝተኻየደ ዝርርብ ከምዝኾነ፡ እቲ በዓል መዚ፡ ሓቢሩ። ኣብ ኣሜሪካ ይኹን ኣብ ካልኦት ሃገራት፡ ንነፍሰ ጾራት ድሕሪ ምኽታብ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ነፍሰ ጾር ይኹን እቲ ዕሸል፡ ዝሰዓበ …

  • 26 May

    ሃገረ ሽወደን፡ ሰለስተ ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት፡ ሓገዝ ክትህብ ምኻና ገሊጻ

    ሃገረ ሽወደን፡ ንዘይ ማዕበላ ሃገራት ዝኸውን፡ ሰለስተ ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት፡ ሓገዝ ክትህብ ምኻና፡ ብመንገዲ ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር፡ ስቴፋን ሎቬን፡ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እቲ ሓገዝ፡ ብመንገዲ ዓለምለኻዊ ማዕከን ኮቫክስ ኣቢሉ፡ ናብተን ድኻታት ሃገራት ንኽበጽሕ ትጽቢት ይግበር። ሃገረ ሽወደን፡ ልዕሊ እቲ ዘድልያ ብልቃጥ ክታበት ንምርካብ ውዕል ከምዝኣተወት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ንዜጋታታ ምኽታብ፡ ከም ቀዳምነት ሒዛ፡ ንዘይማዕበላ ሃገራት ዝኸውን ሓገዝ ክትህብ …

  • 25 May

    ሃገር ማልታ፡ ህዝባዊ ስርዓተ ምክልኻል ኣጥሪና፡ ኢላ

      ሃገረ ማልታ፡ እታ ቀዳመይቲ ልዕሊ 70% ካብ መንእሰያታ፡ ብክታበት ኮቪድ-19 ዝኸተበት፡ ኤውሮፓዊት ሃገር ከምዝኾነት፡ ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኦም፡ ሓደ እብረ ብልቃጥ ጥራይ ከምዝተኸትቡ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ሎሚ፡ ብሳላ ክታበት ኮቪድ-19፡ ሃገረ ማልታ፡ ህዝባዊ ስርዓተ ምክልኻል (herd immunity) ኣጥርያ ክብል ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር፡ ክሪስ ፍየርነ፡ ንጋዜጣታት ማልታ ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና AFP ሓቢሩ። ልዕሊ …

  • 25 May

    ካልኣይ እብረ ክታበት፡ ድሕሪ ሽውዓተ ሳምንታት ክወሃብ ምኽሪ ተመሓላሊፉ

    ቀዳማይ እብረ ክታበት ኮቪድ-19 ዝኾነ ፋይዘርን ሞደርናን ዝተኸትቡ ውልቀ ሰባት፡ እታ ካልኣይቲ እብረ ክታበት ድሕሪ ሸውዓተ ሳምንታት ክወሃብ፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ መኺሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ዝኾነሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ብሰንኪ ናህሪ ምስፍሕፋሕ ኮሮና ከም ዝኾነ፡ እቲ በዓል መዚ ገሊጹ። ዝበዝሑ ዜጋታት ሽወደን፡ ሓደ እብረ ክታበት ክወስዱ እንተድኣ ክኢሎም፡ ኣንጻር ኮቪድ-19 ዘለዎም ተጻዋርነት ክዓቢ ስለዝኽእል፡ በኡ …

  • 25 May

    ምኽርታት መገሻ፡ ካብ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን

    ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ብሰንኪ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ ኣገደስቲ ዘይኮኑ መገሻታት ንኽውገዱ፡ መምርሒታት ኣመሓላሊፉ እኳ እንተነበረ፡ ንቐጻልነቱ ኣመልኪቱ፡ ክሳብ ዕለት 01 ሓምለ ክጸንሕ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ይኹን እምበር፡ ካብዚ ናይ መገሻ መምርሒታት ነጻ ዝኾና ሸውዓተ ሃገራት ከምዘለዋ፡ ናብዘን ሃገራት፡ ዝኾነ ዓይነት መገሻታት ክግበር ከምዝከኣል፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ። እተን ሽውዓተ ሃገራት ድማ፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ …

  • 24 May

    Harmony Media news 24 May 2021

  • 24 May

    ብሰንኪ ኮቪድ-19፡ ብዙሓት ኣብ ጽላት ጥዕና ዝሰርሑ ሞይቶም

    ካብቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19፡ ኣስታት 115 ሽሕ ሰራሕተኛታት ብሞት ከምተፈልዩ፡ ዳይረክተር ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዞም ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ን18 ኣዋርሕ ዝኣክል፡ ኣብ ቅድሚ ግንባር ኮይኖም ነቲ ሕማም ክብድሁ ጸኒሖምን ኣለዉን ክብል፡ ዶ/ር ቴድሮስ፡ ኣድናቖቱ ገሊጹ። እዞም ሰራሕተኛታት፡ ንካልኦት ሰባት ንምድሓን፡ እቲ ዝኸበረ ዋጋ፡ ሂወቶም፡ ከፊሎም። ብኻልእ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com