Friday , May 10 2024

ብዙሓት ምምሕዳራት፡ ንመንእሰያት፡ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ክህባ ድልየት ከምዘለወን ይገልጻ

 

ምምሕዳራት ዮትላንድ፡ ያቩለቦሪ፡ ቬስትሞንላንድን ዮምትላንድ ሃርየዳለንን ብጉዳይ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ኣመልኪተን ምስ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ይዘራረባ ምህላወን ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ነቶም ትሕቲ 65 ዓመት ዕድመ ዘለዎም መንእሰያት ኮይኖም ድልየት ንዘለዎም፡ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ክንህቦም ድልዋት ኢና ክብል ኣወሃሃዲ ክታበት ምምሕዳር ዮምትላንድ፡ ኡርባን ቲረን፡ ሓቢሩ።

ኣቐድም ኣቢላ ምምሕዳር ስኮነ፡ ንትሕቲ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት፡ ክታበት ኣስተራ ዘነካ፡ ክትከትብ ድልየት ከምዘለዋ’ኳ እንተ ገለጸት፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ግን እዚ ክታበት፡ ንልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ጥራይ ክወሃብ ከምዘለዎ ምሕባሩ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com