Friday , May 10 2024

ኣብ ብሪጣንያ፡ ናይ ህንዲ ጅር ኮቪድ-19፡ ሻቕሎት ይፈጥር

ጅር ኮቪድ 19 ህንዲ፡ ኣብ ብሪጣንያ ሻቕሎት ፈጢሩ ምህላዉ፡ ክኢላታት ህዝባዊ ጥዕና ንቢቢሲ ሓቢሮም ኣለዉ።

እዚ B.1.617.2 ዝተሰምየ ህንዳዊ ጅር ቫይረስ ኮሮና፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ብዝያዳ ኣብ ብሪጣንያ ይላባዕ ምህላዉ ህዝባዊ ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ ገሊጹ’ሎ። እዚ ጅር ቫይረስ፡ ካብቲ ኣብ ዉሃን ቻይና እትረኽበ ቫይረስ ብዝያዳ ተላባዒ ባህርያት ዘለዎ ምዃኑ ተመራመርቲ ይገልጹ ኣለዉ።

ቫይረሳት በብግዜኡ ሓድሽ ጅር ገዛእ ርእሶም ናይ ምፍጣር ዝንባለ ከም ዘለዎም ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ገሊኡ እዋን ልኡምን ዘይጓዳእን ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ገሊኡ እዋን ድማ፡ ኣዝዩ ዝጓዳእ ጅር ክፍጠር ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ። ኣብ ኬንት፥ ደቡብ ኣፍሪቃን ብራዚልን እተረኽቡ ጅራት ኮሮና ንኣብነት ካብቶም ናይ ተጓዳኢ ባህርያት ዘለዎም ዓሌታት ምዃኖም ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com