Saturday , April 27 2024

ኮረና ቫይረስ

May, 2021

  • 11 May

    ምምሕዳራት ቬስተሞንላንድን ጎትላንድ፡ ራብዓይ መድረኽ ክታበት፡ ይጅምራ

      ምምሕዳራት ቬስተሞንላንድን ጎትላንድ፡ ሎሚ ሰሉስ፡ ራብዓይ መድረኽ ክታበት፡ ክጅምራ ምዃነን ኣፍሊጠን ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ብዝሑ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ክታበት፡ ቆጸራታት ክሕዙ ዝግበኦ ሰባት ኣብ ዘንቆልቁለሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ነጻ ዝኾነ ናይ ክታበት ግዜ፡ ክንጥቀመሉ ስለዝግበኣና፡ ካብ ሎሚ ጀሚሮም፡ እቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 55 ክሳብ 59 ዓመት ዘለዉ ሰባት፡ ራብዓይ መድረኽ ክታበት ንምጅማር፡ ቆጸራ ክሕዙ ከም …

  • 11 May

    ትሑት ቁጠባዊ ዓቕሚ ዘለወን ከባቢታት፡ ትሑት መጠነ ክትባት ከም ዘለወን ተሓቢሩ

      ኣብ ትሑት ቁጠባዊ ዓቕሚ ዘለወን ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት፡ ክታበት ጸረ ኮቪድ-19 ኣብ ምኽታብ ዘርእይዎ ዘለዉ ቅሩብነት ትሑት ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ወቕቲ ጽድያ ጎሊሑ ከም ዝተራእየ ኣወሃሃዲ ክታበት ምምሕዳር ስኮነ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ወከልቲ ርእሰ ከተማ ምምሕዳራት ሽወደን ምስ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሎሚ፡  ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ከምዝተዘራረቡ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ ውሱናት ከባቢታት፡ …

  • 10 May

    ኩባንያ ብዮንቴክ: ኣብ ሃገረ ሲንጋፖር: ሓድሽ ፋብሪካ ክታበት: ክሃንጽ እዩ

    ኣፍራይ ክታበት ኮቪድ-19 ዝኾነ ኩባንያ ብዮንቴክ: ኣብ ሃገረ ሲንጋፖር: ሓድሽ ፋብሪካ ንምህናጽ ይሻባሸብ ምህላዉ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ብመሰረት ኩባንያ ብዮንቴክ: ክታበት ዘፍርያ ፋብሪካታት: ኣብ መላእ ዓለም ከም ዝዝርጋሓ ምግባር፥ ኣገዳስነቱ ዓቢ እዩ ክብል: ነቲ ኩባንያ ዝወሰዶ ስጉምቲ ገሊጽዎ። በዚ ድማ: ኩባንያ ብዮንቴክ: ብኣማኢት ሚልዮናት ዝቁጸር ብልቃጥ ክታበታት ኣብ ኣህጉር እስያ ክፍሪ ክኽእል እዩ። እቲ ሓድሽ ፋብሪካ፤ ኣብ ዓመተ 2023 …

  • 10 May

    ልዕሊ 50 ዓመት ዝዕድሚኦም ነበርቲ ስቶክሆሎም፤ ክኽተቡ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ

    ኣብ ዓመተ 1971 ቅድሚኡን ዝተወልዱ ሰባት: ናይ ክታበት መዓልቲ ቆጸራ ክሕዙ ከም ዝኽእሉ ምምሕዳር ስቶክሆሎም ገሊጹ ክብል ማዕከን ዘና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ማለት ድማ: ኩሎም 50 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ነበርቲ ስቶክሆሎም: ክኽተቡ ክኽእሉ እዮም ማለት እዩ። ብመንገዲ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራም (App) ይኹን ብተሌፎን ዝግበር ናይ ክታበት ቆጸራ: ኩሉ ግዜ ክፉት ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር: ናይ ዕለተ ልደት ቅኑዕ ሓበሬታ ምሃብ: ኣገዳሲ …

  • 7 May

    ብዙሓት ምምሕዳራት፡ ንመንእሰያት፡ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ክህባ ድልየት ከምዘለወን ይገልጻ

