Friday , May 10 2024

ሃገረ ቱኒዝያ፡ ንሓደ ሰሙን ዝኣክል፡ ናይ ዕጽዋ መስርሕ ከተካይድ እያ

ካብ ሰንበት ዕለት 9/05/2021 ጀሚራ፡ ሃገረ ቱኒዝያ፡ ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ናይ ዕጽዋ መስርሕ ከተካይድ ምዃና፡ ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር፡ ሂሻም መኪቺ፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ሃገረ ቱኒዝያ፡ ነዚ ስጉምቲ ትወስዶ ዘላ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ዝበዓል በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምዃኑን ኣብቲ ኣጋጣሚ ስድራ ቤታትን የዕሩኽቶምን ብምኽንያት ምዝዛም ወርሒ ሮሞዳን፡ ተኣኪቦም ጽንብላት ዘካይድሉ ምዃኑ ይፍለጥ።

እቲ ብመንግስቲ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ኣድላይን ኣገዳስን ምዃኑን፡ ብተወሳኺ ድማ፡ ስርዓተ ኣገልግሎት ጥዕና ውን ካብ ምዕናው ዘድሕን እዩ ክብል፡ መኪቺ፡ ገሊጹ።

ሃገረ ቱኒዝያ፡ ብሕማም ኮቪድ-19 ትሳቐ ዘላ ሃገር ኮይና፡ ኣብ ኣሃዱታት ኣገልግሎት ጥዕና ውን ጻዕቂ ሕሙማት ዘጋጥማ ዘሎ ሃገር እያ። ድሮ ኣብ ቱኒዝያ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ ተባሂሉ፡ ኩለን ቤት ትምህርታት ከምዝተዓጽዋ፡ ግዴታዊ ውሸባን ኣዋጅ ሕላፍ ሰዓታትን ከምዝተኣታተወ ይፍለጥ።

ዝሓለፈ ወርሒ፡ መንግስቲ ቱኒዝያ፡ ዝተረሩ መምርሒታት ኮሮና ከመሓላልፍ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ ከቢድ ነቐፌታት ኣጋጢምዎ ምንባሩን ናብ ህዝባዊ ተቛውሞታት ከይሰጋገር ስግኣት ከምዝነበሮን ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com