Thursday , May 2 2024

ኮረና ቫይረስ

April, 2021

  • 30 April

    Harmony News 30-04-2021

  • 30 April

    ኣብ ብራዚል: ቊጽሪ ግዳያት ሞት ኮቪድ-19: ልዕሊ 400 ሽሕ ይበጽሕ

    መጠነ ሞት ግዳያት ኮቪድ-19 ብራዚል: ልዕሊ 400 ሽሕ ምብጽሑን: በዚ ድማ ኣብ ዓለምና ብኻልኣይ ደረጃ ዝዓበየ ኣሃዝ ምምዝጋባን ቢቢሲ ሓቢራ። እዚ እናኾነ: መደብ ክትባት ጸረ ኮቪድ-19: ብዘገምታ ይሳለጥ ምህላዉን እዚ ድማ ብ ኮንግረስ መርመራ ክግበረሉ ከም ዝደረኸ ተፈሊጡ። ኣብ ፈለማ ወርሒ ሚያዝያ: ኣብ ሓደ መዓልቲ: ቁጽሪ ናይቶም ዝሞቱ 4000 ብምብጻሕ: ዝለዓለ ቊጽሪ ኣመዝጊቡ ምንባሩን ኣብ ዝሓለፋ 24 ሰዓታት 3001 ሰባት …

  • 30 April

    ኣብ ውሱናት ንጥፈታት፡ ምፍኳስ ቀይድታት ኮሮና ክጅመር እዩ

    መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብ ውሱናት ንጥፈታት፡ ምፍኳስ ቀይድታት ኮሮና ንኽግበር፡ እማመ ከምዘቐረበ ሽወደናዊ ሬድዮ ኢኮት ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ካብ ዕለት 17 ግንቦት ጀሚሩ፡ ኣብ ከም ዓበይቲ ስፖርታውን ባህላውን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት፡ ክሳብ 500 ሰባት ዝኣኽሉ፡ ኣብ ዝተመደቡ ወናብር ኮፍ ብምባል፡ ክእከቡ ከምዝኽእሉ ዝገለጸት ሚኒስተር ባህልን ስፖርትን ሽወደን፡ ኣማንዳ ሊንድ፡ እዚ ተግባራዊ ዝኸውን ግን፡ ኩነታት ምስፍሕፋሕ ለበዳ፡ እንተ ኣፍቂዱ ጥራይ …

  • 30 April

    ሃገረ ሽወደን፡ ውጥን ክታበት ተናውሕ

    ሃገረ ሽወደን፡ ንኹሎም ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ መንእሰያት፡ ኣብ ዕለት 15 ነሓሰ፡ ብውሑዱ ቀዳማይ እብረ ክታበት ንክኽተቡ ውጥን ኣውጺኣ ምንባራ ይዝከር። ይኹን እምበር፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ሎሚ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ውጥን ንተወሳኺ ግዜ፡ ክሳብ ዕለት 5 መስከረም፡ ከምዝተናወሐ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ዝኾነሉ ዘሎ ምኽንያት፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ንኽታበት ተመዲቦም ዝነበሩ …

  • 29 April

    ፈረንሳ… ድሕሪ ክታበት ዘጋጠመ ናይ ሞት ሓደጋ፡ ትምርምር

    ኣብ ከተማ ፓሪስ፡ ፈረንሳ፡ ዝርከቡ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ፡ ድሕሪ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ምስ ተወግኡ፡ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ሰባት፡ መርመራታት ከምዝጀመሩ ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ፓሪስ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እቶም ሰለስተ ናይ ሞት ኣጋጣሚታት፡ ኣብ ከተማታት ቱሉስ፡ ፓሪስን ናንትስን ዘጋጠሙ ኮይኖም፡ መባእታዊ መርመራታት፡ ብኣኽበርቲ ሕጊ ናይተን ምምሕዳራት ከምዝተጀመረ፡ እቲ መግለጺ ሓቢሩ። ክልተ ካብቶም ናይ ሞት …

  • 29 April

    ክታበት ኣስትራ ዘነካ ዝኣበዩ ሰባት፡ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክብየነሎም ምዃኑ ተሓቢሩ

