Friday , May 3 2024

ኩባንያ ብዮንቴክ: ኣብ ሃገረ ሲንጋፖር: ሓድሽ ፋብሪካ ክታበት: ክሃንጽ እዩ

ኣፍራይ ክታበት ኮቪድ-19 ዝኾነ ኩባንያ ብዮንቴክ: ኣብ ሃገረ ሲንጋፖር: ሓድሽ ፋብሪካ ንምህናጽ ይሻባሸብ ምህላዉ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ብመሰረት ኩባንያ ብዮንቴክ: ክታበት ዘፍርያ ፋብሪካታት: ኣብ መላእ ዓለም ከም ዝዝርጋሓ ምግባር፥ ኣገዳስነቱ ዓቢ እዩ ክብል: ነቲ ኩባንያ ዝወሰዶ ስጉምቲ ገሊጽዎ።

በዚ ድማ: ኩባንያ ብዮንቴክ: ብኣማኢት ሚልዮናት ዝቁጸር ብልቃጥ ክታበታት ኣብ ኣህጉር እስያ ክፍሪ ክኽእል እዩ።
እቲ ሓድሽ ፋብሪካ፤ ኣብ ዓመተ 2023 ስርሑ ክጅምር ትጽቢት ይግበር።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com