      ምምሕዳራት ዮትላንድ፡ ያቩለቦሪ፡ ቬስትሞንላንድን ዮምትላንድ ሃርየዳለንን ብጉዳይ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ኣመልኪተን ምስ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ይዘራረባ ምህላወን ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ነቶም ትሕቲ 65 ዓመት ዕድመ ዘለዎም መንእሰያት ኮይኖም ድልየት ንዘለዎም፡ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ክንህቦም ድልዋት ኢና ክብል ኣወሃሃዲ ክታበት ምምሕዳር ዮምትላንድ፡ ኡርባን ቲረን፡ ሓቢሩ። ኣቐድም ኣቢላ ምምሕዳር ስኮነ፡ ንትሕቲ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት፡ …

  • 7 May

    ሃገረ ቱኒዝያ፡ ንሓደ ሰሙን ዝኣክል፡ ናይ ዕጽዋ መስርሕ ከተካይድ እያ

    ካብ ሰንበት ዕለት 9/05/2021 ጀሚራ፡ ሃገረ ቱኒዝያ፡ ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ናይ ዕጽዋ መስርሕ ከተካይድ ምዃና፡ ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር፡ ሂሻም መኪቺ፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ሃገረ ቱኒዝያ፡ ነዚ ስጉምቲ ትወስዶ ዘላ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ዝበዓል በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምዃኑን ኣብቲ ኣጋጣሚ ስድራ ቤታትን የዕሩኽቶምን ብምኽንያት ምዝዛም ወርሒ ሮሞዳን፡ ተኣኪቦም ጽንብላት ዘካይድሉ ምዃኑ ይፍለጥ። እቲ ብመንግስቲ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ …

  • 7 May

    ኣብ ብሪጣንያ፡ ናይ ህንዲ ጅር ኮቪድ-19፡ ሻቕሎት ይፈጥር

    ጅር ኮቪድ 19 ህንዲ፡ ኣብ ብሪጣንያ ሻቕሎት ፈጢሩ ምህላዉ፡ ክኢላታት ህዝባዊ ጥዕና ንቢቢሲ ሓቢሮም ኣለዉ። እዚ B.1.617.2 ዝተሰምየ ህንዳዊ ጅር ቫይረስ ኮሮና፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ብዝያዳ ኣብ ብሪጣንያ ይላባዕ ምህላዉ ህዝባዊ ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ ገሊጹ’ሎ። እዚ ጅር ቫይረስ፡ ካብቲ ኣብ ዉሃን ቻይና እትረኽበ ቫይረስ ብዝያዳ ተላባዒ ባህርያት ዘለዎ ምዃኑ ተመራመርቲ ይገልጹ ኣለዉ። ቫይረሳት በብግዜኡ ሓድሽ ጅር ገዛእ ርእሶም ናይ ምፍጣር …

  • 7 May

    ኣብ ስቶክሆልም ዝርከባ እንዳ መእለይ ዓበይቲ፡ ንመጀምርታ እዋን፡ መልከፍቲ ኮሮና ከምዘየመዝገባ ተሓቢሩ

    ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ዝርከባ እንዳ መእለይ ዓበይቲ፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ካብ ዝጅምር፡ ንፈለማ እዋን ፡ መልከፍቲ ኮሮና ከምዘየመዝገባ፡ ሚት ኢ ስቶክሆሎም ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ዝሓለፈ እዋን፡ ቅድሚ ካልኣይ ማዕበል ኮሮና ምጅማሩ ውን፡ ኣብ እንዳ መእለይ ዓበይቲን ህንጻታት ኣገልግሎትን፡ ዝተረኽበ ሓድሽ መልከፍቲ ኮሮና ከምዘይነበረ ይዝከር። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ብግዝያዊ ሰለስተ ሰባት፡ ኣብ ሓንቲ ጉጅለ እናጠርነፍካ ነቲ ስራሕ ይዕመም ነይሩ። ሰራሕተኛታትን …

  • 5 May

    Harmony Media News 05-05-2021

  • 5 May

    ሃገረ ኖርወይ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ፡ ናይ ኮሮና ምስክር ወረቐት ከተተኣታቱ ትዳሎ

      ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ሰነ፡ ሃገረ ኖርወይ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ኮሮና ምስክር ወረቐት ንኸተታኣታቱ ትዳሎ ምህላዋ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ አርና ሶልቤሪ፡ ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ናይ ኖርወይ ምስክር ወረቐት፡ ስም ዕለተ ልደት ኩነታት ክታበት ( ተኸቲቡ ድዩ ኣይተኽትበን) ኩነታት መርመራ ኮሮና ( ኣሉታዊ ወይ ኣወንታዊ ኩነታት መልከፍቲ) ኩነታት ጸረ ኣካል ( ኣንጻር ኮሮና ዘማዕበሎም ጸረ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com