Friday , May 10 2024

ኮረና ቫይረስ

May, 2021

  • 5 May

    ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ራብዓይ መድረኽ ክታበት ጀሚሩ

      ካብ ሎሚ ረቡዕ ሰዓት 11፡15 ቅ.ቐ.፡ ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ራብዓይ መድረኽ ክታበት ኮቪድ-19  ከምዝጀምረ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ራብዓይ መድረኽ ክታበት፡ ንኹሎም ትሕቲ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ኮይኑ፡ ኣብ ሓሙሽተ ክሊ ዕድመ ብምምዳብ፡ ክታበት ከም ዝረኽቡ ክግበር እዩ ክትብል ኣና ስታርብሪንክ፡ ገሊጻ። ኣብ ቅድሚት ተሰሪዖም ዘለዉ፡ እቶም ክሳብ 150 ሽሕ ዝበጽሕ ብዝሒ ዘለዎም ኣብ ክሊ ዕድመ 55 ዓመት …

  • 5 May

    ድሕሪ ክታበት፡ ብሕማም ኮቪድ-19 ናይ ምልካፍ ተኽእሎታት ከም ዘሎ ሓደ መጽናዕቲ ይሕብር

      ኣንጻር ኮቪድ 19፡ ክታበት ካብ ዝወሰዱ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ሰባት፡ እቶም 3%  ደጊሞም  ብኮቪድ ይልከፉ ከምዘለዉ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ኣብ ዘቕረቦ መጽናዕታዊ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።   እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኣብ መጀመሪያ እዋን ምዉሳድ ናይቲ ክታበት፡ እቶም ቫይረስ ከምዝጥቅዑን ኣብ ዉሕድ እዋን ግን ባህሪ እቲ ቫይረስ ተቐይሩ ናይ ምስዕራር ኣጋጣሚ ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ የርድእ።   ብመሰረት ጸብጻብ እቲ በዓል …

  • 5 May

    ምምሕዳር ስኮነ፡ ሓፈሻዊ ክታበት ክትጅምር እያ

    ኣብ መፈርቕ ወርሒ ግንቦት፡ ምምሕዳር ስኮነ፡ ሓፈሻዊ ክታበት ክትጅምር ምዃና ሓቢራ። ካብ ዕለት 17 ወርሒ 5 ጀሚሮም፡ እቶም ኣብ ራብዓይ መድረኽ ክኽተቡ ዝተባህሉ ክፋል ሕብረተሰብ፡ ቆጸራ ክሕዙ ክኽእሉ እዮም ክብል እቲ ምምሕዳር ከምዝሓበረ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ነፍሲ ወከፍ ልዕሊ ዕድመ ዝኾነ ነባሪ ናይዚ ምምሕዳር፡ እጅግኡ ሰብሲቡ፡ ንኽታበት ድልው ክኸውን ይግባእ። ምኽንያቱ፡ ነፍሲ ወከፍ ብልቃጥ ክታበት፡ ሂወት ናይ ምድሓን ዓቕሚ …

  • 4 May

    ህንዲ፥ ቊጽሪ ሕሙማት ኮቪድ: 20 ሚልዮን ይበጽሕ፥ ክቱር ሕጽረት መተንፈሲ (ኦክሲጂን) ይቕጽል

      ህንዲ ዛጊት 20 ሚልዮን ሕሙማት ኮቪድ-19 ከም ዘመዝገበት ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን መንግስቲ እቲ ሕማም “ብዘገምታ ይንኪ እዩ ዘሎ” ምባሉ ተገሊጹ። ሎሚ ሰሉስ ጥራይ 355 ሽሕ ሓደስቲ ሕሙማት ከም እትረኽቡ እዚ ምስቲ ክሳብ 30 ሚያዝያ ዝምዝገብ ዝነበረ ናይ 400 ሽሕ ኣሃዝ ብምውድዳር ምጒዳል ዘርኢ እኳ እንተኾነ ቊጽሪ ዝምርመሩ ሰባት እውን ጐዲሉ ምህላዉን እቲ ልክዕ ኣሃዝ ሕሙማት ካብዚ ዝበሃል ዘሎ …

