Friday , May 10 2024

ልዕሊ 50 ዓመት ዝዕድሚኦም ነበርቲ ስቶክሆሎም፤ ክኽተቡ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ

ኣብ ዓመተ 1971 ቅድሚኡን ዝተወልዱ ሰባት: ናይ ክታበት መዓልቲ ቆጸራ ክሕዙ ከም ዝኽእሉ ምምሕዳር ስቶክሆሎም ገሊጹ ክብል ማዕከን ዘና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ማለት ድማ: ኩሎም 50 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ነበርቲ ስቶክሆሎም: ክኽተቡ ክኽእሉ እዮም ማለት እዩ።
ብመንገዲ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራም (App) ይኹን ብተሌፎን ዝግበር ናይ ክታበት ቆጸራ: ኩሉ ግዜ ክፉት ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር: ናይ ዕለተ ልደት ቅኑዕ ሓበሬታ ምሃብ: ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ ክብል እቲ ምምሕዳር ኣዘኻኺሩ።
ራብዓይ መድረኽ ክታበት: ብረቡዕ ዕለት 5 ግንቦት ከምዝጀመረ ዝፍለጥ ኮይኑ: ብቀዳምነት ዝተሰርዑ: እቶም ኣብ ዓመተ 1966 ዝተወልዱ ምንባሮም ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com