    ነበርቲ ምምሕዳር ካልማር፡ ክሳብ ኣብ ቦታ ክታበት በጺሖም ንክኽተቡ ኣብ ወንበር ኮፍ ዝብሉ፡ እንታይ ዓይነት ክታበት ከምዝውግኡ ኣይፈልጡን እዩም። ኣብ እዋን ክትባት፡ ንክታበት ኣስትራ ዘነካ ይኹን ንኻልእ ዓይነት ክታበት ንኽውግኡ ምስ ዘይደልዩ፡ ናይ 200 ክሮነ፡ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክብየነሎም ምዃኑ ክፈልጡ ይግባእ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ግዜ፡ ከምቲ ናይ ሕክምና ቆጸራ ምጥላም፡ ዘስዕቦ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ፡ ኮይኑ ስለዝቑጸር እዩ ክብል’ቲ ምምሕዳር …

  • 29 April

    ኣመሪካ… ዝተኸትቡ ሰባት፡ ማስክ ምውዳይ ኣየድልዮምን እዩ ትብል

    ምሉእ ክታበት ዝፈጸሙ ሰባት፡ ኣብ ግዳም ማስክ ምውዳይ ኣይከድልዮምን እዩ ክብል ኣሜሪካዊ ማእከል ምቊጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሊጡ። ኲሉ ዘድሊ ክትባታት ዝወሰዱ ሰባት፡ ንበይኖም ወይ ኣብ ንኡስ ምትእኽኻብ ናይ ክቱባት ሰባት እንክኾኑ፡ ማስኮም ምውጻእ ከም ዝኽእሉ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ውሽጢ ኣዳራሽ ከምኡውን ሰባት ዝእከቡሉ ከባቢታት ግና ማስክ ናይ ምውዳይ መምርሒ ከም ዘገልግል ገሊጹ’ሎ። ዛጊት 95 ሚልዮን ኣመሪካውያን፡ ክትባት ኮቪድ-19 ከም …

  • 29 April

    ቱርኪ፡ 50 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ስፑትኒክ ቪ ክትዕድግ ተሰማሚዓ

    ሃገረ ቱርኪ፡ ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ እትርከቦ፡ 50 ሚልዮን ብልቃጥ፡ ፍርያት ሩስያዊ ኩባንያ ዝኾነ ክታበት ስፑትኒክ ቪ፡  ክትዕድግ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐት ሰብ መዚ ቱርኪ ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ክታበት ስፑትኒክ ቪ፡ ብቱርካዊ በዓል መዚ መድሃኒት፡ ተቐባልነት ድሕሪ ምርካቡ፡ እቲ ቀዳማይ ብልቃጥ ክታበት፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ድሉው ክኸውን ትጽቢት ተገይሩ ከምዘሎ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።    ኣብ ተመሳሳሊ መስርሕ፡ ኤውሮፓዊ …

  • 28 April

    Harmony Media News 28-04-2021

  • 27 April

    ደቡብ ሱዳን፡ 60ሽሕ ክታበት ኮቪድ፡ ክትጒሕፍ መዲባ

    ሚኒስትሪ ጥዕና ደቡብ ሱዳን፡ ግዜኡ ንዝሓለፎ ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ከየዕኑ ካብ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ንዝቐረበሉ ምኽሪ ብምንጻግ 60ሽሕ ክታበት ኮቪድ ከዕኑ ምውሳኑ፡ ተቖጻጻሪ ለበዳ ኮቪድ እታ ሃገር፡ ሪቻርድ ላኩ፡ ገሊጹ’ሎ። ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ እዚ መድሃኒት ካብ ፍርያት ክሳብ 18 ኣዋርሕ ኣብ ጠቕሚ ክውዕል ይኽእል እዩ ብምባል ብዛዕባ ኣጠቓቕማኡ ድማ ካብቲ ውድብ መምርሒ ክጽበዩ ለበዋ ኣቕሪቡ ኔሩ። እንተኾነ ግና ዶ/ር ላኩ፡ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com