  • 3 May

  • 3 May

    ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ናይ ክታበት ቆጸራታት ብዘይ ጥቕሚ የባኹኑ

    ኣብ  ሺስታሜሳን (Kistamässan)፡ መዓልታዊ ክሳብ 10 ሽሕ ብልቃጥ ክታበት ክህብ ዓቅሚ ዘለዎ ኑቕጣ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣስታት 2 ሽሕ ዝኸውን ናይ ክታበት ቆጸራታት ብዘይ ጥቕሚ ከምዝባኸነ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ጠንቂ ናይዚ ጉዳይ እንታይ ምዃኑ ክግምግም የሸግረኒ እዩ ክብል ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ብምምሕዳር’ቲ ከባቢ ናይ ክታበት ሓላፍነት ዝተዋህበ፡ ትካል ዌርላብስ፡ ምስ ጋዜጣ ዳገንስ ነሂተር ኣብ ዝካየዶ ርክብ ገሊጹ። …

  • 3 May

    ሽወደን፡ ሓደ ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኣወፍያ

    ሃገረ ሽወደን፡ ሓደ ሚልዮን ብልቃጥ፡ ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበት፡ ንማዕከን ኮቫክስ ከምዘወፈየት፡ ሚኒስተር፡ ፔር ኡልሶን ፍሪድ፡ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ንወፈያ ዝተዋህበ ብልቃጥ ክታበት፡ ልዕሊ እቲ ንሽወደን ዘድልያ ብምዃኑን ነቲ ሽወደን ወጢናቶ ዘላ መደብ ክታበት ድማ ዝጸልዎ ኣይኮነን ክብል እቲ ሚኒስተር ወሲኹ ገሊጹ።

  • 3 May

    ህንዲ. . . ሆስፒታላት ክቱር ሕጽረት መተንፈሲ (ኦክሲጂን) የጋጥመን

    ሕሙማት ኮቪድ-19 ብጻዕቂ ኣብ ዝእለዩሉ ዘለዉ እዋን፡ ክቱር ሕጽረት መተንፈሲ (ኦክሲጂን) ምግጣሙ፡ ሆስፒታላት ደልሂ ብሓባር፡ መንግስቲ፡ ነዚ ሽግር ብህጹጽ ክፈትሕ ጻውዒት ኣቕሪበን ኣለዋ። እዚ ቅልውላው ክልተ ቕነ እኳ እንተገበረ፡ ዛጊት ዝኾነ ዓይነት ፍታሕ ኣይረኸበን። ኣብ ሓደ ፍሉጥ ሆስፒታል ደልሂ፡ ብቐዳም ጥራይ፡ ብሰንኪ ዋሕዲ ኦክሲጂን ሓደ ዶክተር ዝርከቦም ብውሕዱ 12 ሕሙማት ምሟቶም ተገሊጹ። ብሰንኪ ብዝሒ ሕሙማት፡ ዓራውቲ ስለዝተሳእነ፡ ገሊኣቶም ኣብ በረንዳን …

  • 1 May

    ኩባንያ ፋይዘር፡ ክታበት ናይ ደቂ 12 ዓመት፡ ተቐባልነት ንኽረክብ ይጠልብ

    ኩባንያታት ፋይዘርን ብዮንቴክን፡ ንፍርያቱ ዝኾነ ክታበት ኮቪድ-19፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 12 ክሳብ 15 ዓመት ዘለዉ ቆልዑ ውን ንኽክተብዎ፡ ብኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ተቐባልነት ንኽረክብ ጠለቡ ከምዘቕረበ፡ ማዕከን ዜና AFP ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኤውሮፓዊ በዓል መዚ መድሃኒት፡ ነቶም ኣብዚ ክሊ ዕድመ ዘለዉ ቆልዑ፡ ክታበት ፋይዘር ንኽውግኡ እንተድኣ ኣፍቂዱ፡ ኩባንያ ፋይዘር ብወገኑ፡ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ፡ ክታበት ከከፋፍል ዓቕሚ ከምዘለዎ ዋና …

  • 1 May

    ሃገረ ኖርወይ፡ ኣብ መንጎ ክታበታት ዘሎ ግዜ ተናውሕ

    ሃገረ ኖርወይ፡ ኣብ መንጎ ቀዳመይትን ኣልኣይትን ክታበታት ፋይዘርን ሞደርናን፡ ዘሎ ግዜ፡ ካብ 6 ሳምንታት ናብ 12 ሰምንታት ከምዝናዋሕ ከምዝገበረትን፡ እዚ ድማ ንኹሎም ዕድሚኦም ትሕቲ 65 ዓመትን ምሉእ ጥዕና ዘለዎም ሰባት ዝምልከት ምዃኑ ኣፍሊጣ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ምኽሪ፡ ካብ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ኖርወይ ዝተረኽበ ኮይኑ፡ ኣብ ክንዲ ውሑዳት ሰባት፡ ክልተ እብረ ክታበት ዝረኽቡ፡ ዝበዝሑ ሰባት ቀዳማይ እብረ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com